ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ሓዋርያዊ ቅዋም ናይ ሰበኻ ሮማ ዓቃቤ መንበር ኣሐዲሶም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘተኣታተውዎ ተሓድሶ ዓቃቤ መንብር ሰበኻ ሮማ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን ብወገኖም በቲ ብሕጋዊ ሰነድ Motu Proprio Confirm Fratres Tuos ብዘርእስቱ ጣልቃ ብምእታው፣ ንሓዋርያዊ ቅዋም ምምሕዳር ዓቃቤ መነብር ሰበኻ ሮማ ዳግም ኣመሓይሾም።
ኣብቲ ዝኣወጅዎ ሓድሽ ሕጋዊ ሰነድ፣ ቅዱስ ኣቦ፣ ነቲ ክርስቶስ ንጴጥሮስ ብሕድሪ ዝሃቦ ተልእኾ ይዝክሩ - "ንኣሕዋትካ ኣጸናንዓዮም" (ሉቃስ 22፡32) - ነቲ ኻብ ተልእኾ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝምንጩ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት ንምርኣይ እተጸውዑሉ ፍሉይ ግደ ድማ ደጊሞም ይገልጹ። በዚ ኣረኣእያ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ናይ ቤተ-ክርስትያን መዋቕር እውን ብቐጻሊ ናብ ተልእኾን ኣገልግሎትን ህዝቢ ኣምላኽ ኬተኵር ኣለዎ ይብሉ።
እዚ ሓድሽ መብርሒ ቅዱስነቶም፣ ብልክዕ ካብዚ ድሌት እዚ ዝምንጩ እዩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 In Ecclesiarum Communione ዝብል ሰነድ ኣብ ግብሪ ድሐሪ ምውዓሉ፣ ነቲ ናይ ዓቃቤ መንበር ጕስነታዊ ምምሕዳርን ተመክሮን፣ ገለ ገምጋም ዘድልዮ መዳያት ኣጕልሐ። በዚ ምኽንያት እዚ ብዕለት 25 ለካቲት ናይዚ ዓመት እዚ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ህሉው ሕግታት ንምምርማርን ኣድላዪ ዝዀነ ይኹን እዋናዊ ሓበሬታ ንምቕራብን እተወፈየ ናይ ስራሕ ጕጅለ ክምስረት ድማ ይእዝዙ።
እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘተባብዕዖ ንምሕዳሴ ዓቃቤ መንበር ዝመርሕዎ መሰረታዊ ስርዓታት ካብ ወንጌላዊ ተልእኾ ሲኖዶስን ባህርይ ቤተ-ክርስትያን ሮማ ጀሚሩ ኣይተቐየረን። ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓድሽ መዳያት ብንጹር ንመሰረታዊ ስርዓት፣ ሓባራዊ ሓላፍነት ምእመናን እዩ ዘመልክት፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከከም ጸዋዕታኦምን ባህርያቶምን ኣብ ህይወትን ተልእኾን ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ኪሳተፉ እተጸውዑ እዮም ድማ ይብል።
እቲ መአረምታታት ብቐንዱ ብዛዕባ ምምሕዳር ዓቃቤ መንበር እዩ ዚምልከት። እቲ ሓድሽ ቅዋም፣ ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ኣካላት ዘሎ ምክፍፋል ሓላፍነታት ተራን ኣስታፍን ይገብሮ። ካርዲናል ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮም ከም ርእሲ መበረ ዕብና ተራ ዳኛን፣ ከም ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ዘለዎ ግደ ዝተረጋገጸ ክኸውን እንከሎ፣ ምትሕብባር ኣብያተ ጽሕፈትን ምምሕዳራዊ መዋቕርን ከኣ ነቲ ብቅዱስ ኣቦና ንሓሙሽተ ዓመት ዝሾምዎ ኣመሓዳሪ ኩሪያ ኮይኖም ክመርሑ ብሕድሪ ተዋሂብዎም ኣሎ። እቲ ዝወጸ ሓድሽ ቅዋም ብዛዕባ ምክትል ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ሓገዝቲ ጳጳሳትን ዝምልከት ገለ ምድላዋት ከምኡ'ውን ናይ ሽመት መስርሓት ንናይ ሰበኻ ካህናትን ተራዳእቲ ካህናትን የነጽር።
ካልእ ክፋል ከኣ ንተሳትፎን ንምምኽኻርን ኣካላት ዝምልከት ኢዩም። ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ ከም ቀዋሚ ኣማኻሪ ኣካል ኰይኑ እንደገና ተተርጒሙ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንካርዲናል ዓቃቤ መንበር ኣብ ቀንዲ ጕዳያት ጉስነትን ምምሕዳርን ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተመዘ ኢዩ። እቶም ካልኦት ጳጳሳት ዝመሑሉ ሕግታት እውን ተሓዲሱ ይርከብ።
እቲ ኣብ 2023 እተኣታተወ መዋቕር ኣብያተ ጽሕፈትን ኣገልግሎታትን ግን ብዙሕ ኣይተቐየረን። ኣብያተ-ፍርዲ ዓቃቤ መንበር እውን ከምኡ ከምቲ ዝንበሮ ኮይኑ፣ መስርሓቶም ኣይተተንከፈን። ይኹን እምበር እቲ ንናጻ ተቖጻጻሪ ኮሚሽን ዝመርሓሎም ሕግታት፣ እቲ ዝወጸ ሓድሽ ቅዋም ከም ውሽጣዊ ተቘጻጻሪ ኣካል መጠን ዘለዎ ግደ የረጋግጽ፣ ነቲ ዝርዝር መግለጺ ሓላፍነቱን ኣሰራርሓኡን ድማ ናብ እተፈልየ መምርሒታት የመሓላልፎ።
ኣብቲ ኣብ 2023 እተገብረ ተሓድሶ ተጠቒሱ ዘሎ ዕላማ ድማ - ንቤትጽሕፈት ሓዋርያዊ ዕቅብና መንበረ ሮማን ንወንጌላዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ንምድጋፍ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሕብረት ንምድንፋዕ ከምኡውን ምስ ጕስነታዊ ህይወት ናይ ሮማ ጳጳሳ ንምድጋፍ ዝያዳ ውጽኢታዊ መሳርሒ ንምፍጣር ዝተገብረ ድማ ኢዩ።
