ስእሊ ናይ መስራቲ ማኅበር ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ዝሓዘ መጽሓፍ መዝሙረ ዳዊት ስእሊ ናይ መስራቲ ማኅበር ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ዝሓዘ መጽሓፍ መዝሙረ ዳዊት  (AFP or licensors)

ር. ሊ.ጳጳሳት ናብ ማኅበር ካህናት ቅዱስ ፒዩስ 10ይ ዝለኣኽዎ ናይ መወዳእታ ጻውዒት

እታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ማኅበር ካህናት ቅዱስ ፒዩስ 10ይ እተላእከት ደብዳቤ፡ ዕለታ 29 ሰነ፡ ማለት ኣብ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን እያ ተጻሒፋ። እዚ ድማ እቶም ሰዓብቲ ሌፈቭረ ዝኾኑ ካብ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ፍቓድ ከይረኸቡ፡ ሓድሽ ናይ ምፍንጫል ተግባር ዝቑጸር ቅብአተ ጵጵስና ንምክያድ ካብ ዝወሰንዎ ክልተ መዓልታት ተሪፍዎ እንከሎ እዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ከም ዝገለጽዎ፡ ነቲ ክህነታዊ ሕውነት ቅዱስ ፒዩስ መበል 10 ናይ መወዳእታ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። እዚ ድማ እቲ ብዕለት 1 ሓምለ ንጉሆ ኣብ ኤኮን ስዊዘርላንድ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ፡ ብዘይ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወግዓዊ ፍቓድ ዝወሃብ ናይ ኣርባዕተ ሓደስቲ ጳጳሳት ቅብኣተ ጵጵስና ከይካየድ ዘተሓሳስብ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ደብዳቤኦም፡ “ከም ተካኢ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ መጠን፡ ብጐይታ ዝተዋህበኒ ሓላፍነት ብምግንዛብን ብኣባታዊ ልብን፡ ናባኹምን ብኣኹም ኣቢለ ድማ ናብቶም ምስዚ ክህነታዊ ሕውነት ቅዱስ ፒዩስ መበል 10 ዝተኣሳሰሩ ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ተምሃሮ ዘርአ-ክህነትን፡ ምእመናንን እጽሕፍ ኣለኹ። ቤተ-ክርስትያን ነቲ ንሥርዓተ-ኣምልኾ ዘለኩም ተወፋይነትን፡ ካህናት ኣብ ምስንዳው እተርእይዎ ጻዕርን፡ ሓዋርያዊ ቅንኣትን ነቲ ንትውፊት እሙናት ክትኮኑ ዘለኩም ድሌትን ትፈልጦ እያ። እዚ ድማ እዩ እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓኹም ዘርኣይዎ ጥንቁቕን ለጋስን ኣገባብ ክኽተሉ ዘለዓዓሎም።”

“በዚ መንፈስ እዚን ብክርስትያናዊ ፍቕሪ ተመሊአን፡ ካብ ልበይ እምሕጸነኩምን እሓተኩምን ኣለኹ፦ በጃኹም ንድሕሪት ተመለሱ!።” “ነቲ መንፈሳዊ ጥቕሚ ምእመናን ብጥንቃቄ ክትሓስቡሉ እላበወኩም፤ ምኽንያቱ እቲ ንክትገብርዎ ትሓስብዎ ዘለኹም ናይ ምፍንጫል ተግባር፡ ነቶም  ምእንቲ ቕድስናኦም ክብሉ ዝፈትውዎምን፡ ዝደልይዎምን ምስጢራት ቤተክርስትያን ብሕጋዊ፡ ኣብ ገለ እዋናት ድማ ብብቑዕ መንገዲ ከይረኽቡ ክዓግቶም እዩ” ክብሉ ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ በቲ ብቋንቋ ፈረንሳይኛ ዝተጻሕፈን ናብቲ ናይቲ ሕውነት ላዕለዋይ ሓላፊ ኣባ ዳቪደ ፓግሊያራኒ ዝተላእከን ደብዳቤኦም፡ “ቤተ-ክርስትያን፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ክዉንን ፍረ ዘለዎን ክገብሮ ንዝኽእል ናይ ዘተን ምርድዳእን መንገዲ ክፍቲ እያ” ኢሎም። ቀጺሎም ድማ “ነቲ ስፌት ዘይብሉ ልብሲ ክርስቶስ ምቕዳድ (ንቤተ-ክርስትያን ምክፋል) ኣዝዩ ከቢድ ሓጢኣት ስለዝኾነ፡ እጽልየልኩም ኣለኹ። እግዚኣብሔር ንሕልናኹም የብርሃዮ፡ ንልብኹም ድማ ይንቅሓዮ። ብዝተሰበረ ግን ከኣ ተስፋ ብዘለዎ ልቢ፡ ካብ ክርስቶስ ብዝተቐበልክዎ ሥልጣን መሰረት፡ ካብቲ ዝሓሰብክምዎ ተግባር ክትቁጠቡ ምሕታተይ ግቡኣተይ ኮይኑ ይስምዓኒ። ነዚ ትምኒተይ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ሠናይ ምኽሪ ኣደ ዝኾነት ንጽሕቲ ልቢ ማርያም አውፍዮ ኣለኹ” ኢሎም።

በዚ መሰረት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቶም ሰዓብቲ ለፌብረ ብዘይ ናይ ቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ፍቓድ ካብ ዝካየድ ናይ ምፍንጫል ተግባር ቅብኣተ-ጵጵስና ክቁጠቡ ንመወዳእታ ግዜ ይጽውዑ ኣለዉ። እቲ ኣብታ ደብዳቤ ዝሰፈረ ዋና ነጥቢ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕነት ናይቶም ምስ ማሕበር ቅዱስ ፒዩስ 10ይ ዝተኣሳሰሩ ምእመናን ዝምልከት እዩ፤ ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ነቲ ዝቕበልዎ ምስጢራት ቤተክርስትያን ዘይሕጋዊ፡ ኣብ ገለ ኩነታት ድማ—ብፍላይ ንምስጢረ-ንስሓን፡ ንምስጢረ-ተክሊልን— ብቕዓት ዘይብሉ ስለ ዝገብሮ እዩ።

01 Jul 2026, 13:00