In Vaticano la conferenza internazionale sul clima

እናቴ ስመሪሊ ሓዳስ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ቤትጽሕፈት ተመዚዘን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ ከም ህየንተ ንብፁዕ ካርዲናል ፋቢዮ ባጆ ድማ ከም ትኩእ ህየንተን፣ ንክቡር የኔታ ዮዜፍ ባርላሽ ድማ ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰባኣዊ ምዕብላና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ክመርሑ ሰየምዎም፣ እዞም ሰለስተ ሽመታት ድማ ካብ ዕለት 1 መስከረም 2026 ጀሚሮም ተግባራዊ ክዀኑ እዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምልእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይነን ንኽመርሓን፣ ንብፁዕ ካርዲናል ፋቢዮ ባጊዮ ድማ ንማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ብፍሉይ ሓላፍነት ክመርሑ ከም ትኩእ ህየተንተ ናይዚ ላዕለዋይ ቤጽሕፈት ክኾኑን፣ ከምኡውን ንክቡር የኔታ ዮዜፍ ባርላሽ ድማ ዋና ጸሕፊ ናይቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈ ኮይኖም ክመርሑ መዘዝዎም።

እዞም ሰለስተ ሽመታት ድማ ካብ ዕለት 1 መስከረም 2026 ጀሚሮም ተግባራዊ ክዀኑ እዮም።

ክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ ኣባል ማሕበር ደናግል ሳሌዝያን ዘዶን ቦስኮ፣ ካብ 2021 ኣትሒዘን ከም ዋና ጸሓፊት ናይቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ከገልግላ ዝጸንሓ ኢየን፣ ሕጂ ድማ ነቲ ኽፍሊ ከም ህየንተ ቅዱስነቶም ዀይነን ክመርሓ ተመዚዘን ኣለዋ። በዚ ኸምዚ ድማ ነቶም ካብ 2022 ኣትሒዞም ከም ህየንተ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ክመርሑ ንዝጸንሑ ልዑል ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ተኪኤን ክመርሓ ኢየን።

ካርዲናል ባጆ
ካርዲናል ባጆ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም ነቶም ከም ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዀይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ልዑል ካርዲናል ፋቢዮ ባጆ እውን ትኩእ-ህየንተ ክኾኑ ሾምዎም። ልዑል ካርዲናል ባጆ ኣብዚ ሓድሽ ተልእኾኦም ንማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ንኽመርሑ እውን ፍሉይ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ፣ እዚ ድማ ቅድስቲ መንበር ብጥንቃቐ ምክንኻን ፍጥረት ተደሪኻ፣ ንሰብኣዊ ምዕባለ ንምድንፋዕ ዘለዋ ቐጻሊ ቘራጽነት እውን ዘንጸባርቕ ኢዩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ቅዱስ ኣቦና ንቶም ክሳዕ ሕጂ ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይዚ ላዕለዋይ ቤጽሕፈት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ክቡር የኔታ ዮዜፍ ባርላሽ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ናይዚ ላዕልዋይ ቤትጽሕፍት ኮይኖም ክመርሑ ሾምዎም።

እዚ ሽመት እዚ ሓድሽ ናይ መሪሕነት ጉጅለ ንናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዳግም ብምሕዳስ፣ ክፍሊ ቫቲካን ንዕዮ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መዳያት ፍትሕን ሰላምን ስደትን ክንክን ጥዕናን ግብረ ሰናይን ክንክን ፍጥረትን ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ ክብሪ ንምድንፋዕን ሓላፍነት ኣልበስዎም።

የኔታ ዮዜፍ ባርላሽ
የኔታ ዮዜፍ ባርላሽ
01 Jul 2026, 14:19