2025.10.11 Veglia di Preghiera e Rosario per la Pace 2025.10.11 Veglia di Preghiera e Rosario per la Pace  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ምሕረት ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንልቢ ብሓቀይና ሓድነት ክመልእ ዝኽእል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መበል 14፣ ንመበል 27 መዓልቲ ኮሎምባኑስ ንምዝካር፣ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ ምነብር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዝተኸተመት፣ ናብ ጳጳስ ሰበኻ ሎዲ ኢጣልያ ኣብ ዝለኣኽዋ ደብዳበ፣ ምሕረት ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንልቢ ብሓቀይና ሓድነት ክመልኦን፣ "ጸላእቲ ንሓድሕዶም ኢዶም ንኽዝርግሑን" ዘኽእሎም ክብሉ ጸሓፉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ከባቢ ሎዲ ዘካየድዎ ጕስነታዊ ምብጻሕን ናብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ካብሪኒ ዝገበርዎ ንግደት እውን ይዝክሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብሰንኪ ግጭታት ዝመጸ ዕንወትን ሞትን ዘጋድድ ሓባራዊ ኽስታት ድሕሪ ምምጽኡ፣ ኣብ ክንዳኡስ ንጸላኢኻ ኢዱ ኺዝርግሕ ዘኽእል ሓድሽ ልቢ ኺህልዎ ብትሕትናን ህዱእን ምሕረት ምሕታት የድሊ ክብሉ ተላበው። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብታ ብዋና ጸሕፊ ቅድስቲ መንበር ልዑል ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዝተኸተመት እሞ ናብ ጳጳስ ሰበኻ ሎዲ ብፁዕ ኣቡነ ማውሪዚዮ ማልቬስቲቲ ኣብ ዝተላእኸት ደብዳበ፣ ብምኽንያት መበል 27 መዓልቲ ኮሎምባኑስ ኣብ ከተማ ሎምባርድ ዝተኻየደ ጽምብላት ዝመሓላለፍዎ ኢዩ ዝንበረ።

ንሥነ-ምግባራዊ ስርዓታት ክርስትና እንደገና ምምርማር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ መላእ ኣውሮጳ ንቅዱስ ኮሎምባኑስ እተወፈዩ ቤተ-ክርስትያናውን ሲቪላውን ማሕበረሰብ ብሓባር ዘጣመረ፣ ብዛዕባ ናይዚ ኣቦ መንፈሳዊ ውርሻን ከምኡውን ምስ ባህሊ ኣውሮጳ ዘለዎ ቐጻሊ ኣገዳስነትን ፍልጠትን ዘስፋሕፍሕ ተበግሶ ኣብ ምቕጻል ዘርኣዮ ጽንዓት ምስጋናኦም ገሊጾም።

እታ መልእኽቲ ብተወሳኺ ውን "ውህበት ኣምላኽ ንገዛእ ርእስኻ ክትሕዞ ዘልካ ዘይኮነስ ንዅሉ ሰብ ክካፍል ከም ዘለዎ" ምዃኑን፣ እተን ነዚ ቅዱስ እተወፈያ መዓልትታት ካብ እተፈላለዩ ቋንቋታትን ኣህዛብን ንዝመጹ ሰባት ከም ዝራኸቡ ብምግባር፣ "ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት ምላሽ ምእንቲ ኺህቡሉ ሥነ-ምግባራዊ ስርዓታት ክርስትያናዊ ትውፊት እንደገና ንኺረኽቡ ይዕድምዎም።"

ኣብ ተግባረ ንስሓ ኣብ እዋን ኲናት

ቅዱስ ኮሎምባኑስ እውን መምህር ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንነፍሲ ወከፍ ጕዕዞ ሓቀይና ዕርቂ "ኣድላዪ" ክብሉ ዝገለጽዎ ኣረኣእያ እዩ - እዚ ድማ ናይ ንስሓ ተግባር ኢዩ።

"ሓደ ግጭት ናብ ውግእ ምስ ተቐየረ፣ ንሓድሕድና ኣብ ክንዲ እንካሰስ፣ ካብቲ መሓሪ ዝኾነ ፈራዲ ኣምላኽ ምሕረት ክንልምን ኣሎና። ምሕረት ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኣብ ልብና ድንጋጸ ደቂ ሰብ ከስርጽን ጸላእቲ ዝንበሩ ንሓድሕዶም ኢዶም ኪዘርግሑን ክተሓቛቖፉን ዘኽእል።"

እዛ መልእኽቲ ወሲኻ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኻቪየር ካብሪኒ ክብሪ ንምሃብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ከባቢ ሎዲ ዝገበርዎ ጕስነታዊ ምብጻሕ ብምዝካር ትዛዝም።

06 Jul 2026, 16:39