ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስትል ጋንደልፎ ንቦርጎ ስቡሕ አንተ ክባርኹ እንከለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስትል ጋንደልፎ ንቦርጎ ስቡሕ አንተ ክባርኹ እንከለዉ  (@Vatican Media)

ቆመስ ካስትል ጋንዶልፎ፦ 'ር. ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ክረኽቡ ተስፋ እገብር'

ኣባል ማኅበር ዶምቦስኮ ዝኾኑ ፖላንዳዊ ካህን፡ ቆመስ ቍምስና ካስትል ጋንደልፎ ኣባ ታዴውስ ሮዝሙስ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ ጥቃ ቀላይ እትርከብ ከተማ ካስትል ጋንዶልፎ ጽቡቅ ናይ ዓመታዊ ዕረፍቲ ከሕልፉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን  

“ተስፋና ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ካስትል ጋንዶልፎ ጽቡቕ ግዜ ከሕልፉ፡ ከዕርፉ፡ ከምኡ እውን ነቲ ባዕሎም ዕላማ ናይዚ ጻንሒቶም ምዃኑ ዝገለጽዎ፦ ጸሎትን፡ ዕረፍትን፡ ንባብን ስፖርትን ክገብሩ እዩ።”

እዚ፡ እቶም ናይቲ ጳጳሳዊ ቍምስና ቅዱስ ቶማስ ዘቪላኖቫ ቆመስ ዝኾኑ ኣባ ታዴዎስ ሮዝሙስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ዝገለጽዎ ትምኒት እዩ።

እቶም ኣባል ማኅበር ዶምቦስኮ ዝኾኑ ፖላንዳዊ ካህን፡ ብዛዕባ ቀዳሞት መዓልታት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናይ ዓመታዊ ዕረፍቲ መግለጺ ሂቦም፤ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምብጻሕ እናዘከሩ ድማ፡ ነቲ ነበርቲ እቲ ከባቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ጳጳሳዊ መንበሪ ቤት ብምምላሶም ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም።

እቲ ዘገርም ሰላምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ኣባ ታዴዎስ መጀመርታ ምስጋናኦም ገሊጾም፤ ምኽንያቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ሰገነት ናይቲ ጳጳሳዊ መንበሪ ቤት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ መጀመርታ ሰላምታ፡ ነቶም ቆመስን ንማሕበረሰብ እታ ቍምስናን ብውልቂ ሰላምታ ስለ ዘቕረቡሎም እዩ። እዚ ንዓታቶም ፍጹም ዘይተጸበይዎ እዩ ነይሩ።

“ንዓይ ብሓቒ ዘገርም ነገር እዩ ነይሩ። ከም ኣፍልጦ ኣገዳስነት ናይዛ ጳጳሳዊት ቍምስናና ገይረ እየ ርእየዮ። ኣብዚ ዝርከቡ ትካላት ቫቲካን ብናጽነት ዝንቀሳቐሱ እኳ እንተኾኑ፡ ብመሰረት ሕጊ ቀኖና ግን፡ እታ ቁምስናን ቆመሳን ዓቢ ተራ ኣለዎም። እዚ ብወገን ቅዱስ ኣቦና ንመላእ ማሕበረሰብና ዝተገብረ ኣዝዩ ጽቡቕ ተግባር እዩ።”

ግዜ ዕረፍቲ

እቶም ቆመስ ከም ዝገለጽዎ፡ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናይ ሎሚ ዓመት ጻንሒት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈልየ መልክዕ ኣለዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ግዜ እዚ ኣብ ካስትል ጋንዶልፎ ከም ናይ ሓቂ ግዜ ዕረፍቲ ከሕልፍዎ ከም ዝደልዩ ኣቐዲሞም ገሊጾም ነይሮም እዮም።

ኣባ ታዴዎስ ሮዝሙስ ክዝክሩ ከለዉ፡ “ቅዱስ ኣቦና ናብዚ ዝመጹ ክጽልዩ፡ ከዕርፉ፡ ግዜኦም ንንባብን ስፖርትን ከውዕሉ ምዃኖም ብንጹር ተዛሪቦም እዮም”። “ፍሉይ ትጽቢት የብልናን፤ ንሕና ጥራይ ከምቲ ባዕሎም ዝደልይዎ፡ ኣብዚ ከም ኣብ ገዝኦም ኮይኑ ክስምዖምን፡ ነዚ ግዜ እዚ ብሰላም ከሕልፍዎን ጥራይ ኢና ንደሊ” ክብሉ ገሊጾም።

እቶም ቆመስ ከም ዝኣመቱዎ፡ እቶም ምእመናን እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ኣለዎም፤ ንሳቶም ብፍላይ ነቲ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኮነ፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓበርዎም ካልኦት ኣጋጣሚታት እውን እንተለዉ፡ ነቲ ርክባት ብዓቢ ሓጎስ ይጽበይዎም ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስትል ጋንደልፎ ንሕዝቢ ሰላም እንክብሉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስትል ጋንደልፎ ንሕዝቢ ሰላም እንክብሉ   (@VATICAN MEDIA)

ነቲ ጥቡቕ ዝምድና ዘደልደሉ ርክባት

ኣባ ታዴውስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ካስትል ጋንዶልፎ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝበጽሕሉ ዝነበሩ ግዜያት፡ ብዛዕባ እቲ ምስኦም ንምርኻብ ዝረኸብዎም ብዙሓት ኣጋጣሚታት እውን መግለጺ ሂቦም። ዳርጋ ሰሙን ሰሙን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ቪላ ባርበሪኒ ይመጹ እሞ ክሳብ ሰሉስ ምሸት ኣብኡ ይጸንሑ።

ካብቲ ዝቕመጥሉ ቦታ ክወጹ ከለዉ ድማ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ተኣኪቦም ዘለዉ ነጋድያን ሰላም ንምባል ወይ ምስ ጋዜጠኛታት ንምዝርራብ ደው ይብሉ።

እቶም ካህን ከም ቆመስ ቁምስና መጠን ምስ ቅዱስ ኣቦና ሒደት ቃላት ንምልውዋጥ፡ ገለ ሓበሬታ ንምሃብ ወይ ድማ ሰላም ንምባል ዕድል ይረኽቡ ከም ዝነበሩ ይዝክሩ።

“ኣዝዮም ጽቡቓት ግዜያት እዮም ነይሮም፤ ከም ኣቦ ክቀርቡኻ እንከለዉ፡ እቲ ኣባታዊ ቅርበቶም ብሓቂ ይስምዓካ” ዝበሉ ኣባ ታዴዎስ፡ “እዚ ልምዲ እዚ እቲ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ድሕሪ ምውዳኡ እውን ክቕጽል ተስፋ እገብር” ክብሉ ገሊጾም።

ዘይርሳዕ መሥዋዕተ ቅዳሴን ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተዋህበ ህያብን

ናብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ማለት ናብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ዘሕለፍዎ ናይ መጀመርታ ዓመታዊ ዕረፍቶም ምልስ ኢሎም ክዝክሩ ከለዉ፡ ኣባ ታዴዎስ ሮዝሙስ ነቲ ብዕለት 13 ሓምለ ኣብ ቁምስና ቅዱስ ቶማስ ዘቪላኖቫ ንዝዓረገ ናይ መጀመርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዓቢ ስምዒት ይዝክሩዎ። እታ ንእሽቶ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ኣብቲ ጽንብል ክሳተፉ ዝደለዩ ኵሎም ምእመናን ክትሕዝ ኣይከኣለትን ነይራ።

ኣብ ልቢ እቶም ካህን ኣዝዩ ዝተቐርጸ ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ቁምስና ብቐጥታ ናይ ዘዘራረቡሉን፡ ፍሉይ ህያብ ናይ ዘበርከቱሉን ግዜ ምዃኑ ሓቢሮም።

“ሓንቲ ጽብቕቲ ናይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጽዋዕ ሂቦምና፤ ነዛ ህያብ እዚኣ ከኣ ብስም መላእ ማሕበረሰብ ቁምስና ካብ ኢዶም ናይ ምቕባል ክብሪ ረኺበ እየ፣ በዚ ተግባር እዚ ድማ ኣመስጊነዮም። እዚ ኣብ ናይ ክህነታዊ ሕይወተይ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ግዜያት ሓደ ኮይኑ ክተርፍ እዩ” ክብሉ ተዘክሮኦም ገሊጾም።

ዝኽርታት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ

ኣባ ታዴዎስ ሮዝሙስ መግለጺኦ ብምቕጻል፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ልቢ ሰብኡትን ኣንስትን ካስቴል ጋንዶልፎ ፍሉይ ቦታ ከምዘለዎ ገሊጾም። ስም እቲ ቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ምእመናን ዘዘንትውዎ ዕላል ወትሩ ይለዓል እዩ።

ንሶም ክገልጹ ከለዉ፡ “ብሰንበት፡ ሰባት ኣዒንቶም ንብዓት ቋጺሩ ርእየዮም። ብዙሓት ካብኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወትሩ ናብ ካስቴል ጋንዶልፎ ይመጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ዝነበረ ህጻንነቶም ይዝክሩ ነበሩ። ሰባት ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ይዛረቡ እዮም። ነበርቲ እቲ ቦታ ብቐሊሉ፡ ‘ንሶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትና እዮም ነይሮም’ ይብሉ። ብዛዕባኦም ክዛረቡ ከለዉ ድማ፡ እቲ ስምዒቶም ብሓቂ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ምምላስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከኣ፡ ነቶም ዝኽርታት ዳግማይ ሕያው ይገብሮም፡ ነቶም ሰባት ድማ እዚ ጽቡቕ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልምዲ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሕብር ስምዒት ይህቦም” ኢሎም።

ኣርባዕተ ዘመናት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ህላዌ

ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ዓመታዊ ዕረፍቲ ጻንሒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓደ ኣገዳሲ ዝኽሪ ዓመት ይገጥም ኣሎ፤ እዚ ድማ 2026፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ናይ ግዜ ክረምቲ መንበሪኦም ዝገብሩሉ ልምዲ ዝተጀመረሉ መበል 400 ዓመት ምዃኑ እዩ።

ነዚ ልምዲ እዚ ንመጀመሪያ ግዜ ዝጀመርዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርባን 8ይ ኣብ 1626 እዩ።

ኣባ ታዴዎስ ወሲኾም፡ “ምስ ሰበኻን፡ ምስ ከባቢያዊ ሰበ-ስልጣንን፡ ቁምስናን ብምዃን፡ ነዚ ዝኽሪ ዓመት እዚ ንምጽንባል ንዳሎ ኣለና። እዚ ድማ ነቲ ንኣርባዕተ ዘመናት ዝቀውጸለ ህላዌ ተካእቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ንምዝካርን፡ እዚ ቦታ እዚ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ ኣገዳስነት ንምጉላሕን ፍሉይ ዕድል እዩ” ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስትል ጋንደልፎ ካብ ጳጳሳዊ መንበሪ ናብ ቀላይ ኣልባኖን ክጥምቱ ዘርኢ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስትል ጋንደልፎ ካብ ጳጳሳዊ መንበሪ ናብ ቀላይ ኣልባኖን ክጥምቱ ዘርኢ   (@Vatican Media)

 

08 Jul 2026, 12:32