ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጳጳሳዊ ሽማግለ ታሪኻዊ ስነ ምርምር ሰለስተ ሓደስቲ ኣባላት ሰምዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጳጳሳዊ ሽማግለ ታሪኻዊ ስነ ምርምር ሰለስተ ሓደስቲ ኣባላት ሰምዮም 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጳጳሳዊ ሽማግለ ታሪኻዊ ስነ ምርምር ሰለስተ ሓደስቲ ኣባላት ሰምዮም

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ጳጳሳዊ ተቐዋም ታሪኻዊ ስነ ፍልጠት ሰለስተ ሓደስቲ ኣባላት ከም ዝሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ጳጳሳዊ ሽማግለ ታሪኻዊ ስነ ፍልጠት ሰለስተ ሓደስቲ ኣባላት ሸይሞም፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ኡምበርቶ ሎንጎ ዋና ኣመሓዳሪ ትካል ታሪኻዊ ማእከላይ ዘመን ኢጣልያ ኣብ ሮማ (ኢጣልያ)፤ ፍራንቸስኮ ቸዛርዮ ኣቦ መንበር ነበር መንበረ ጥበብ ኣሳምሽን ኣብ ዎርስተር (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)፤ ከምኡ’ውን ኣና ባራንስካ፡ ተሓጋጋዚት መምህር ኣብ ክፍሊ ስነ መጽናዕቲ ሰብኣዊ ስነ ፍልጠት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሉብሊን (ፖላንድ) ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ልዕሊ 70 ዓመት ዝጀመረ ጉዕዞ

እዚ ጳጳሳዊ ናይ ታሪኽ ስነ ፍልጠት ተቕዋም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ 1954 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ዘቖምዎ ኮይኑ ቅድም ክብል ዕለት 18 ነሓሰ 1883  Saepenumero considerantes - ብዙሕ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 13 ካርዲናላዊ ሽማግለ ጉዳያት መጽናዕቲ ታሪኽ ብዝብል ስያመ ዝተበገሰ ተቕዋም ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ስራሕ እቲ ሎሚ ጳጳሳዊ ሽማግለ ተቕዋም ታሪኻዊ ስነ ፍልጠት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣቢያተ መዝገብ ቅርስታት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣቢያተ መዝገብ ቫቲካን ቀጻሊ ትኹረት ዝህብ ኮይኑ፡ ሊቃውንቲ ነቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘሎ እኩብ መዛግብቲ ብቕረባን ብዕምቆትን ከጽንዕዎን ክምርምርዎን ክኽልእሉ መታን ብዝተካእለ መጠን ክረኽብዎ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብርክት ዝበሉ ጻውዒታት ከም ዘቕረቡን ቤተ ክርስቲያን እውን ነዚ ጻውዒት እዚ ግብኡ መልሲ ከም ዝሃበትሉ ዝዝኮር ኮይኑ፡ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ናይ ታሪኽ ስነ ፍልጠት ብኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ማሬክ ኢንግሎት ዝምራሕ ኮይኑ ፒየራንቶንዮ ፒያቲ ዋና ጸሓፊ ምዃኖም ይሕብር።

14 Aug 2026, 17:14