2026.08.01 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሜጂጎሪ ዝርከቡ መንእሰያት ምስ ጎይታ ናይ ምራኻብ ጽባቔ ዳግማይ ክረኽቡ የተባብዑ 2026.08.01 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሜጂጎሪ ዝርከቡ መንእሰያት ምስ ጎይታ ናይ ምራኻብ ጽባቔ ዳግማይ ክረኽቡ የተባብዑ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሜጂጎሪ ዝርከቡ መንእሰያት ምስ ጎይታ ናይ ምራኻብ ጽባቔ ዳግማይ ክረኽቡ የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዝካየድ ቅነ መንእሰያት ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊክ ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንመንእሰያት በቲ "ግዜያዊ ሓጐስ" ከይታለሉ ተማሕጺኖም፡ ንየሱስ ብምስዓብ እቲ ዓሚቝ ሕቶታትን ጭንቀትን ልቢ እውን እንተ ዀነ "ምስትውዓልን ዕቤትን እምነት" ኪኸውን ይኽእል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

እቲ ቀሊልን ቅጽበታውን ሓጐስ ዚገልጽ መብጽዓታት ማራኺ እኳ እንተ ዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነባሪ ኣሰር ከይሓደገ ይጠፍእ። እቲ ዝተረፈ ግን እቲ ዓሚቝ ሕቶታትን ኣብ ልቢ ወድሰብ ዚነብር ጭንቀትን ነባሪ ሓጐስ ንምርካብ ዚግበር ሃረርታን እዩ። ካብዚ ተኣፋፍነት እዚ እዩ ናይ ሓቂ ናይ እምነት ጕዕዞ ምስቲ "ንዅሉ ልቢ ዘርውይን ኵሉ ሳዕ ከም ብሓድሽ ንምጅማር ሓይሊ ዚህብን" ኣምላኽ ብምርኻብ ኪጅምር ዚኽእል፡

እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ኣብ ዝተነብሮ መልእኽቶም ነቶም ካብ 73 ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ኣብ መጂጎሪ ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ንኸብዕሉ ንዝተእኣኮቡ ከም ዘዘኻኸሩን እዚ ካብ 1989 ኣትሒዙ በብዓመቱ ኣብ መጂጎሪ ዝካየድ ቅነ መንእሰያት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ምስቲ ንኹሉ ልቢ ዘርውይ ጎይታ ምርኻብ

እቲ መልእኽቲ ብሊቀ ጳጳሳት ኣልዶ ካቫሊ ቆሞስ ሜጁጎርየ ፍሉይ መዝነት ሃዋርያዊ ልኡኽ ቀቅድሚ እቲ ኣብ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ሞንቴኔግሮን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣሲዚ ቹሊካት ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ. ከም እተነበን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ንመንእሰያት ናብቲ ምንጪ ሓድሽ ህይወትን ሓቀይና ሓጐስን ዝዀነ ክርስቶስ ኪምለሱ ኣተባብዕዎም፡ ብጸሎትን ቃል ኣምላኽን ምስጢራትን ኣቢሎም "ምስቲ ንልቢ ዜጽንዕን ወትሩ ኸም ብሓድሽ ኪጅምሩ ብርታዐ ዚህብ ጐይታ ብሕታዊ ምርኻብ" ከም ብሓድሽ ክነብርዎ ድማ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቲ ሓራ ዘውጽኣና ሓቂ ምድላይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ መንእሰያት "ብሓላፊ ሓጎስ" ክታለሉ ከይፈቐዱ "ነታ ሓራ ዘውጽኦም ሓቂ" ብቕንዕና ክደልዩ ኣተባቢዖም፡ ንኢየሱስ ኣብ ምስዓብ ኩሉ ሰብ ነቲ ኣዝዩ ከቢድ ሕቶታትን ጭንቀት ልብን ከይተረፈ ከም ዕድላት ምስትውዓልን ዕብየትን እምነት ክሕቆፍ ከም ዝኽእል ድማ የጒልሑ።

ኣብ መንፈስ ቅዱስን ማርያምን ምውካል

ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ብሩህ ምስክር ወንጌል ዜተባብዑ ሕውነት ሃነጽቲ ሰላም ኣብ ሕብረተ-ሰብ" ምእንቲ ኪዀኑ 'ብመንፈስ ቅዱስ ኪምርሑ' ገዛእ ርእሶም ድማ ንኣማልድነት ማርያም ከወፍዩ” ብዘቕረብዎ ምሕጽንታ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Aug 2026, 17:09