Aftermath of an earthquake, in Cali Aftermath of an earthquake, in Cali  (Sergio Acero)

ር. ሊ. ጳ. ናብቶም ብዕደ መሬት ዝተጠቕዑ ኸባቢታት ኮሎምብያ ገንዘባዊ ሓገዝ ልኢኾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 10 ነሓሰ ብ7.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተጐድኡ ኣብ ሃገረ ኮሎምብያ ዝርከቡ ጳጳሳት ናይ መጀመርታ ንህጹጽ ረድኤት ዝዓለመ ወፈያ ለጊሶም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ኽፋል እታ ሃገር ዘጋጠመ 7.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዝተጠቕዑ ሕዝቢ ኮሎምብያ ሓድነት ገሊጾም። ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 12 ነሓሰ ኣብ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንግዳያትን ሰራሕተኛታት ድሕንነትን ንብምሉኡ ህዝቢ ኮሎምብያን ዝተሰምዖም ሓዘንን ብምግላጽ፣ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ኣረጋገጹሎም።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሮም ቅርበትን ሓድነትን ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ግብረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝለኣኽዎ ናይ መጀመርታ ንህጹጽ ኣገልግሎት ዝውዕል ገንዘባዊ ወፈያ፣ ተግባራዊ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። እቲ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ነቶም በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተጐድኡ ጳጳሳት እተ ሃገር ንምድጋፍ ዝዓለመ ኢዩ፣ ኣብ መንጎ ህየንተ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበርን ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናይቲ ከባቢን ካብ ዝተኻየደ ዘተ ብምቕጻል ዝተገብረ ኢዩ።

ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ትማሊ ረቡዕ ጕጅለታት ሲቪላዊ ዕቝባን ካልኦት ናይ ህጹጽ ኣገልግሎታት ሰራሕተይናታን፣ ፍርስራስ እቲ ዝወደቐ ህንጻታትን ኣብያተ-ክርስትያንን ኪምርምሩ ኸለዉ፣ ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተዋህበ ኣሃዛት፣ ልዕሊ 200 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ናይ መጀመርታ ገምጋም ኪህቡ ኸለዉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሰምዖም ሓዘንን ንመላእ እታ ሃገር ዘለዎም ምሕጽንታን ሓድነትን ዚገልጽ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።

ትማሊ ሮቡዕ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቶም ኣብ ኮሎምብያ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ በቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሓት ሞትን ጕድኣትን ከምኡውን ብዙሕ ስጋዊ ጕድኣት ዝወረዶም ሰባት" ከም ዘለዎም ደጊሞም ገለጹ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ "ንዘለኣለማዊ ዕረፍቲ እቶም ዝሞቱ ሰባት" ናብ ጐይታ እንክጽልዩ፣ ምእንቲ እቶም ግዳያትን ስድራ ቤቶምን ከምኡውን "ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሓንን ህጹጽ ረድኤትን ዘገልግሉ ዘለዉ ሰባት" እውን ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ኣረጋገጹሎም።

ህጹጽ ረድኤት

ከምቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ብብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዘጋጠማ ሃገረ ቬንዙዌላ ዝገበርዎ ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ህጹጽ እዋን እዚ፣ ጭቡጥ ምልክት ሓድነት ከም ዝኸውን ብምእማን፣ ብኡንብኡ ናብ ኮሎምብያ ናይ መጀመርታ ገንዘባዊ ሓገዝ ልኢኾም።

እቲ 100,000 ዩሮ ዝትመን ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ብቐጥታ ናብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ማሕበረሰብኣዊ ጉስነትን ክንክንን - ካሪታስ ኮሎምብያን ተላኢኹ ኣሎ፣ እዚ ቤትጽሕፈት እዚ ድማ ከም ማእከላይ ኣወሃሃዲ ሃገዛትን ረድኤትን ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ዘገልግል ኮይኑ፣ ረድኤት ንምእካብን ንምዝርጋሕን ዝዓለመ ኢዩ። እቲ ተቕዋም እቲ ረድኤት ናብቶም በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተጠቕዑ ሰበኻታት ከም ዝበጽሖም ከረጋግጽ ድማ ኢዩ።

እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ድማ ምስቶም ተቐበልቲ እዚ ሓገዝ ብምስምማዕን፣ ህጹጽ ግድነታቶም ንምምላእን ተባሂሉ እተዳለወ ናይ መጀመርታ ወፈያ ድማ ኢዩ። ዘለዎም ኣድላይነት ምስ ተፈልጠ፣ ብቕልጡፍ ናብ ናብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ግብረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ተላእከ ተወሳኺ ጭቡጥ ሓገዝ ክስዕብ ምኹኑ እውን የመልክት።

ምጽዋትን 'ስድራ ቤት ኣምላኽን'

እወ እቲ ዕንወት ድሕሪ ምቕጻሉ፣ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰዓታት ኣብ መንጎ ሓዋርያዊ ሓለቀ ቤተ መዝገብ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲንን ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ኮሎምብያ ካርዲናል ፍራንሲስኮ ኻቭየር ሙኔራ ኮርያን ብዛዕባ እቲ እተጐድአ ኸባቢታት ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥ ዘተ ተጀመረ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እቲ ኣዝዩ ህጹጽ ግድነታት እቲ ሕዝቢ ንምግምጋም ጸብጻብ ይዳሎ ኣሎ፣ እንደገና ብተበግሶ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ግብረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እዩ ዝካየድ ዘሎ። "ቤተክርስትያን ስድራቤት ኣምላኽ እያ" ድሕሪ ቢሎም እቶም ህየንተ ናይትዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት፣ "ንመከራን ግድነታትን እትቕበል፣ ሕውነታውን ውጽኢታውን ምላሽ እትህብ ድማ ቤተ-ክርስትያን እያ" በሉ።

13 Aug 2026, 13:48