ር. ሊ. ጳ.፦ ሊጡርጊያ ንጡፍ ተሳትፎ ምስ ኣምላኽ ናብ ዘሎና ርክብ ይመርሓና
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እተገብረ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይቲ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተኣታተወ ናይ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ተሓድሶ ኣስተምህሮም፣ እዚ ድማ ምእመናን ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ብንጥፈት ኪሳተፉን ምስ ኣምላኽ ዓሚቝ ርክብ ኪምስርቱን የተባብዖም ክብሉ ኣስመሩሉ።
"ሥርዓተ ሊጡርጊያ ቤተ-ክርስትያን ዝኽሪ ናይ ምድሓን ዕዮ ከኽበር እንከሎ፣ ምስ ኣምላኽ ቀይና ርክብ ንኽህልወና ምስቲ ናይ ምድሓን ፍጻመ ንምርኻብን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና" በሉ።
"ተባራዊ ምንቅስቓሳትን ቃላት ቅዱስ ሥርዓተ ሊጡርጊያን ነዚ ተመክሮ እዚ ንምፍጻም ወሳኒ ስለ ዝዀነ ተሳትፎ ምእመናን ልኡም ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ብዛዕባ ሰነዳት ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተምህሮ ብምቕጻል ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዛዕባ ጉባኤያዊ ቅዋም “ቅዱስ ጉባኤ” ዝተሰምየ ሰነድ ብ1963 እተኣውጀ ኣስተምሂሮም።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅድስነቶም ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ምክትታል።
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን
ሎሚ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጉባኤያዊ ቅዋም ዝኾነ ሰነድ “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium)፣ ኣበው እዚ ጉባኤ ንተሓድሶ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ንምድንፋዕ ዝጸዓሩሉ ምኽንያታት ክንርኢ እደሊ ኣሎኹ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ሚላን ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሞንቲኒ፣ ብ28 ጥቅምቲ 1962 ካብቲ ጉባኤ ናብ ምእመናን ቤተ-ክርስትያኖም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ፍላይ መብርሂ ዝሓዘ ኢዩ ዝንበረ። ሥርዓተ ሊጡርጊያ "ሓደ መለኮታውን ሰብኣውን ዝኾነ ልባዊ መግለጺ እዩ፣ እምኡ ውን ቋንቋ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ንመለኮታዊ ትምህርቲ ዝኸውን መሳርሒ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዝግበር ዝርርብ ድምጺ እዩ። ትምህርታዊ ዕዮኡ ክሓድግ ከም ዘይክእል፣ ከምኡውን እምነትን ሃይማኖትን ብሃንደበት ብምርዳእ ንኽግለጽ ኣጋጣሚ ከቕርብ ከም ዘይክእል ንጹር ኢዩ።"[1] በዚ እምነታት እዚ ተደሪኾም ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብወገኖም፣ ምእመናን "ስቕ ክብሉ ኣይክእሉን እዮም፣ ደጊም እውን ስቕ ክብሉ የብሎምን። ኣካላዊ ህላወኦም ምስ መንፈሳዊ ዘይምህላዎም ክዕረቕ ኣይክእልን ኢዩ"[2] ክብሉ ኣመልከቱ።
ኣብ መንጎ እዘን መግለጺታትን ኣብ ቍጽሪ 48 ናይቲ ጉባኤያዊ ቅዋም ዚርከብን፣ ዘሎ ምምስሳል ንጹር እዩ፦ "ቤተ-ክርስትያን ... ምእመናን ክርስቶስ ኣብዚ ምስጢር እምነት እዚ ክርከቡ ኸለዉ፣ ከም ጓኖት ወይ ስቕ ኢሎም ከም ዝከታተሉ ከይኰኑ ልባዊ ትምኒታ እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሥርዓተ ኣምልኾን ጸሎታትን ኣጸቢቖም ብምርዳእ፣ ነቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ብመንፈሳውነትን ምሉእ ምትሕብባርን፣ ኣብ ቅዱስ ተግባር ክሳተፉ ኣለዎም። ብቓል ኣምላኽ ኪመሃሩን፣ ካብ መኣዲ ቅዱስ ስጋን ደምን ጐይታና ክምገቡን ኣለዎም። ንኣምላኽ ከመስግኑ ኣለዎም፣ ነቲ ንጹህ መስዋዕቲ ብኢድ ካህን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምስኡ ኮይኖም እውን ብምቕራብ፣ ገዛእ ርእሶም እውን ከም መሥዋዕቲ ከወፍዪ ይመሃሩ። ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ክኸውን ብክርስቶስ እቲ መንጐይና መዓልቲ መዓልቲ ምስ ኣምላኽን ንሓድሕዶምን ናብ ዝበለጸ ፍጹም ሓድነት ኪስሕቡ ኣለዎም።" እዘን ቃላት እዚኣተን ብዛዕባ ኣገዳስነት መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓድሽ ምርዳእ ዘመልክታ ኢያተን። ብሥርዓተ ቤተ-ክርስትያን ዝኽሪ ናይ ምድሓን ዕዮ ክኽበር እንከሎ ምስ ኣምላኽ ሓቀይና ርክብ ንኽህልወና ምስቲ ናይ ምድሓን ፍጻመ ንምርኻብን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። ተግባራትን ቃላትን ሥርዓተ ኣምልኾ እምበር ነዚ ተመክሮ እዚ ንምፍጻም ወሳኒ ስለ ዝዀነ፣ ተሳትፎ ምእመናን ልኡም ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
እቲ ጉባኤያዊ ተሓድሶ፣ ነቲ ልቢ ናይ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ ተመክሮ ኣብ ማእከል ብምእታው፣ ሥርዓተ ቅዳሴ ከም "ቀንዲ ምንጪ እቲ ህይወት ኣምላኽ ዝመሓላለፈሉ መለኮታዊ ምልውዋጥ" ንኽበርህ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ነበረ።[3] ካብዚ እምነት እዚ ከአ ሃብታም ቅዱስ መጽሓፋዊ ጥቕስታትን ጸሎትን ንዅሎም ምእመናን ብቐሊሉ ክርከብ ከምኡውን ነቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይቲ ዝክረ በዓል ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ናይ ቅዳሴ መጻሕፍቲ ክነጻጸር ከሎ ብቀሊሉ ዝርዳእ ክኸውን ኣድላዪ ኢዩ።
እወ መሥዋዕተ ቅዳሴ ህያው ኣካል ስለ ዝዀነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ሳዕ ምዕባለታትን ለውጥታትን ኪህልዎ ጸኒሑ ኣሎ። ሥልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስቲያን ከአ ነዚ ቅርጻ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ምስ እተፈላለየ መዋእል ከከም ኣድላይነቱ ኣተዓራረዮ። ስለዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እውን ንውርሻ ትፊት ቤተክርስቲያን ልዑል ኣኽብሮት ብምግባር ብቐሊሉ ምእንቲ ዝርዳእ ክኸውን ቢሉ፣ ነቲ ናይ መሥዋዕተ ቅዳሴ መጻሕፍቲ ምምሕያሽ ኣድላዪ ዀይኑ እንተ ተሰምዖ ኣየገርምን እዩ።
እዞም ኣበው ናይቲ ጉባኤ፣ ኣብ ኣእምሮኦም ዝነበሮም ዕላማ ኣብ ቁጽሪ 21 ናይቲ ቅዋም “ቅዱስ ጉባኤ” ኣመልኪቶምዎ ይርከቡ፦ "ህዝበ ክርስትያን ካብ ቅዱስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዙሕ ጸጋ ምእንቲ ኺረኽቡ፣ ቅድስቲ ኣዴና ቤተ-ክርስትያን፣ ንሥርዓተ ሊጡርጊያ ባዕላ ብሓፈሻ ኽትመልሶ ብጥንቃቐ ኽትፍጽሞ ትደሊ እያ። መሥዋዕተ ቅዳሴ ብመለኮታዊ መገዲ እተመስረተ ዘይልወጥ ባእታታትን፣ ከምኡውን ክልወጥ ብዚኽእል ባእታታትን ዝቘመ እዩ። እዚ ምስ ውሽጣዊ ባህርይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘይሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ተተንኪፉ ወይ ከኣ ዘይበቅዕ እንተ ዀይኑ፣ ምስ ግዜ ክቕየር ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዳግመ ህንጸት እዚ ጽሑፋትን ሥርዓታትን ነቲ ዜመልክትዎ ቕዱስ ነገራት ብንጹር ምእንቲ ኺገልጹ ኮይኖም ክሰናደዉ ኣለዎም፣ ክርስትያን ምእመናን ብዝተኻእለ መጠን ብቐሊሉ ክርድእዎምን፣ ብምልኣትን ብንጥፈትን ብግቡእ ንማሕበረሰብ ክሳትፉን ዘክእሎም ክኸውን ኣለዎ።" እቲ ኣብ ውሽጢ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎ መለኮታዊ፣ ዘይቅየሩ ባእታታትን፣ ሰብኣዊ ባእታታትን፤ ኣብ ክንዳኡስ "ከም ኣድላይነት ዕድመ ኵነታትን ሰናይ ነፍሳትን ዘድልዮም እተፈላለየ ለውጥታት ዝቕበሉ ከምኡውን ከምቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝተፈቕደ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተዋስኦታት" ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፒዮስ መበል 12 ዘዳለዎ ዓዋዲ መልእኽቲ “መንጐይና ኣምላኽ” (Mediator Dei) ዝተረኽበ ሓሳባት ኢዩ። (Acta Apostolicae Sedis 39፣ 1947, 541–542)።
ኣብ ርእሲ እዚውን "ሓፈሻዊ ተሓድሶ" ናይ ምግባር ባህጊ ብሃንደበት ኣይመጸን፣ የግዳስ ካብ መጀመርታ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ፣ ኣብቲ ተኸታተልቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወሰድዎ ስጉምትታት፣ ምስቲ ናይ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ናይ ተሓድሶ ምንቅስቓሳት፣ ዘለዎ ጠለብ ብምስምማዕ እተራእየ ድማ እዩ። ምእመናን ኣብ ሥርዓተ ኣልኾ "ከም ጓኖት ወይ ስቕ ዝበሉ ተዓዘብቲ ኮይኖም" ክካፈሉ የብሎምን፣ ዝብል ሓሳብ ድሮ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፒዮስ መበል 11 ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ ቅዋም “መለኮታዊ ሥርዓታት” (Divini Cultus) ዘርእስቱ ሰነድ ተላዒሉ ዝነበረ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ፒዮስ መበል 12 ብዛዕባ ስርዓተ ሊጡርጊያ ቅዱስ ሰሙን ሕማማት ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ክንዝክሮ ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ንዘመናት ኣብ ናይ ንግሆ ሰዓታት ድሕሪ ይካየድ ምንባሩ፣ ናብቲ ምስ ፍጻመታት በዓል ትንሳኤ ዝሰማማዕ ሰዓታት ከም ዝቕየር ገበሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ድማ በቲ ብዕለት 25 ሓምለ 1960 ዝወጸ “ሕጋዊ ሰድን - መርሒታትን ሥርዓታትን (Motu proprio Rubricarum instructum) ብምቕላል ነቲ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ተሓድሶ መሰረታዊ ስርዓታት ዝቐረበ ሓሳብ ብምጥቃስ፣ ነቲ ናይ ጸሎተ ሰዓታትን መጽሓፈ ቅዳሴን ኣርእስትታት ምሕዳስ ኣድላዪ ምዃኑ እውን ክንርስዕ የብልናን ክብሉ ኣመልከቱ።
ስለዚ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተባብዖ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ተሓድሶ፣ ኣብ ህያው ልምዲ ቤተ-ክርስትያን ሱር ዝሰደደ እዩ። ቅኑዕ ምርዳእ ነቲ ድሕሪ ጉባኤ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ቤተ-ክርስትያን እተፈጸመ ግፍዒ እውን ንኽንነጽጎ የኽእለና፣ እቲ ዜሕዝን ድማ ሎሚ እውን ሓሓሊፉ ይፍጸም ኣሎ፣ ገለ ኻብቲ መሰረት እቲ ተሓድሶ ንባዕሉ ናብ ጽንኩር ደረጃ ዝወሰደ ወይ ብጌጋ እተረዳእዎ እዩ ዝመስል ዘሎ።
ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ጉባኤያዊ ቅዋም ከም ዘመልክቶ፣ "ቅዳሴ ውልቃዊ ንጥፈታት ዘይኰነስ፣ ሥርዓት ቤተ-ክርስትያን እዩ፣ እዚ ድማ 'ምስጢረ ሓድነት' ማለት ኢዩ፣ እቶም ኣብ ትሕቲ ጳጳሳቶም ሓድነትን ተኣዝዞን ዘለዎም ቅዱስ ህዝቢ ድማ እዮም። ስለዚ ሊጡርጊያዊ ኣገልግሎታት ንብምሉኡ ኣካል ቤተ-ክርስትያን ዝምልከት እዩ። ንማላእ ቤተክርስቲያን ዝገልጹን ዝጸልዉን ከአ እዮም" (Sacrosanctum Concilium, ቁ. 26)።
ስለዚ ናይ ጓሶትን፡ ጳጳሳት ከምኡውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ካህን ቀዳማይ ሓላፍነት ኮይኑ፣ ንናይ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ስርዓታት ከኽብሩ እንከለዉ፣ ብኽብርን ብምልኣትን ዝንጸባርቕ ቅዳሴ ምሕላውን ምትብባዕን ድማ ኢዩ ተልእኾኦም (ቁ. 34 ርአ)፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነታ ሓንቲ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ ክገልጽ ንሥርዓተ ሊጡርጊያ ምሕላው ክተባባዕ ኣለዎ። ከምዚኣ ዝኣመሰለ ሊጡርጊያዊ ሥርዓት መሰረታዊ መሳርሒ ስብከተ ወንጌል ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝምሃሮ ንገዛእ ርእስና ከም መሥዋዕቲ ከነቕርብ እንመሃረሉን፣ በቲ መንጐይና ዝኾነ ክርስቶስ ኣቢልና ምስ ኣምላኽን ኣብ መንጎናን ብሓድነት ፍጹማት ክንከውን እንኽእለሉ መሳርሒ ጸጋ እዩ (ቁ. 48)።
[1] G. B. Montini, «Third Letter from the Council», Rivista Diocesana Milanese 51 (1962) 921-923 922.
[2] Ibid.
[3] ወግዓዊ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ቀዱስ ጉባኤ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ጳውሎስ ሻድሻይ (4 ታሕሳስ 1963).
