ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዚምባብዌ ብዘጋጠመ ሓደጋ መርከብ ንዝተጎድኡ ሓዘኖም ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዚምባብዌ ብዘጋጠመ ሓደጋ መርከብ ንዝተጎድኡ ሓዘኖም ይገልጹ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዚምባብዌ ብዘጋጠመ ሓደጋ መርከብ ንዝተጎድኡ ሓዘኖም ይገልጹ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ስድራቤት ግዳያት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ቀላይ ካሪባ ዘጋጠመን ህይወት ሓያሎ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 80 ሰባት ዘጥፈአ ሓደጋ መርከብ ዝተሰምዖም ሓዘን ዝገልጽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለገራም መልእኽቲ ቅርበቶምን ጸሎትን ከም ዝረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 18 ነሓሰ ብምኽንያት ኣብዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዚምባብዌ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ካሪባ ዘጋጠመ ናይ መርከብ ምጥሓል ሓደጋ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቴለግራም ንዝተጎድኡ ቅርበቶም ብምግላጽ "ነፍሳት ናይቶም ህይወቶም ዝሰኣቡ ንምሕረት ኣምላኽ" ከም ዘማዕቆቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ሓደጋ ዝሓለፈ ዕለት 11 ነሓሰ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እታ ልዕሊ ዓቐን ተሳፈርቲ ጽዒና ክትከውን ትኽእል ተባሂሉ ዝንገረላ መርከብ ካብ ከተማ ካሪባ ናብ መዓስከር ገፈፍቲ ዓሳ ቻላላ ኣብ እትሰግርሉ ዝነበረት እዋን ተገልቢጣ 18 ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 80 ሰባት ከም ዝሞቱን ዝተሓበሮም ቅዱስነቶም ነቶም ብሞት ዝፈትውዎም ሰባት ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖምን ገሊጾም ምእንቲ በርገሳዊ ሰበስልጣንን ንሰራሕተይናታት ህይወት ኣድሕንን ድማ ጸሎቶም ኣቕሪቦም፡ "ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዝተጎድኡ ጐይታ ምጽንናዕን ፈውስን ሓይልን ምእንቲ ክህቦም መለኮታዊ በረኸት ከም እተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

መርመራታት ይካየድ ኣሎ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ልክዕ ኩነታት ምጥሓል መርከብ ንምፍላጥ መርመራታት ይቕጽል ከም ዘሎን ገለ ምንጭታት ሓበሬታ ከም ዝገልጽዎ፡ እታ ጃልባ ን41 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሐት ኮይና፡ እቲ ምሕላፍ ቀላይ ብርቱዕ ንፋስ ኣብ ዝከነረሉ እዋን ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እታ መርከብ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከቡ ገጠራትን ማሕበረሰባት ገፈፍቲ ዓሳን ኣንፈታ ኣቕኒዓ ከምዝነበትን፡ እዚ ድማ ጽርግያታት ኣብ ሕማቕ ኩነታትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ድሩት ዝኾነሉን ከባቢ ብምዃኑ ተጓዓዝቲ መርከብ ክብ ከም ዘበሎ እንክንገር፡ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋግዋ፡ ነቶም ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ስታድዩም ካሪባ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ምዉታት፡ ነቶም ዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራ ዝለዓለ ሕክምናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ደገፍ ከምዝወሃቦም ቃል ኣትዩ፡ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን ከም ዝኣውጀ ምንጭታት ሓበሬታ ዙምባብዌ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቀላይ ካሪባ ፡ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ሰብ ዝሰርሖ ቀላይ፡ ምስ ዛምብያ ዝዳወብ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ገጠራት ማሕበረሰባትን ገፈፍቲ ዓሳን ኣገዳሲ መስመር መጓዓዝያ፡ ኣብ መወዳእታ 1950ታትን መጀመርታ 1960ታትን ኣብ ሩባ ዛምቤዚ ብምህናጽ ዲጋ ዝተፈጥረ ኮይኑ፡ ንልዕሊ 200 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ እውን ከም ዝኾነ የመላኽት።

18 Aug 2026, 17:03