2026.08.24 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንወተሃደራዊ ስርዓት ፖርቱጋል፡ ኣብ ጎይታ ጸኒዕኩም ዜጋታት ሓልዉ 2026.08.24 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንወተሃደራዊ ስርዓት ፖርቱጋል፡ ኣብ ጎይታ ጸኒዕኩም ዜጋታት ሓልዉ   (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንወተሃደራዊ ስርዓት ፖርቱጋል፡ ኣብ ጎይታ ጸኒዕኩም ዜጋታት ሓልዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገር ቫቲካን ምስ ኣባላት ወተሃደራዊ ስርዓት ፖርቱጋል ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ክልተ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ መንእሰያት ወተሃደራት ፖርቱጋል ዘኪሮም ንኹሎም ኣብቲ ርክብ ዝሓበሩ ዓዶምን ልዕልና ሕጊን ህይወትን ድሕነትን ዜጋታቶም እናሓለዉ ኣብ ጎይታ ክጸንዑ የተባብዑ።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ወተሃደራዊ ስርዓት ፖርቱጋል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ደቂ ሰባት ርእሰ ብቕዓት ከም ዘይብሎም እናፈለጡ ተልእኾኦም ብትሕትና ንምፍጻም ኣብ ጎይታ ሓይሊ ክረኽቡ ዕለት 24 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ተላብዮም፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ልኡላውነት ዓድኹምን ልዕልና ሕግን ናይ ምክልኻልን ድሕነት ዜጋታትኩም ምሕላውን ካብ በደል ምክልኻልን መዓልታዊ ክቡር ተልእኾ ኣለኩም - ቢሎም - “ዕለት 21 ነሓሰ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ክልተ መንእሰያት ወተሃደራት እውን ዘኪሮም

ንኹሎም ኣባላት - ክርስትያንን ዘይክርስትያንን - ናይ ኣጋር፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሃገራዊ ሓለዋ ሪፓብሊካንን ሓይሊ ጸጥታ ህዝባዊ ድሕነትን ኣብ ፖርቱጋል” ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ “ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ሓገዝ ንምሃብ ብልግሲ ኣብ ጎደና ተዋፊሮም ኣብ ኣገልግሎት እንከለዉ ህይወቶም ንዝሰኣኑን ንቤተሰቦምን ንጐይታ ከም ዘማዕቆቡን፡ እዞም ክልተ ወተሃደራት ኣብ ጽርጊያ ንሓደ መራሒ ናይ ጽዕነት ማኪና ናይታ ዝነበራ ማኪና ጎማ ተባላሺውዎ እናሓገዙ እንከለዉ ብመኪና ተሃሪሞም ከም ዝሞቱ ዘኪሮም፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ስርዓታዊ ስልጣን ቅድሚ 60 ዓመት ኣብ 1966 ምምስራት ሓዋርያዊ መስተናብር፣ ኣብ 1981 ናብ ወተሃደራዊ ስርዓት ምድያቡን ቅድሚ 25 ዓመት ቀዳማይ ጳጳስ ንሓይሊ ምክልኻል ፖርቱጋል ምስያም ሓዊሱ ተኸታታሊ ዝኽርታት ንምጽንባል ኣብ ሮማ ንግደት ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሓይልኻ ካብ እግዚኣብሄር ይኹን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቶም ክርስትያን ዝኾኑ፣ ነዚ ናብ ሮማ ዝግበርዎ ንግደት ከም ዕድል ውልቃዊ ምሕዳስ ክጥቀሙሉን እምነቶም ከሐይሉን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ . . . ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ደው በሉ (6፣ 10 – 17) ዝበሎ ጠቒሶም ብምትብባዕ፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ – ንኢየሱስ ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ኣገልጋሊኡ ክፍውሶ ዝሓተቶ – ኣብ ፊት ክርስቶስ ክቐርብ “ደቂ ሰባት ርእሰ ብቕዓት ከም ዘይብሎም፡ እምበር፡ ካብኦም ንላዕሊ ዝኾነ ነገር፡ ካብኦም ዝሰግር ነገር ከም ዝምነዩ” ካብ ምፍላጥ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡  ኣብ ጎይታ ክሕይሉ ክጸንዑ ከም ተማሕጺኖም፡ “ንህይወት ክብርታት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ፡ ማለት ተኣዛዝነት፡ ስነ - ስርዓት፡ ርእሰ -ምኽሓድ፡ ተኣማንነት፡ ምሕዝነት፡ ተወፋይነት፡ ሓላፍነትን ትብዓትን” እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ ወተሃደር እዚ “ኣድላይነት ኣምላኽ ዝተሰቖሮ እዩ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ብኸመይ “ንመሰረታዊ ስርዓት ዋጋ ከም ዝህቦን እዚ ሸነኽ መዓልታዊ ህይወቱ ምስቲ ጐይታኡን ኣምላኹን ምዃኑ ዝተኣመነሉ ናዝራዊ ኢየሱስ ዘለዎ ርክብ ክርድኦ ከም ዝደረኾን” ዝሕብር ምዃኑ የስተብህሉ።

ትብዓት ትሕትና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ብሓደ ወገን እዚ ወተሃደር ስልጣኑ ይፈልጥ ነይሩ፣ በቲ ካልእ ድማ ኣብ ቅድሚ ወልደ እግዚኣብሔር ሓይሊ እምነትን ትብዓት ትሕትናን ኣርእዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ “ብሓቂ ሓደ ሰብ ክሳብ ክንደይ ሓላፍነትን ሓይልን ይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ክሳብ ክንደይ ዘይንቀፍን ይኹን፡ ኩሉ ግዜ ጽምኢ ኢትኣላውነትን ዘለዓለማውነት ዘለዎ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ “ሕጂ፡ እቲ ኢትኣላውን ዘለኣለማውን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢድና ኣሎ፡ ውህበት ጐይታ እያቶም” ኢሎም፡

'ንናይ ሃይሊ ምክልኻል መንፈሳዊ ሓለፍቲ ካህናት ተልእኾኹም ቀጽሉ'

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ሓይሊምክልኻል ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ካህናት እናሓሰቡ፡ ቤተ ክርስቲያን “መንፈሳዊ ዕብየት ወተሃደራዊ ኣባላትን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን” ብኸመይ ከም እትህቦም ኣስተብሂሎም፡ ንኹሉ ሰብ ብሓጎስ ክቕበሉ፣ ክሰምዑ፣ ቃል ኣምላኽ ከቕርቡሎምን ብስም ክርስቶስ ኣብ ምጽንባል ምሥጢራትን ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ስድራ ቤቶምን ከሰንዩን የተባብዑ።

“ካብዚ ፍሉይ ኣገልግሎት እዚ ፍረ ውልቃዊ ዕብየት ኣብ ልምምድ ክርስትያናዊ ሕይወትን ምሕያል መንፈስን ኣካልን ናይቶም እተገልግልዎም ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓይልታትን ክመጽእ እዩ” ብምባል ስለ ኣገልግሎቶም ብምምስጋን፡ “ንቤተ ክርስቲያንን ንሃገርን ዘለኩም ፍቕሪ ምስክርነት ምጽንናዕ ዘምጽእን ተስፋ ዝህብን ኣልባስጥሮስን እዩ ” ብምባል መደረኦም፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ንኹሎም ኣብ ተልእኾኦምን ኣገልግሎቶምን ከተሰንዮም ብዘቕረብዎ ጸሎት ዛዚሞም።

25 Aug 2026, 16:11