ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ፍልሰታ ለማርያም ከብዕሉ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ፍልሰታ ለማርያም ከብዕሉ እዮም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ፍልሰታ ለማርያም ከብዕሉ እዮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 12 ነሓሰ ምሸት ኣብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጸት ተመሊሶም ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበርዎ ኣብ ሰበኻ ቅዱስ ቶማስ ቪላኖቫ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ከብዕሉ እዮም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ረቡዕ ዕለት 12 ነሓሰ ምሸት ናብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጸት ከም ዝኸዱን ክሳብ ዕለት 18 ነሓሰ ኣብኡ ክጽንሑ  ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ሰንበት ዕለት 15 ነሓሰ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቁምስና ቅዱስ ቶማስ ቪላኖቫ ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብምኽንያት በዓለ ፍልሰታ ለማርያም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ፍርቂ መዓልቲ ድማ ምስቶም ኣብኡ ዝርከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም መሪሖም ጸሎተ መልኣከ ኣግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክልግሱ ከም ዝኾኑ የመላኽት።

13 Aug 2026, 16:00