ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ንጽሕና ነፍሲ ማርያም ናብ ክብሪ ሰማይ ይመርሓና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ንክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ዝገብርዎ ቅዳሴ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብጸጋ እግዚኣብሔር ከመይ ጌራ ናብ ሰማይ ትመርሓና፣ ፍቕሪ "ናይ ሰብኣውነት ዝጸበቐ ስልማት እዩ - ቢሎም - ኣብ መንጎ ላዕልን ታሕትን ህይወት እውን ከይተረፈ፣ ይቕይረና፣ ይልውጠና የዕብየናን የልዕለናን፣ ፍሱሃትን ነጻን ንእግዚኣብሔር ቀረባ ይገብረና" እክብሉ ኣብ ዝለገስዎ ስምበት የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ምኽንያቱ ንጽህና ነፍሲ እያ፡ ኣብ ማርያም - ከምቲ ኣባና - ብጸጋ ኣምላኽ፡ ንኹሉ ሰብ ዘብርህን ዝልውጥን፡ ናብ ክብሪ ሰማይ ትመርሓና" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቁምስና ቅዱስ ቶማስ ዘቪላኖቫ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት እዩ።

ብርኽቲ ኣደ ስጋን ነፍስን ክብሪ ሰማይ ረኸበት

እዚ ጽንብል’ዚ፡ ማርያም “ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድአት፡ ብስጋን ነፍስን ናይ ሰማያዊ ክብሪ ከም እተዓደለት” ዝምህር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዚ ምስጢር’ዚ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሔር ዝሃባ ፍጹም ጸጋ ንጹሕ ጽንሰታ   የመልክተልና፡ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዙሓት ስነ-ጥበባዊ ስርሓት በቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ዝሰምዕዎ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ዝተገልጸ ትርኢት ዝተነቓቕሑ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፡ “ጸሓይ ዝተኸድነት ሰበይቲ፡ ወርሒ ኣብ ትሕቲ እግራ ዘለዋ”፡ እዚ ድማ ኣብ ልቢ ማርያም፡ ሰማይን ምድርን፡ ግዜን ዘለኣለምን ከም ዝራኸቡ ዘመልክት እዩ።

በዚ መሰረት ድማ እዞም ስራሓት ከም ሓንቲ ምጭውቲ መንእሰይ ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ህይወታ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ገጻ ብኣካል ከም ዝፈለሰት ይገልጻ። እዚ ምስሊ እዚ ምስቲ ምሕላፍ ዓመታት ዘሎ ተመክሮና ዝጻረር ይመስል ቢሎም፡ "እናኣረግና ምስ እንኸይድ ኣካላትና ቅልጡፍ ዘይኮነስ እናኸበደን፤ ቆርበትና ምልክታት እርጋን ዘርኢ፤ ጸጉርና እናሰየበን ምስ ዝኸይድ፡ ምስታ ኣብ መሰውኢ ኣብያተ ክርስትያናትና ዝተሳእለት ምጭውቲ መንእሰይ እንታይ ዘመሳስል ኣሎና?"

ንጽህና ነፍሲ

ነዚ ንምርዳእ ነተን ክልተ ምልክታት ዘይበላሾ ስጋ ወላዲተ እግዚኣብሔርን ንጹህ ልባን ክንጥርንፍ ከምዘሎና ገሊጾም፡ "ምኽንያቱ ንጽህና ነፍሲ እዩ ኣብ ማርያም - ከምቲ ኣባና - ብጸጋ ኣምላኽ እዩ፡ ንብምሉኡ ሰብ ዘብርህን ዝቕይርን ናብ ክብሪ ሰማይ ዝመርሕን” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ብስጋን ነፍስን ክብሪ ማርያም፡ ሓቀይና ጽባቐና ምልክታት እርጋን ኣብ ምሕባእ ዘይኮነስ፡ መወዳእታ ዘይብሉ፡ ኣብ ስጋና ከይተረፈ ምልክታት ፍቕሪ ኣብ ምግላጽ ከም ዝነብር ይምህረና" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ ኣቦና ምእመናን ነቲ ዓለም ኣብ ልዕሌና እትጽዕኖ ብዙሕ ናይ ስነ - ጽባቐ መዐቀኒታት፡ ብዓብላሊ መልክዑ ሂዶነነትን - ምሾትን ጣዕምን ሃልክን ባህሪ ዘለዎ፡ ዳግማይ ክምርምሩ ኣተሓሳሲቦም።

"እዞም መለክዒታት እዚኦም፡ ኣብ ከቢድ ትጽቢታት ኣብ መጻወድያ ከእትዉና፡ ኣብቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዘይኮነን ንዘልኣለም ዘይጸንሕን ክቡር ጸዓት ከነባኽን ይገብሩና" እንክብሉ የጠንቅቝ።

ንኣሽቱ ቅጽበታዊ ትርኢት መንግስተ ሰማይ

ቅዱስ ኣቦና ሓቀይና ጽባቐ ኣበይ ከምዘሎ ምርኣይ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑን ብኣንጻሩ ድማ ሕጂ’ውን ምልዋጥን ይቕሬታን ፈውስን የድሊ፡ ብሓቂ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎን ዝተፈጠርናሉን መለኮታዊ ጽባቐ ክንረኽቦን ክንሕብሕቦን፡ ከምኡ'ውን ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ከነካፍሎ እንተደሊና፡ ኣብ ናይ ሓደ ኣረጋዊ ዝኣረገ ኣካልን ከም ኣብ ምዉቕ ገጽ ቆልዓ፡ ኣብ ብስለት ዓቢ ሰብ ከም ኣብ ህያው መንእሰይ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ክዳውንትን መሳርሕታትን ከምኡ'ውን ኣብ ናይ በዓል ስልማት ክንርእዮ ክንመሃር ኣለና። ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ክውንነታት፡ ኣብኡ ንኣሽቱ ንእሽቶ ምልክት ሰማይ ብምልላይ፡ ዝነግረና ፍሉያት ዛንታታት ፍቕሪ ክንሰምዕ ኣሎና።” ስለዚ "ፍቕሪ እቲ ዝጸበቐ ስልማት ወዲ ሰብ እዩ" ብምባል ኣጽኒዖም ኣብ መንጎ ላዕልን ታሕትን ህይወት እውን ከይተረፈ፣ ይቕይረና፣ ይልውጠና የዕብየናን የልዕለናን፣ ፍሱሃትን ነጻን ንእግዚኣብሔር ቀረባ ይገብረና” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ብዛዕባ ምስጢር ጽንዓት ድንግል እንከስተንትኑ ቅዱስ ኣቦና፡ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ትርጉሙ ፍልሰታ ንምርዳእ፡ “ነቲ ኣብ ምድራውን ግዝያውን ቋንቋ እንጥቀመሎም ቃላት ናብ ልዕለ - ልኡላንን ፍጹማትን ክንቅይሮም ኣሎና [...]፣ ነቲ ዘለኣለማዊ ብንእሽቶ ደረጃ ክንሓስቦ” ይግባእ ዝብልዎ ጠቒሶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣደ እግዚኣብሔር ኣብ መንጎ ደረት ኣልቦን ውሱንን ዝነበረ ርክብ እንከስተንትኑ “ማርያም ድኻ መጋረጃ ክዳውንትን ብብዝሒ ፍቕርን ሒዛ ንኢየሱስ መጓሰ ናብ ቤት ክትቅይራ ክኢላ እያ” ከም ዝበሉ እውን የዘኻኽሩ።

ንጹህ ልባ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ከምቲ ንሳ ባዕላ ብኣስተንፍሶ ቃላት ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ኣብ ዝብል ጸሎታ ዝገለጸቶን ናዝራዊት ድንግል ማርያም ዝተመኮረቶ ኣብ "ናብ ክብሪ መንግስተ ሰማይ ዝመርሓ ንጹህ ልባ ዘጋጠማ ተኣምር ጫፋት ዘራኸብ እዩ" እክብሉ ገሊጾም፡ "ኣብዚ ማህሌት እዚ ብትሑት መግለጺ እምነታ ኣቢላ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ መስተንክር ምስጢራት ብቐሊል ቃላት ትዛረበና፡ ከም እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ንምድሓን ኣብኣ ሰብ ምዃኑን፡ እቲ ዘለኣለማዊ ድማ ኣብ ውሽጢ ግዜ ንርእሱ ምግላጹን መንገዲ ዘለኣለማውነት ዳግማይ ክኸፍተልና" ኢሎም።

ማዕረ ማዕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ "ትሕትቲ ኣገልጋሊት" ኣብ ዝብል ተራኦ፡ ንሕና እውን ምስ ጎይታ ክንራኸበሉ እንኽእል "ትሑት ሸነኻ" ከም እተርእየና ዝብለዎ ሓሳብ ኣረጋጊጾም፡ ነቲ እነብዕሎ ዘሎና በዓል ምስጢር ልዕልና ንምርካብ ኣርሒቕና ክንጥምት የብልናን፣ ንኣብነት ሓቀይና ፍቕሪ ኣብ ዝህልወና ክንራኸቦ ንኽእል ኢና። ኣብ ዓይኒ ሓደ ኣቦን ኣደን ድሕሪ ነዊሕ መዓልቲ ናብ ገዝኦም ዝምለሱ፡ ደኺሞም ግን ከኣ ምስ ደቆም ምህላዎም ሕጉሳት" ከምኡ'ውን "ኣብ ወጅሂ ናይቶም ዋላ እኳ ቃንዛን መከራን እርጋን እንተሃለዎም፡ ደቂ ደቆም ክኣልዩ እንከለዉ ብዘይተጸበይዎ ጸዓት ዝምልኡ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ዘጋጥሞም" እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣብ ተወፋይነት ናይቶም ብግብረ ገንብን ቅንዕናን ክዓብዩ ዝጽዕሩ መንእሰያት፡ ኣንጻር “ካልኦት ኩሉ ዝገብርዎ” ከይተረፈ ክኸዱ ድሉዋት ኮይኖም ክንርእዮ ከም እንኽእል ገሊጾም

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን ይብሉ፡ ነዚ ኣብ ናይ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ብተወፋይነትን ተኣማንነትን ዕለታዊ ዕዮ ኣቢሎም ኣብዛ ምርዲ ሰማይ ዘርእዩን ምድሪ ናብ ሰማይ ቀረባ ዝገብር ኣብ ዝቕርብዎ ንኣሽቱ ኣበርክቶ ክንርእዮ ንኽእል ኢና . . .

ጽቡቕ ገጽ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንዝኾነ ክኸውን ዝኽእል ውክልና ዝሰግርን ፍሉጥን እዩ።

"ክቡራት ኣዕሩኽ፡ እቲ ጽቡቕ ገጽ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍሉይ እዩ፤ ንዝኾነ ክኸውን ዝኽእል ውክልና ዝሰግር'ዩ፡ ምስናይዚ ግን፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንዓና ቤታዊ እዩ።"

"ኣብዚ ህሞት እዚ'ውን እንተኾነ፡ ኣብቶም ኣብ ቀረባና ዘለዉ ሰባት፡ ከምቶም ብእምነት መዓልታዊ መስዋእቲ ህይወትና እንካፈሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ገጻ ክንርኢ ንኽእል ኢና" እንክብሉ ኣመልኪቶም

ኣብቲ ቅዱስ ሰብኣዊ ባህርያታ ብጸጋ ኣምላኽ "ንሕና'ውን ባህርይና ንርኢ ኢና፡” ስለዚ "ከምቲ ንሳ ዝነበራ ጸጋ ዝመልአ ህይወት ክንነብርን ኣብ ክብራ ክንካፈልን እውን ተጸዊዕና ኢና - ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ክዛረብ እንከሎ፡ “ክርስቶስ ዳግማይ ምእንቲ ከይመውት ካብ ሙታን ተንሲኡ [...] መንገዲ ቀይር፣ ብርሃን ተኸተል! ካብታ ዝዓረገላ ቦታ ክትንስእ ጀምር” ዝበሎ እናሓሰቡ፡ ምእመናን ዕድመ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ተቐቢሎምን ብርሃን ናይቲ ዝተንስአ ጐይታ ክስዕቡን "ኣድላዪ እንተኾይኑ መንገዶም ክቕይሩን" ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ስብከቶም ነታ እግዚኣብሄር ብስጋን ብነፍስን ክብሪ ዘውዲ ዝደፍኣላ፡ ኣደ፡ መራሒት፡ ብጻይ ኣብ ጉዕዞና፡ ሓላዊት ኣብ መንገዲ ሰማይ ድማ ዝተወሃበትና ማርያም" ክጥምቱ ዓዲሞም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Aug 2026, 16:24