ር. ሊ. ጳ.፦ ሊጡርጊያ እምነትን ሕውነትን ሰላምን ከማዕብል ኣለዎ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክርስትያናዊ ተበግሶ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ምእንቲ ክመርሖም፣ ኣብ መንጎ ትምህርተ-ክርስቶስን ሥርዓተ ሊጡርጊያን ዘሎ ርክብ ከተደልድል ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ካታንያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 76 ሃገራዊ ሰሙን ሥርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
እቲ ጉባኤ ካብ 24-27 ነሓሰ "ሊቱርጊያን ክርስትያናዊ ተበግሶን እትፈጥር ቤተ-ክርስትያን" ብዝብል ኣርእስቲ ይካየድ ኣሎ።
እታ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን እተፈረመት መልእኽቲ፣ ነቲ ፍረ ነገር ናይቲ ጉባኤ፣ ሎሚ ውን ንቤተ-ክርስትያን "ፍሉይ ኣገዳስነት" ከም ዘለዎ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዘመልከትዎ፣ መባእታዊ ምስጢራት ክርስትና "ናብ ምስጢራት ከም ምድላው" ጥራይ ክውሰዱ ከም ዘይክእል እውን ኣዘኻኪሮም።
ኣብ ክንዳኡስ ሓደ ማሕበረሰብ፣ ምስ ጐይታ ብእምነትን ሕብረትን ዝውለደሉ "ማሕጸን" ክኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ካብ መጀመርታኣ ኣትሒዛ "ንትምህርትን ሕብረትን ሓዋርያውነትን፣ ንምቝራስ እንጌራን ጸሎትን" ርእሶም ዝወፈዩሉ እዋን ኣብ መንጎ ትምህርትን ሥርዓተ ኣምልኾን ዘሎ ሓድነት ጠቒሶም።
ስለዚ ክርስትያን ማሕበረሰብ፣ ነቲ ሊቱርጊያ ኣብ ክርስትያናዊ ሥነ መዕበያን ዘለዎ ዋጋ ብምድልዳል ናብዚ ምንጪ እዚ ኺምለሱ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ሊጡርጊያ፣ "ምሥጢር ክርስቶስ ይሕዘና ይልውጠና ሓደስቲ ፍጡራት ኴንና ድማ ከም እንውለድ ይገብረና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ጉባኤያዊ ቅዋም ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ዝኾነ ሰንድ “ቅዱስ ጉባኤ”፣ ኣብ ዘካፈልዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ተመርኲሶም ድማ፣ ክርስትያናዊ ሥርዓተ ኣልኾ፣ "መለኮታዊ ውህበት ብማእከላይነት ቤተ-ክርስትያን እንረኽበሉ" ምዃኑ ኣጕልሑ።
እዚ ምርዳእ እዚ፣ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ዓሚቝ ትርጕም ናይ ሥርዓተ ሊጡርጊያ፣ ማለት ነቲ ተግባራዊ ምንቅስቓሳትን ምልክታትን ከም መግለጺ ናይ ንቝሕ ተሳትፎ (actuosa participatio) ምእመናን ዳግም ክትመልሶ ከም ዝሓትት ገለጹ።
ስለዚ ካቶሊካውያን ምእመናን ብፍላይ ከኣ እቶም ናይ እምነት ጕዕዞ ዝጅምሩ ሰባት፣ ንተግባር ኣምላኽ ልቦም ዝኸፍት ዓይነት ሥርዓተ ሊጡርጊያ ክመሃሩ ኣለዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ብዛዕባ ሓባራዊ ስፍሓት ሥርዓተ ሊጡርጊያ እውን ኣስተንትኑ።
ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ኅብረት ዘእትዎም እዩ ፣ ከመይሲ ከም ተግባር ናይ ሓደ ኣካል ቤተ-ክርስትያን እዩ ዝፍጸም፣ እዚ ኸኣ ንሥርዓተ ኣምልኾ ኣኽብሮትን ተኣማንነትን ዝሓትት እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ንጓሶት ነፍሳትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ከምኡ ውን ነፍስ ወከፍ ምእመን "ንጥንቁቕ ኣፈጻጽማ ናይ ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ ተፍባራት" ብኽብሪ ክዕቅቡን ኺምህርዎን ኣተባብዕዎም።
ንሥርዓተ ሊጡርጊያ ብስብከት ቅዱሳት ጽሑፋቲ ኣቢሉ "ቃል ኣምላኽ ዝስምዓሉ ፍሉይ ቦታ" ክብሉ እውን ጸውዕዎ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመራሕትን ጓሶት ቤተ-ክርስትያንን ንምዕዳል ምስጢራትን ምስክርነት ህይወትን ኬማዕብሉ ተማሕጸንዎም።
"በዚ ኸምዚ ጥራይ እያ እታ ኻብ መሰውኢ እተወልደት እምነት፣ ፍረ ደግነትን ዕርቅን ሰላምን እናኣፍረየት ናብ ጐደናታት ደቂ ሰብ ክትበጽሕ እትኽእል" በሉ።
