ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ክርስቲያን ሓድነት ክደልዩን ብሓባር ሰላም ከዕብዩን ይግባእ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ክርስቲያን ሓድነት ክደልዩን ብሓባር ሰላም ከዕብዩን ይግባእ!  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ክርስቲያን ሓድነት ክደልዩን ብሓባር ሰላም ከዕብዩን ይግባእ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 26 ነሓሰ ምስ ካብ ኖርወይ ዝመጹ ሉተራናውያን ጳጳሳት ብምርኻብ ኩሎም ክርስትያን ኣብዚ ዕግርግር ዝመልኦ ዘመንና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ብሓባር ክንሰርሕ የተባብዑ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 27 ነሓሰ ምስ ሓያሎ ካብ ኖርወይ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ሮማ ዝመጹ  ሉተራናውያን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንጳጳሳት ምስቶም ህይወቶም ንናይ ግዜና ክርስቲያን ምንጪ ትብዓት ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ቀዳሞት ክርስትያንን ሰማእታትን ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ቦታታት ክበጽሑ ዓዲሞም፡ ኣብነቶም “ህይወትና ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽን ምእንቲ ሰናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንህብ እውን የተባብዓና” ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ “ብፍላይ ዕግርግር” ዓለምና ዘቕረቦ ዘሎ ከቢድ ብድሆታት ኣመልኪቶም፡

“ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልኢ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል፣ እዚ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ግርጭታትን ክትዓትን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ውልቀ ሃገራት እውን ዝግለጽ እዩ፣ እዚ ድማ በቲ ብተደጋጋሚ ንፖለቲካውን ማሕበራውን ክትዓት ዝልለ ምረት ይርአ - ቢሎም - ክርስትያን እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይንሰማምዖም ሰባት ኣብ ናይ ጽልኢ ኣተሓሳስባ ንኽወድቁ ፈተና ከም ዘጋጥሞም ኣመልኪቶም፡ ይኹን’ምበር ኣብ ክንድኡ ናይ ዕርቅን ሕውነትን መንገድታት ክንደሊ ይግባእ። ኢየሱስ ዕጥቒ ዘፍትሕ ሓይሊ ዘለዎ መገዲ ሰናይን ፍቕርን የቅርበልና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሉተራናውያን ጳጳሳት ናብ ሮማ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ሓድነት ንምህናጽ ዘለዎም ድሌት ከምዘርእዩ ብምሕባር፡ ዓለም ምእንቲ ክትኣምን ደቀ መዛሙርቱ ኩሎም ሓደ ክኾኑ ኢየሱስ ዝገበሮ ጸሎት ዘኪሮም፡ ዋላ’ውን ንኣሽቱ ተግባራት “ኣብ መንገዲ ዕርቂ ከነቓቕሑናን ክመርሑናን ከምዝኽእሉ” ቅዱሰንቶም ኣስተብሂሎም፡ “ኣብቲ ናይ ሓባር ጥምቀትናን ኣብ ዓለም ዘሎና ናይ ሓባር ተልእኾን መሰረት ብምግባር፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎትና ብሓባር ንሰላምን ፍትሕን ንምድንፋዕ ክንዓቢ እጽሊ” ምስ በሉ፡ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሉተራናውያን ጳጳሳት ኖርወይ ኣብነት ናይቶም ቀዳሞት ሰማእታትን ቅዱሳንን ከም ምስክር ናይቲ ምልዋጥ ሓይሊ ፍቕሪ ክጥምቱ ዓዲሞም፡ “በረኸት ኣምላኽ ንለምን፣ በቲ ኢትኣላው ሰናይን ጥበብን ኣምላኽ፣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብዝያዳ ብሓቂ ክንነብር ምእንቲ ክሕግዘና፣ በዚ ድማ ብዛዕባ መድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓባራዊ ምስክርነት ክንህብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Aug 2026, 15:25