ር. ሊ. ጳ. ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ንዕለተ ምክንኻን ፍጥረት ምሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም
ዜና ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዕለት 1 መስከረም ኣብ ቍሸት ስቡህ ኣንተ ምሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ምክንኻን ፍጥረት ከዕርጉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣግሊጡ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ጳጳሳዊ ስፍራ ኣታኽልቲ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 25 ነሓሰ እቲ ክፍሊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ ዝኾነ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ ተኣዊጁ ይርከብ ኣሎ።
እዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ምክንኻን ፍጥረት፣ ዓመታዊ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ንምክንኻን ፍጥረትን መኽፈቲ ወቕቲ ፍጥረትን ኢዩ ዝዓርግ። እብዚ እዋን እዚ ኣብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚን ኣብ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ዕለተ ዕረፍቱን ኣብ ዝዛዘመሉ ኢዩ ክውዕል።
ኣብዚ ወቕቲ እዚ ቤተ-ክርስትያንን ካልኦት ክርስትያናውያን ማሕበረሰብን ብጸሎትን ብምልውዋጥ ጭቡጥ ናይ መጋቢነት ተግባራትን ኣቢሎም ንፍጥረት ዘለዎም ተጸምዶ ከሐድሱ ተዓዲሞም ኣለዉ።
ኣብ ዕለት 1 መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ "መሥዋዕተ ቅዳሴ ንክንክን ፍጥረት" ከዕርጉ ድማ እዮም፣ እዚ ድማ ብላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ናይቶም ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብላና ዝሓልን፣ ብዛዕባ ጉዳያት ሥርዓተ ኣምልኾን ምስጢራትን ዝሓልን፣ ብዛዕባ ጉዳያት ክርስቲያናዊ ሕብረት ዝሓል እተዳለወ ፍሉይ "መሥዋዕተ ቅዳሴ ንክንክን ፍጥረት" ኮይኑ ክካየድ ኢዩ።
ካርዲናል ቸርኒ፦ "ነፍሲ ወከፍ ህያብ ሓላፍነት እዩ ዜምጽእ"
ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጽዎ፣ "መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዕራግ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዝርከብ መሰውኢ ምጽንባሉ ድማ ኵሉ ፍጥረት ውህበት ምዃኑን፣ ነፍሲ ወከፍ ውህበት ሓላፍነት ከም ዜምጽእን ንኽንዝክር ይሕግዘና እዩ" በሉ።
"እምነት ነታ ሓባራዊት ቤትና ብቐዳምነት ከም ምንጪ ዘይኰነስ፣ ብሞሳ እንቕበለሉ ብፍቕሪ፣ ኽንከናኸና ዘሎና ውህበት ጌርና ኽንግንዘብን እያ እትምህረና" እውን በሉ። "ኣብ ቅዳሴ ንኣምላኽ እነቕርቦ ምስጋና እውን ሓደ ተጸምዶ እዩ ዚኸውን፦ ንፍጥረት ምክንኻን ኪበሃል እንከሎ ንህይወትን ንደቂ ሰባትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሰባትን ንመጻኢ ወለዶታትን ምክንኻን ማለት እዩ" ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
ካርዲናል ባጂዮ፦ ንብጻይካ ምፍቃር ክበሃል እንከሎ ንፍጥረት ምዕቃብ ማለት እዩ
ዋና ዳይረክተር ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ብፁዕ ካርዲናል ፋቢዮ ባጂዮ፣ "ንቤተ-ክርስትያን ፍጥረት ምዕቃብን ሰብኣዊ ክብረት ምድንፋዕን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ተልእኾ እዩ፣ ኣብ ክርስትና እምነት ኣጸቢቑ ሱር ዝሰደደ እዩ። ኣምላኽ ንዓለምን ንደቂ ሰባትን ብፍቕሪ ኸም ዝፈጠረ ንኣምን ኢና፣ ብልክዕ ከኣ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንክን ንፍጥረትናን ንሓለዋ ፍጥረትናን ብሕድሪ ሂብና ኢዩ።"
ብፁዕ ካርዲናል ባጂዮ ኣስዕብ ኣቢሎም፣ "ንሓባራዊት ቤትና ምሕላው ክበሃል እንከሎ ንጐረቤትና ብፍላይ ከኣ ነቶም ብሰንኪ ሥነ ኣከባብያዊ ብከላ ድኽነት ቅልውላው ኩነታት ኣየር ከምኡውን ብግጭታት ዝያዳ ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምፍቃር ማለት እዩ። ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ኸም ዘይንኽእል እንተ ዘኻኺርና፣ ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ነገራት ከኣ ከይሓለና ኸነፍቅሮ ኣይንኽእልን ኢና።
