SCATTIDELGIORNO: 7.4-magnitude earthquake hits Colombia SCATTIDELGIORNO: 7.4-magnitude earthquake hits Colombia  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮሎምብያ መንፈሳዊ ብርታዐ ክረኽቡ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኮሎምብያ ኣብ ዝለኣኽዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፣ በቲ ብዕለት 10 ነሓሰ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ህይወቶም ብምስኣኖም ካልኦት ብዙሓት ድማ ብምቝሳሎም ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ እቲ ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ሃገረ ኮሎምብያ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሰምዖም ዓሚቝ ሓዘኖም ገሊጾም፣ "ንዘለኣለማዊ ዕረፍቲ እቶም ዝሞቱ" ከምኡውን ኵሎም እቶም በቲ ዘሕዝን ፍጻመ እተጐድኡ ሰባት ብቕልጡፍ ምእንቲ ኺሓውዩ ጸልዮም።

እዛ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና በቶም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን እተፈረመ ኮይና፣ ናብ ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኮሎምብያ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሲስኮ ኻቭየር ሙኔራ ኮርያ ብዓል ካርታጌና እተላእከት ኢያ ዝነበረት።

እቲ ብዕለት 10 ነሓሰ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘጋጠመ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ልዕሊ 150 ሰባት ቀቲሉ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ድማ ቆሲሎም ይርከቡ። ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን እውን ሓዊስካ ሰፊሕ ጕድኣት ኣውሪዱ ይርከብ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣ ነቶም "ኣብዛ ዓሚቝ ሓዘን ዝመልኣ ሰዓት ብሞት ዜፍቅርዎም ሰባት ዝሓዝኑ ዘለዉ" ስድራ ቤታት ልባዊ ሓዘኖም ገሊጾም።

ንዅሎም እቶም ኣብ ምድላይን ምድሓንን ከምኡ ውን ነቶም እተጐድኡ ረድኤትን ሓገዝን ብምሃብ "ብልግስን ተወፋይነትን" ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት ድማ ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ኣረጋገጹሎም።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጐይታ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም "ኣብ ልዕሊ ፍቑራት ህዝቢ ኮሎምብያ ውህበት መንፈሳዊ ብርታዐን ክርስትያናዊ ተስፋን ኬፍስስ" ብምጽላይ ከምኡውን ልባዊ ሓዋርያዊ በራኬኦም ኣካፈልዎም።

12 Aug 2026, 11:58