ር.ሊ.ጳ. ንስጳይናዊ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ንክርስቶስ ኣብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምርካብ!
ዜና ቫቲካን
ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 24 ነሓሰ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ፈደራላዊ ማርሶዴቶ - ኣብ ቶለዶ ስጳይና ንኣእምሮኣዊ ስንክልናን ናይ ሓንጎል ልምሰት ዘለዎም ሰባት ዝድግፍ ትካል ተራኺቦም፡
እዛ ኣብ 1980 ዝተመስረተት ጉጅለ፡ ን45 ዓመት ተልእኾ እቲ ትካል ንምዝካር ኣሚቱ ናብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት የካይዶ ከም ዘሎን፡ ቅዱስነቶም እቲ ስጳይናዊ ፈደራላዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝፍጽሞ ዕዮ “ብዘይጥርጥር ከቢድ ዕማም፡ ዝኾነ ሰብ ዘይርእዮን ኣምላኽ ጥራይ ሞሳ ክመልሰሉ ዝኽእልን ብዙሕ ዓው ዓውይ ዘይብል ህብእ ኣገልግሎት ዘጠቓልል” ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ይኹን እምበር፡ “ኣብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ” ምርካብ “ኣዝዩ ዘሐጉስ” ተልእኾ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፡ ብዕዮታቶም ኣቢሎም ኣባላት ፈደራላዊ - ማርሶዴቶ ዘይመግንስታዊ ስጳይናዊ ትካል ናይ ወንጌል መልእኽቲ መሰኻኽር ክኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፦ “እቲ ካብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” (ማቴ 25፡40)” ዝብል ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ክርስቶስ ዘቕርበልና ብድሆ ኣብ ህይወት እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣጠማምታኡ ብምግንዛብ፡ “ከም ሰብኣውን ክርስትያናዊ ሕብረተሰብ ክንዓቢ ይሕግዘና” ኢሎም።
ብዘይ ደገፍ ዝተርፍ ሰብ ከይህሉ
ምትሕግጋዝ፡ ምክልኻል ክብሪ ሰብኣዊ ምትእትታውን ምሉእ ውህደትን ሓቛፍነትን፡ ፈደራላዊ ማርሶዴቶ ምስ ናይ ኣእምሮ ስንክልናን ልምሰት ሓንጎልን ዘለዎም ሰባት ንምድጋፍ ዝኽተሎ ኣገባብ ዘመልክቱ ክብርታት እዮም” ከም ዝበሉን ቅድሚ ልዕሊ 40 ዓመት ኣባ ማርሰሊኖ ካሳስ ፑኤንተ ነቲ ፈደራላዊ ማሕበር ዝመስረትዎ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክውን ዝኾነ “ዝኾነ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘጓነፎ ሰብ ዘለዋ ስድራቤት ብዘይ ደገፍ ክትተርፍ የብላን” ዝብል ሕልሚ ከም ኣተበገሰን፡ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ንልዕሊ 2600 ሰባት የገልግል። እዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ኣብ ስጳይና ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ “ፍቕሪ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይላበወና (2ቆሮ 5፡14)፣ ንድርኺታቱ እንህቦም ግብረ ሰናይን ሓልዮትን ድማ መርትዖ እምነትና እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ እዩ።
ንኣባላት ፈደራላዊ ማርሶዴቶ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን ፡ ነቲ ጉጅለ ኣብ ቀጻሊ ስርሖም ንእተሰንዮም ንሓለዋ ቅድስቲ ማርያም ኣማዕቁይቦም፡ "ኣብ ዝዓበየን ከቢድን ጸገም ዝመልኦ ህሞት ከተተባብዓኩምን ኩሉ ግዜ ኣጠማምትኹም ናብ ጎይታ ከተቕንዑ ክትሕግዘኩምን፣ እቲ ናይ ግብረ ሰናይ ፈደራላዊ ትካልኩም ንቤተ ክርስቲያን ይኹን ንሕብረተሰብ ሓቀይና መወከሲ ነጥቢ ኮይኑ ክቕጽል። እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
