ር.ሊ.ጳ. ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት 'ንዓለማዊ ዘይምግዳስ ክገጥማ' ይጽውዓ! ር.ሊ.ጳ. ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት 'ንዓለማዊ ዘይምግዳስ ክገጥማ' ይጽውዓ! 

ር.ሊ.ጳ. ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት 'ንዓለማዊ ዘይምግዳስ ክገጥማ' ይጽውዓ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ንጽባቐ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ደቂ ኣስንትዮ ሰብ ውፉይ ህይወት መንፍሳዊ ውህበትን ታሪኻትን ብሓባር “ተልእኾን ምስጢርን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለምና ርኡይ ንምግባር” ዝሰርሕ ምዃኑ የጉልሑ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ምምስራት ጉባኤ ኣመራርሓ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 12 ነሓሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ኣብዚ መደብ እዚ ንዝሳተፋ ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ጉባኤታት ኣባላት ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሰብ ውፉይ ህይወት “ናይ ሰናይ ምንዮት ጸሎቶም” ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ማእከል ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ታሪኽን ተልእኾታትን “ኣብ ውሽጥን ኣብ መንጎን” ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ሓድነት ምዕባይ ከምዘድሊ ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ “ኩሎም ክርስቲያን ሃነጽቲ ሕብረት ክርስቶስ ክኾኑ ዝተጸውዑ እዮም፣ ኣብ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተመስረተ ኩሉ ሰብ ብመሰረት ናቱ መንፈሳዊ charism - ውህበትን ኣገልግሎትን ዝተሓባበረሉ” እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ብዝረኸብዎ ተመኩሮታት ኣብ ሲኖዳውነት ክኢላታት ክኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ናይ ጉባኤ ሲኖዳዊ መዳይ ብምንኣድ፡ እቲ ማሕበር ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ውፉይ ህይወት ብዝምልከት መንፈስ ቅዱስ ዝህቦ ድርኺት ዘስተውዕል ምዃኑ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ብዙሕ charism - ውህበት መንፍስ ቅዱስ፡ ሓደ ጸዋዕታ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ንማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝሃቦም ብዙሕ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ውህበት ንውፉያት ሰባት “ተልእኾን ምስጢርን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለምና ክረእዩ ዝገብር እዩ” በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ዓውዲ ስብከተ ወንጌል፣ ትምህርቲ፣ ንድኻታት ኣብ ምሕጋዝ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ምስጋናኦም የቕርቡ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ “ብዙሕ መንፍሳዊ ውህበት፡ ሓደ መንፈስ፡ ሓደ ጸዋዕታ” ዝብል መርሕ ቃል ብምስትንታን፡ ኩሎም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራቶም መንፍሳዊ ውህበት ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዙ ኣተባቢዖም። “ቤተክርስትያን ንዓኻትኩም ንኹሉ እቲ ንስኻትክን እትውክልኦ መልክዓት ቅድስናን ኣገልግሎትን ብዙሕነትን ጸጋን የድልያ፣ ምኽንያቱ ህያውንን ኣብ ኢየሱስ ብዝተሰረተ ምስክርነትን ኣቢልክን ንዓለም ኣብ ምንቕቓሕ ኣበርክቶ ክትገብራ ትኽእላ ኢኽን” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ከምኡ እንተገይርክን ድማ “ዓለማዊ ዘይምግዳስን ሓይሊ ኣልቦነትን ብመድሃኒት ፍቕርን ምሕረትን ክርስቶስ ክትገጥምኦ ኢኽን” ኢሎም።

ተስፋ ኣብ መንእሰያት

ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ህይወት ምንቕቓሕ ንውፉይ ሕይወት ንምድልዳልን ንምዕባይን ኣገዳስን መሰረታውን እዩ። ኣብ ማእከል እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዕሽሽ ዝብል ባህሊ እውን እንተኾነ፡ “ብዙሓት ካባና ብውልቅና ነቲ ክርስቶስ ዘቕረበልና ጸዋዕታ ብድኽነትን ንጽሕናን ተእኣዝዞን ኣቢልና ተመኪርናዮ ኢና” እንክብሉ ኣጉሊሖም። ሎሚ እውን እንተኾነ “እናዓበየ ዝኸይድ ጽምኢ ኣማልኽ” ከምዘሎ ኣስሚሮም፡ ብዙሓት መንእሰያት ምናልባት ካብኡ ድሕሪ ምዝንባሎም ዳግማይ እምነቶም ይረኽብዎ ኣለዉ። ነዚ እዩ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፍይ ህይወት ምስ መንእሰያት ዝገብርኦ ርክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን። “[ንመንእሰያት] ምስ ኣነባብራኽን ከተላልየኦም እትኽእላሉ መገዲ ድለያ ነቲ ኣብ መዓሙቕ ልብና ዝዛረበና ድምጺ ጎይታ ክሰምዑ ክትሕግዞም” መታን -  ቢሎም - መንእሰያት ንእግዚኣብሔር መልሲ ክህቡ፡ ዘቕርበሎም ጸዋዕታ ብምስዓብ ዝመጽእ ሓጐስ ምእንቲ ክረኽቡ እንክብሉ ኣተባቢዖም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ፍረ ዘለዎ ምትእኽኻብ ክኸውን ድማ ተመንዮም ንኹሉ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም። “ንኹላትክንን ንእቶም እትውክሉኦ ማሕበረሰባትክን ከምኡ እውን ኣገልግሎትክን ንማርያም አማዕቝብ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት 'ንዓለማዊ ዘይምግዳስ ክገጥማ' ይጽውዓ!
13 Aug 2026, 15:58