ሃገረ ቫቲካን ንመደባት ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሳን ማሪኖን ሪሚኒን ብወግዒ ኣሕቲማ
ዜና ቫቲካን
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፣ ትማሊ ረቡዕ ንወግዓዊ መደባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናይቲ ብዕለት 22 ነሓሰ ዘካይድዎ ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣሕቲሙ።
እዚ ሓጺር ግን ከኣ ናብ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሳን ማሪኖን ሪሚኒን ዝግበር ቘጸራታት ጉስነታዊ ምብጻሕ፣ እንተላይ ኣብቲ ካብ ዕለት 21 ክሳዕ 26 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሮማኛ ረጊጂኦ ኢጣልያ ዝኻየድ ብኅብረትን ሓርነትን እተወደበን “እቲ ንጸሓይን ንካልኦት ከዋኽብትን ዘንቀሳቕስ ፍቕሪ” ብዝብል ፍረነገር ኣብ ዝካየድ ባህላዊ ጉባኤ ውን ክሳተፉ ኢዮም።
ሳን ማሪኖ፦ ምስ ሰበ-ስልጣንን ክራኸቡን ኣብ ስግደት ቅዱስ ቍርባንን ክሳተፉን ኢዮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልክዕ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ፣ ካብ መዕርፎ ሄሊኮፕተራት ሃገረ ቫቲካን ክነቅሉ ተመዲቡ ኣሎ። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት በረራ ድማ ኣብ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሳን ማሪኖ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ቶራሺያ ክወርዱን፣ ናብ ፒያሳ ዴላ ሊበርታ ክጕዓዙን ኢዮም።
ኣብ ህዝባዊ ሕንጻ እታ ሃገር ድማ ምስ ዋና ጸሓፊ እታ ሃገር ኺራኸቡን፣ ድሕሪኡ ድማ ምስ ካፕቴን ሬጀንት ኣብ ቤት ምኽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ ብሕታዊ ኣኼባ ከካይዱ እዩ። ኣብኡ ድማ ኣብ ናይ ክብሪ መጽሓፍ ኣጋይሽ ክታሞም ከንብሩ ኢዮም።
ልክዕ ሰዓት 10፡40 ናይ ንግሆ፣ ምስ ኣባላት ዓብዪን ሓፈሻውን ቤት ምኽሪ፣ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ክራኸብ ኢዮም። ቀጺሎም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ማእከላይ ሰገነት ህዝባዊ ህንጻ ናይታ ሃገር ነቶም ኣብቲ ኣደባባይ ንዝርከቡ ሕዝቢ ቃል ሰላምታን ሓዋርያዊ በራኬኦምን ከካፍሉን እዮም።
ብድሕሪኡ ናብ ቤተ ክርስትያን ሳን ማሪኖ ክጐዓዙ ኢዪም፣ ኣብኡ ድማ ጳጳስ ሰበኻ ሳን ማሪኖ-ሞንቴፈልትሮ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ በኔቨንቲ ከምኡውን ቆመስ ናይቲ ደብሪ ክቡር ኣባ ማርኮ ማዛንቲ ክቕበልዎም ኢዮም። ንስግደት ቅዱስ ቍርባን ምስ ኣኽብሮት ቅርስታት ቅዱስ ማሪኖስ ኣብ ዝካየድ መደባት፣ ምስ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ተወከልቲ ናይ ኣቕላሲያውያን ማሕበራትን ናይቲ ሰበኻ ክሳተፉ ኢዮም።
ልክዕ ሰዓት 12፡15 ድሕሪ ቐትሪ፣ ነቶም ኣብ ኣደባባይ ዝተረኽቡ ምእመናን ቃል ሰላምታ ከካፍልዎም ኢዮም፣ በዚ ከምዚ ድማ ነቶም ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ክሰናበቶምን ኢዮም።
ናብተን ኣብ ፐናቢሊ ንዝርከባ ደናግል ኣጐስጢኖሳውያን ናይ ብሕቲ ምብጻሕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብውልቆም ንማሕበር ገዳም ቅዱስ ኣንቶንዮስ ብዓል ፓዱዋ ናይ ኣጐስጢኖሳውያን ደናግል ኣብ ፐናቢሊ ክበጽሑ እዮም።
ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እዘን ማሕበር ደናግል፣ ነቲ ኣብ ውግእ እተፈጸመ ግፍዒ ምላሽ ብምሃብ፣ ነተን ጀርመናውያን ናብ ጀርመን ኪሰጕወን ዝሓሰቡ ክልተ ማሕበራት ደናግልን፣ ነቶም ካብ ሪሚኒ እተመዛበሉ ስድራ ቤታት ንዝመጻ ንኣሽቱ ኣዋልድን ማዕጾአን ከፊተን ዝተቐበላ ኢያተን።
ሎሚ እዚ ማሕበር ደናግል እዚ 11 ደናግል ክልተ ግዝያዊ መብጽዓ ከምኡውን ሓንቲ ጀማሪት ዝኾነት ተመካሪት ዝሓቘፈ ማሕበር ኢዩእዩ።
ኣብ ሕዳር 2012 ኣርባዕተ ኣሓት ደናግል ካብቲ ኣብ ሲና ዚርከብ ገዳም ለሴቶ ናብ ፐናቢሊ ኺግዕዛ ዘጽደቐ ድማ እቶም ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ዝንበሩ ክቡር ኣባ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት እዮም ዝንበሩ።
ኣኼባ ሪሚኒ፦ ኣብ ምርኢት ኣጐስጢኖስን ሃርሜልን፣ ምስ ድኻታት ዝግበር ርክብን፣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ወደብ
እታ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሄሊኮፕተር ልክዕ ሰዓት 2፡45 ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብ ሪሚኒ ኣብ ማእከል ኤክስፖ ክትወርድ ተመዲቡ ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ክልተ ዝኻየዱ መደባት ምርኢታት ክበጽሑ ኢዮም፣ እቲ ሓደ ብዛዕባ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብዛዕባ ሊዮን ሃርመል ዝካየድ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ቍሸት ቈልዑን ህጻናትን ምብጻሕ ብምክያድ ድማ፣ ነቶም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ድማ ቃል ሰላምታ ከካፍሉ ኢዮም።
ካብዚ ስዒቡ ልክዕ ሰዓት 4 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዓብዪ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ክሳተፉ ኢዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ልክዕ ሰዓት 5፡30 ድሕሪ ቐትሪ ናብ ካቴድራል ሪሚኒ ክበጽሑ ድማ ትጽቢት ይግበረሎም፣ ኣብኡ ድማ ምስ ሕሙማትን ኣካለ ስንኩላንን ኣብ ድኽነት ምስ ዝነብሩ ሰባትን ብሓገዝ ካሪታስ ክራኸቡ ኢዮም።
ቀጺሎም ድማ ናብ ወደብዊ ኣደባባይ ክኸዱን፣ ኣብኡ ድማ ልክዕ ሰዓት 6፡30 ድሕሪ ቐትሪ ምሥዋዕተ ቅዳሴ ኺመርሑ ኢዮም።
እቲ ምብጻሕ ሰዓት 8 ድሕሪ ቐትሪ ክዛዘም ኢዩ ሰዓት 9 ድሕሪ ቐትሪ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቫቲካን ክምለሱ ኢዮም።
