ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ዛዕባ “ዓመጽ” ዝመክር ጉባኤ ኣብ ዋርሶ ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ዛዕባ “ዓመጽ” ዝመክር ጉባኤ ኣብ ዋርሶ 

ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ዛዕባ “ዓመጽ” ዝመክር ጉባኤ ኣብ ዋርሶ

እቲ ሕጂ ዘሎ ነቲ ዓመጽ ንምውጋድ ዝመርሕ ኣገባብን ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍልዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረትንስኻትኵም ናይ ምድሪ ጨው ኢኻትኵም ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓመጽ ዝምልከት ናይ መቕጽዒ ጽኑዕ ሕጊ ዘማእከለ ምይይጥ ዝካየደሉ

ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 22 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ቈልዑን መንእሰያትን ተኣፋፍያንን ንምዕቋብ ኣብ ኣቢያተ ክርስትያን ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ክካየድ እዩ። እዚ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ብጳጳዊ ሽማግለ ንዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ብናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን እተወደበ ኮይኑ ተወከልቲ ጳጳሳትን መንፍሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ምእመናን ሰብ ሙያ ዘሳትፍ ከምዝኸውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንደቂ ኣምላኽ ናይ ምዕቋብ ሓባራዊ ተልእኾና” ፥ እዚ ኣርእስቲ እዚ ጥራይ ዘይኰነስ ዕላማ ናይቲ ካብ ሰንበት ዕለት 19 ክሳዕ ዕለት 22 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ዋርሶ ኣቡናትን ካህናትን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን መንፍሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ኣሕሉቕ ናይ ስነ ኣእምሮ ስነ ፍወሳ ክኢላታትን ከምኡ እውን ዓለማውያን ምእመናን ሰብ ሙያ ስነ ዕቝባ ቈልዕን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ዝመያይጥሉ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼብ እዩ፡ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ከባቢ ማእከላይን ብምራቓውያንን ሃገራት ኤውሮጳ ዝምልከት ኣኼባ ምስ ማሕበር ቅዱስ ዮሴፍ ብምትሕብባር ብጳጳሳዊ ብሽማግለ ዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምኡ እውን ብናይ ሃገረ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እተወደበ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ዛዕባ “ዓመጽ” ዝመክር ጉባኤ ኣብ ዋርሶ
ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ዛዕባ “ዓመጽ” ዝመክር ጉባኤ ኣብ ዋርሶ

ካርዲናል ኦምለይ፥ ኣብ ጐድኒ ኣቢያተ ክርስቲያን ማእከላይን ምብራቕን ሃገራት ኤውሮጳ

ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ሓሳብ ምልውዋጥን ምክፋልን ምንጽጻርን ምስትንትናንን ብዛዕባ እቲ ዘሳቒ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብኣካላት ኤቅለሳውያን ዝፍጸም ዓመጽ ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ነዚ ዓመጽ እዚ ምኹናን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምትግባር እቲ ሕጂ ዘሎ ነቲ ዓመጽ ንምውጋድ ዝመርሕ ኣገባብን ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍልዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረትንስኻትኵም ናይ ምድሪ ጨው ኢኻትኵም ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓመጽ ዝምልከት ናይ መቕጽዒ ጽኑዕ ሕጊ ዘማእከለ ምይይጥ ዝካየደሉ ምዃኑ ጳጳሳዊ ሓልዮ ዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሽማግለ ኣቦ መንበር  ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ዕላማኡ ነቲ ኣብ ከባቢ ማእከላይን ምብራቓውያንን ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ሓድሽ ሕጊ ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋን ኣተገባብራኡን ንምግምጋም እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ እንታይ ምላሽ ከም ዝወሃቦ ንምምርማር እውን እዩ። እቲ ተስፋ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ጥብቂ ምትሕብባር ንምምስራትን መራኽቦ ንምፍጣርን እውን ምዃኑ ናይ ጳጳዊ ሽማግለ ንዕቝባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሴን ፓትሪክ ኦምለይ ሓቢሮም፥ “እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ንምስትውዓልን ህልው ኩነታት ምምርማርን ነቶም ነኣሽቱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ተኣፋፍያን ዜጋታትን ንምዕቋብ መገዲ ንምሕባር ዘሎ ባህጊ ዘቃልሕ ዓውደ ኣኼባ እዩ እንክብሉ ናይ ፖላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስታኒስላው ጋደክ እውን ብወገኖም ናብ ሓባራዊ ስጒምትታት ኤውሮጳ ዝመርሕ ተመክሮታትን ውርዝና ዝመልኦ ልምድታትን ንምልውዋጥ ዝሕግዝ ርክብ እውን ምዃኑ የብርሁ።

ኣባ ዞልነር፥ ዓመጽ ቅድሚ ምውራዱ ምክልኻል

“ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ንምሕባር እዩ” እንክብሉ ኣብ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ዛዕባ ስነ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ክፍሊ ስነ ሰብእ ናይ መጽናዕቲ ጨንፍር ኣቦ መንበር ኣባ ዞልነር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ “ብምሉእ ማእከላይን ምብራቕ ኤውሮጳ ተሳትፎ ብምግባር ከምዚ ዝኣመሰለ ዕምቈት ዘለዎ ፍጻመ ክዳለው ንመጀመርታ ግዜ እዩ። እቶም ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ዝሳተፉ ኣቡናትን ካህናትን ናይ ስነ ኣእምሮ ሙያተይናታትን ኣብዚ መዳይ ዝዓዩ ሰብ ሙያ ዓለማውያን ምእመናን ካብ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ዝተዋጽኡን ናይ ገዳማውያንን ገዳማውያትን መንፍሳዊ ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዘሳትፍ እዩ እቲ ዘስካሕክሕ ዓመጽ ቅድሚ ምፍጻሙ ብኸመይ ንምክልኻል ከምዝከኣል ዝካየድ ዕዮ ምትሕብባር ዝደሊ እውን እዩ። እቲ ንኸይህሉ ዝሕግዝ መስርሕ እውን ንምድልዳል ዝኣመተ ርክብ እዩ” ኢሎም።

ሕንጸትን ስልጠናን መምርሕን፥ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እተወስዱ ስጉምትታት

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሰብእ መጽናዕቲ ጨንፈር ኣቦ መንበር ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዞልነር ኣስዒቦም፥ ዝወሃብ ሕንጸት ስልጠናን መምርሕታትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ጻዕሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብሉጽ እናዀነን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ከይሁሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘድሊ ሕንጸት ክወሃብ ምስቲ ኣብ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዝቖመ ክፍሊ መጽናዕቲ ስነ ሰብእ ምትሕብባር ከምዝገብራን ንኣብነት ኣብ ዩክራይንን ስሎቫክያን ገሊአን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ምስ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ጨንፈር መጽናዕቲ ስነ ስብእ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዘድሊ መምርሕታትን ሕንጸትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምትሕብባር ከምዘሎን፡ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዝምልከት መምርሕን መስርሕን ኣብ ወረቐት ተቐሊሙ መታን ከይተርፍ ንትግባሬኡ መገዲ ዝሕብር ዓውደ ኣኼባ እውን እዩ። ስለዚህ “ቈልዑን መንእሰያትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብን ዕቝባ ምእንቲ ክረኽቡ ኣድላዪ ዘበለ ኵሉ ንምፍጻም ዝያዳ ጥንቃቐን ዝያዳ ምብርትታዕን ክንገብር ንደሊ” ኢሎም።

18 September 2021, 09:27