ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ሴውል፦ ድሮ ምድላዋት ተጀሚሩ ይርከብ ኣሎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ደድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ብዕለት 3 ነሓሰ ኣብ ጽምብል ዓመት ኢዮቤል መንእሰያት ዘቕረብዎ መደረ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 እታ ቀጺላ እትኻየድ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሴውል ደቡብ ኮርያ ክትካየድ ምዃና ኣፍለጡ ።
"ነቲ ቕድሚ ኽልተ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሊዝበን ዘቕረብዎ ጻውዒት ድማ አሐድሶ ኣሎኹ - ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ካብ ዕለት 3 ክሳዕ 8 ነሓሰ 2027 ኣብ ሴውል ደቡብ ኮርያ ቅነ መንእሰያት ንምብዓል ምስ ተካኢ ጴጥሮስ ንግደት ከካይዱ ኢዮም።"
እቲ ጕዕዞ ክቕጽል ኢዩ
ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓለማውያን ምእመናን ስድራቤታትን ሥነ ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኬቨን ፋረል፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘለዎም ምስጋና ገለጸሉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንመራሕቲ ሥነ መዕበያትን፣ ኣገልግሎት መንእሰያት ከምኡውን ንጳጳሳት ብሓባር ኰይኖም በቲ ጭርሖ ናይ ቅነ መንእሰያት 2027 “ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ ኢየ፡” ብዝብል ተተባቢዖም፣ ናብ ሴኦል ንግደት ከካየዱ ጻውዒት ኣቕረቡሎ።
ካርዲናል ፋረል ኣብ መግለጺኦም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ መልእኽቲ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ንኺእውጅ ዜተባብዕ ፍረ ነገር ዓመት ኢዮቤል 2025 ምዃኑ ውን ገለጹ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ጽምዋን ድኽነትን ንምሕዋይ ከምኡውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንዘሎ ምክፍፋልን ግጭትን ውግእን እተላእኩ መሰኻኽር ሰላም ንምዃን ናይ ተስፋ ነጋድያን ዝዀኑ መንእሰያት ኢኹም" በሉ።
ብመሰረት ዋና ጸሓፊ ናይቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዶ/ር ግላይሰን ደ ፖላ ሶዛ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ኽልተ ዓመት ንዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት 2027 ምድላዋት ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ "ናብቲ ቅዱስ ኣቦና ዝመረጽዎ ዕለትን ቦታን ድማ ብቕልጡፍ ንጕዓዝ ኣሎና" ክብል ኣመልኪቱ።
ዶ/ር ደ ፖላ ሱዛ ኸም ዝገለጾ እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓለማውያን ምእመናን ስድራቤትን ሥነ ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ኣወሃሃዲአት ኮሚተ ቅነ መንእሰያት ሴውልን ምስቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ጳጳሳትን መንእሰያትን ሓቢሩ "ናብ ቤተ - ክርስትያን ደቡብ ኮርያ ብደሓን ምጹ፣ እቲ ምስ ክርስቶስ ዝግበር ምርኻብ፣ ህይወት ሰባት ከም ዚቕይርን ነቲ ዝቐርብርሎም ብድሆታት ንኺዋጽኡሉ ትብዓት ከም ዚህቦምን ንምርኣይ ብሓባር ክትምስክሩ ኢኹም" ክብል ውን ዓደመ።
ኣብ ሴኦል ንራኸብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝሓልፈ ሰንበት ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነቲ መልእኽቲ ኢዮቤል ምስ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ብምትሕሓዝ ኸምዚ በሉ -
"ዓወት እቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ እከይን ሞትን ክንእውጅ ዜበርትዓና እታ ኣብ ልብና እትሐድር ተስፋ እያ፣ ንስኻትኩም መንእሰያት ነጋድያን ድማ ክሳዕ ጽንፊ ምድሪ ነዚ ኽትምስክሩ ኢኹም! ኣብ ሴውል ዳግም ክንራኸብ ውን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበ፣ ሃየ እምበር ብሓባር ኴንና ምሕላምን ተስፋ ምግባርን ንቐጽል” ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።