2022.11.26 Mons. Noël Treanor, nunzio apostolico presso l’Unione Europea 2022.11.26 Mons. Noël Treanor, nunzio apostolico presso l’Unione Europea  

ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ምእንቲ ዝዓረፉ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መበር ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ጸልዮም

ኣብ ቤትጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ሃገረ ኣየርላንድ ናብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተኻየደ መደብ፣ ዋና ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር፣ ንህይወትን ውርሻታትን እቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኖኤል ትሬኖር ዘኪሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቤትጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ሃገረ ኣየርላንድ ናብ ቅድስቲ መንበር ንዝኽሪ እቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኖኤል ትሬኖር ንምዝካር ኣብ ዘካየዶ መደብ፣ ጸሓፊ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ከም ፈታዊን ብጻይን በዓል መዚ ሃገር ቫቲካንን  ከምኡውን ነቲ ብሃይማኖታዊ እምነት ተደሪኹ፣ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ምስረታ "ውጥን ኣውሮጳ" ንምድንፋዕ ዝገበርዎ ቘራጽነት ውን ዘከሩ። ሊቀ ጳጳሳት ትሬኖር ብዕለት 11 ነሓሰ 2024 ብሃንደበት ቅድሚ ካብ ድካም እዛ ዓለም ቅድሚ ምሕላፎም፣ ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዀይኖም ኣገልገሉ። ብፁዕነቶም ኣብ ዳውንን ኮኖርን ኣይርላንድ ልሂቕ ሊቀ ጳጳሳት ኢዮም ዝንበሩ፣ ቅድሚኡ ግና ዋና ጸሓፊ ሕሽማግሌ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ኣብቲ መደብ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ነቲ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ትሬኖር ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን ንዝነበሮም ውዕዉዕ ስምዒትን ጽንዓትን ኣመጎሱ፣ "ቤተ-ክርስትያን ኣብ ውጥን ኣውሮጳ ፍሉይ ኣበርክቶ ከም ዘለዋ ብምእማን፣ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ግደ ዝወሰደ፣ እዚ ኣበርክቶ እዚ ድማ ንመጻኢት ኣህጉር ኤውሮጳ ሰባትን ጓሶት እምነትን ነቲ ዓብዪ ራእይ ዘምጽአ መሰረታዊ ሜመያን ስርዓታትን ንምዕቃብ ደኺመ ዘይብል ጻዕሪ ክገብሩ ዝሓትት እዩ ዝንበረ"። 
ሊቀ ጳጳሳት ትሬኖር ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝፈጸምዎ ተልእኾ ብተዛማዲ ንሓጺር እዋን ጥራይ ከም ዘገልገሉን ንመጻኢ ብዙሕ መደባትን ሓሳባትን ነቶም ዝተክእዎም ከም ዝገድፉ ውን ዝነበሮ ተዘክሮ ኣካፈሉ "ተዘክሮኡን ኣብነቱን ግን ይቕጽል ኢዩ ዘሎ፣ ንዓናን ንዅሎም እቶም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ወንጌል ካብ መበቈል ኣይሁድን-ክርስትናን ብምኹኑ፣ ኣውሮጳ ኣኽቢሮም ዝርእይዎን ዝካፈልዎን ምንጪ ምትብባዕ ክኸውን ኢዩ ዝንበረ።"

ሊቀ ጳጳሳት ጋለገር ብዕልት 25 ሕዳር 2014 ኣብ ስትራዝቡግ ፈረንሳ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ንፓርላማ ኤውሮጳ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እተዛረብዎ ቓላት ጠቒሶም፣ ነቲ ሊቀ ጳጳሳት ትሬኖር ኣብ ዲፕሎማስያውን ጉስነታውን ርክባቱ ዘንጸባረቖ መንፈሳዊ ተጸምዶ ኣቃልሑ ። "እዚ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዩ፣ ጸገማትና ንዅሉ እቲ ኣውሮጳን መላእ ዓለምን ዜሕልፎ ዘሎ ፍርሂ ንምስዓር ኣብ ምዕያይ ሓያል ሓይሊ ሓድነት ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣብ ምትእምማን እተመስረተ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ እከይ ናብ ሰናይ፣ ንሞት ከኣ ናብ ህይወት ዚልውጦ፣ ጐይታ ዝሃበና ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዩ። ናብ ጽኑዕ እምንቶ ናይቶም መስረትቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንምምላስ ዘተባብዕ መልእኽቲ ኢዩ፣ እዚ ድማ ተሳትፎ ኣብ ምድልዳል ከምኡውን ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት እዛ ኣህጉር እዚኣ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ምምዕባል ብሓባር ናይ ምዕያይ ክእለት እተመስረተ መጻኢ ክህልዋ ዝሓስቡ መስረትቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኢዩ። ኣብ ማእከል እዚ ህርፋን ስልጣን ዘለዎ ፖለቲካዊ ውጥናት ኣብ ሰብ ከም ዜጋ ወይ ቍጠባዊ ወኪል ዘይኰነስ፣ ኣብ ሰብኡትን ኣብ ሰብኡትን ከም ልዑላውነት-ክብሪ ዘለዎም ሰባት ኣብ ምትእምማን እዩ ዝነበረ።"

09 Sep 2025, 18:40