ምርኢት “ሽርክነት ምድሪ” ንፍጥረት ህጹጽ ክንክን ከም ዘድልዮ የጉልሕ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ምርኢት “ሽርክነት ምድሪ” ካብ ዕለት 10 መስከረም - ክሳዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ሮማ ኣብ ካስትል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ይርአ ኣሎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ምረቓ እቲ ንነባሪ መጻኢ ትምህርቲ ንምውፋይ ዝዓለመ ተበግሶ፣ ደቂ ሰባት "ኣብ መንጎ ፍጥረታት ዘለዉ ፍጥረት" ከም ምዃኖም መጠን፣ ኣትክልትን እንስሳታትን ናይ ምዕቃብን፣ ንፍጥረት ናይ ምክንኻንን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣጕልሐ።
ጕዕዞ ስነ-ጥበብን ቀጻልነትን
እቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ መደበር ራድዮ ቫቲካን ዝቐረበ ምርኢት፣ ካብ 28 ሃገራት ዝመጹ ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም ስነ-ጥበባውያን ዘዳለውዎ፣ 55 ናይ ማልቲሜድያ ውጥናት ዝሓዘ እዩ። ዕላማኡ ብዛዕባ ፍርህን ተስፋታትን ናይ ሥነ ኣከባቢያዊ ቅልውላው ዘጋጥሞ ዘሎ ወለዶ ንምስትንታን እዩ።
እቲ ብተዓወትትን ናይ መወዳእታ ውድድር ዛዘምትን ዓመታዊ ውድድር ምርኢት ሽርክነት ምድሪ ዘዳለውዎ ስርሓት፣ ነቲ ናይ ሸለልትነት ተግባራት ዘምጽኦ ሳዕቤን ዘጕልሕ፣ ሓያልን ህጹጽን መልእኽትታት ከመሓላልፍ ከሎ፣ ካልኦት ከኣ ጽባቐ ተፈጥሮ ብኣኽብሮት ዘንጸባርቕ ኢዩ።
ብፁዕ ካርዲናል ፋቢዮ ባጆ ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ንምትብባዕ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓያል ትምህርታዊ ዋጋ ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፣ ነቲ ምርኢት ዘለዎም ሞሳ ገለጹ። "ነዚ ምርኢት እዚ ኣብ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ክንቅበሎ ብምኽኣልና፣ ኣዚና ኢና ተሓጒስና" ድማ በሉ። "እዚ ኣብ ምምስራት ኰነ ኣብ ንጽህና ሥነ ኣከባቢ እትሳተፉሉ መገዲ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሕመረት ተልእኾ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ኢዩ።"
"እዚ ምርኢት እዚ ድምጺ ናይቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ብዙሓት መንእሰያት፣ ናብ ማእከል ዘምጽእን፣ ንሳቶም ከኣ ብስእልታቶም ኣቢሎም፣ ንቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየርን፣ ነዛ ሎሚ ዘላ ፕላኔትና ሓባራዊት መንበሪትናን ዘጋጥማ ዘሎ ብዙሕ ጸገማትን ኣጕሊሖም እዮም" በሉ።
እዞም ምኽትል ዋና ጸሓፊ ምስ መንእሰያት ወለዶታት ዝርርብ ምምዕባል ኣድላዪ ምዃኑ እውን ኣጕልሑ።
"በቲ ተነቃፊነቶም ምስቶምንሓባራዊ ት ቤትና ኽንከናኸን ዘቕርቡልና ጻውዒት ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ምእንቲ ኽርድኡ፣ ምስቶም ንትምህርቲ ናብዚ ዝመጹ ብዙሓት መንእሰያትን በጻሕትን ክንራኸብ ተስፋ ንገብር" ውን በሉ።
እቲ ሽዱሽተ ዓመት ይገብር ብሽርክነታዊ ሥነጥበብ ዝተባህለ ናይ ፈጠራታት ትካል እተመስረተ ዓመታዊ ውድድር ናይ ምድሪ ሽርክነት ሽልማት፣ ናብ ሳዕቤን ሸለልትነት ደቅሰብትን ከምኡውን ናብ ጽባቐ ተፈጥሮን ተጻዋርነቱን ኣቓልቦ ዝስሕብ ስእልታትን ቪድዮታትን ኣዳልዩ ይርከብ ኣሎ።