2025.09.24 ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፥ መዓልቲ ኢዮቤል ማርያማዊ መንፈሳውነት 2025.09.24 ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፥ መዓልቲ ኢዮቤል ማርያማዊ መንፈሳውነት  

ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፥ መዓልቲ ኢዮቤል ማርያማዊ መንፈሳውነት

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ደጋፊ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ፊሲከላ ኣብ መንበረ ጥበብ ሉምስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንማርያማዊ መንፈሳውነት ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ኣማእኪሎም ነቶም ዝሓለፉ ንዝተፈላለየ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝተወፈዩ መዓልታት ኢዮቤል ገምጋብ ከም ዘቕረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ጓልቲየሩ ከም እተሳተፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ካብ ዕለት 11 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2025 ዓ.ም. ዝበዓል ንማርያማዊ መንፍሳውነት እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ልዕሊ 30 ሚልዮን ነጋድያን ናብ ሮማ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ናይ ከተማ ሮማ ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ ሮበርቶ ማሱቺ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ሮማ ሉምሳ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ክሳብ ሕጂ ይብሉ ደጋፊ ህየንተ ናይ ስብከተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ፣ "እቲ መስርሕ ብጽቡቕ ክሰርሕ ዘኽኣሎ ተመላላእነት ምዃኑ” ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ናይ ሰላም ኣውያት ንዓለም

ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.  ንኽዛዘም ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፣ ገና ብዙሕ ዕድላት ናይ ተስፋ ንግደት ኣሎ። "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ ኣጋጣሚ ንማርያማዊ መንፈሳውነት ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፡ ቅዱስ ሓወልቲ ቅድቲ ማርያም ዘፋጢማ ብፍሉይ መልክዑ ዝህልወሉ፡ ንጽዑቕ ጸሎት ምንቲ ሰላም ክውፈ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም -  ምስ በሉ - እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክዝርግሕዎ ዝደልዩ ኣውያት ሰላም ኣብቲ ክበጽሖ ዘለዎ ቦታ ምእንቲ ክበጽሕ ብልክዕ ዓቢ ተሳትፎ ንጽበ" እንክብሉ ኣስሚሮም፣ በዚ ኸኣ ቅዱስ ዓመት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሮማ ዝስሕብ ዘሎ መንፈሳዊ ፍጻመ ምዃኑ ኣረጋጊጾም። ከምኡ’ውን ዝለዓለ ጥርዙ ምናልባት ኢዮቤል መንእሰያት ክኸውን ይኽእል እንክብሉ፣ እዚ ድማ ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ዝመጹ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሮማ ዝገበርዎ ንግደት መሰረት ምዃኑ ኣብ ዝሃብዎ ገምጋም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከንቲባ ሮማ ጓልቲየሪ፡ ዓመተ ኢዮቤል ንልቢ ከተማ ሮማ ዝዛረብ እዩ

ብምኽንያት እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እተኣወጀን እተኸፍተትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝቕጽልዎን ዝዛዝምዎን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.  እቲ እተገብረ ናይ ትሕተ ቅርጺ ስራሓት ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ፍጻሜ "ንልቢ እታ ከተማ ዝዛረብ ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕደረላ ምዃኑን ነታ ከተማ ብዝተፈላለየ መዳይ ንኽትቅየር እውን ዝገበረ ምዃኑ ኣብቲ ዝተዋህበ መግለጺ ዝተሳተፈን መደረ ዘስመዐን ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ሮበርቶ ጓልቲየሪ ሓቢሩ፣ "ኢጣልያ ኣብ ምእንጋድን ምቕባልን ክትርከብ እንከላ ጽባቔኣ ኣዚዩ ይደምቕ . . .  እቲ ቅዱስ ዓመት ንድሕንነት ከም ዝድግፍ እውን ኣመላኺቱ፣ ብእደ ጥበባዊ መዳይ ብዙሕ ለውጢ ክህሉ ገይሩ እዩ፣ ይኹን እምበር ጽባቐና ንኸነርኢ ሓጊዙና እዩ፣ ብተወሳኺ እውን ብዓይኒ ኣህጉራዊ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘለናሉ እዋን ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ፣ "ኣብዛ ውግእን መልእኽትታትን ቃላትን ጽልእ ዝመልኣ ዓለም ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዘምጽኦ ሰላምን ሓቛፍነትን ብፍላይ ከኣ እቲ ንመንሰያት ተወፍዩ ዝነበረ መዓልቲ ኢዮቤል ሮማ ንመላእ ዓለም ባህ ዘብል ዜብል መልእኽቲ ተስፋ ዘመሓላለፈትሉ ህሞት እዩ ነይሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ዝካየድ ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል

ካብ 26 - 28 መስከረም ዝካየድ ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ እተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ካብ 115 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 20,000 ዝግመቱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ነጋድያ ተስፋ ናብ ሮማ ከም ዝኣትዉን እዚ ነቶም መዓልታዊ ኣብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክርስቶስ ዝዋፈሩ ዝውፈ ናይ ኢዮቤል መደብ ብፍላይ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ሰበኻታት ሃገራዊ ቤት ጽሕፈታት ኣገልግሎት ትምህርቲ ክርስቶስን ብሓፈሻ ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ዝውክሉ ምዃኖም ሊቀ ጳጳሳት ፊዚከላ ኣብ ዝሃብዎ መግከጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 Sep 2025, 17:31