ቅድስቲ መንበር ምብዛሕ ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ምክልኻል ግብረ ገባዊ ግዴታ ምዃኑ ተተሓሳስብ ቅድስቲ መንበር ምብዛሕ ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ምክልኻል ግብረ ገባዊ ግዴታ ምዃኑ ተተሓሳስብ 

ቅድስቲ መንበር ኣብ ዋዕላ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሓላፊ ጉዳያት ብዝሓ ጎናውነት የኔታ ዳንኤል ፓቾ ኣብ መበል 69 ሓፈሻዊ ዋዕላ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ወሰኽ ወተሃደራዊ ወጻኢታት “ንውርደት ኹሉ ሰብኣውነት ” ዝውክል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንኸይበዝሕ እናኸልከለ፡ ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ኑክልየሳዊ ጸዓት ምርግጋጽ፡ “ግብረ ገባዊ ግዴታ” እዩ” እንክብሉ ነዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለዋ መርገጺ ዕለት 16 መስከረም ኣብ መበል 69 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝሓበሩ የኔታ ዳኒኤል ፓቾ ኣብ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ብዝሓ ጎናውነት ንተጋባእያን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ቅድስቲ መንበር ንኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ዋና ሓላፊ ራፋኤል ማርያኖ ግሮሲን ኣባላትን “ዋላ’ውን ኣብ ፈታኒ ኩነታት እንተኾነ ነቲ ዘይሕለል ዕዮኦም ዘለዋ ኣድናቖት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ወጻኢታትን መሰረታዊ ድሌታትን ዘሎ ንጽጽር

ግዴታ ምክልኻል ምብዛሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዘመን ርኡይ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባልን ንምውህላልን ክቡር ጸጋታት ምምዳብ  ምስቲ ኣብዛ መሬት ብዙሓት ሰባት ንኽነብሩ ምስ ዝገብርዎ ቃልሲ ዘይሰማማዕ ዝጻረርን እዩ” ዝበሉ የኔታ ፓቾ ኣስኣስዒቦም፣ ብፍላይ ኣብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝውስኽ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ስክፍታኦም ኣቕሪቦም፣ “ዓቢ ኒዩክልየሳዊ ግጥም ኣብ ልዕሊ ሕይወት ደቂ ሰባት ዘይዕረን ኣዕናውን መዳርግቲ ዘይብሉ ጽልዋ ከም ዘስዕብ ዘጠራጥር ኣይኮነ፣ ስለዚህ ብሓፈሻ ንደቂ ሰባት ውርደት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ካብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን

መበል 80 ዓመት መጥቃዕቲ ኒዩክልየሳዊ ቦምባታት ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ብምዝካር፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መስራቲ መትከላት ሕቡራት ሃገራት፣ ህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ምፍታሕ ኣጽዋርን ተወፋይነት ከምዘለዋ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፣ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር “ብባህርያቱ ዘየማርጽ፡ ዘይመጣጠንን ብመሰረቱ ምስ ሰብኣውን ስነ - ምግባራውን መትከላት ዘይቃዶ እዩ። ብተወሳኺ፡ ምውናንን ምኽዛንን ንፍርሒ ዝያዳ ዘጋድድ ዘይምኽኑይ ግብረ መልሲ ከለዓዕልን ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋታት ክፈጥርን ጥራይ እዩ ዝኽእል፣ ስለዚ ቅድስቲ መንበር ከም ናይ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA)ን ናይ ምክትታል ተልእኾታትን ናይ ምርግጋጽ ንጥፈታትን ምኽባር፣ ሎሚ ብደረጃ ዞባን ዓለምን ዳግማይ ዘተ ንምጅማር፡ ሰላም ንምህናጽን ጸጥታ ንምርግጋጽን ዘድሊ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዳግማይ ንምህናጽ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ተተሓሳስብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስክፍታታት ካብ ዩክሬን ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ

ብዛዕባ እቲ “ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኲናትን፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ ቅልውላውን

ከም ዘተሓሳስብ ገሊጾም፣ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኑክልየሳዊ መሳለጥያታት ኢራን ናብ ዝያዳ ምብራኽ ዘስግእ ግጭት ክመርሕ ዘክእል ዕቑር ሓይሊ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ተሃዋሲ ይገብሮ - ቢሎም - ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምጥቃስ፣ “ንብዝሓ ጎናውነት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ሓድሽ ህይወት ምሃብ የድሊ፣ ከምኡ’ውን ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ኣህጉራዊ ትካላትን ብሓንሳብ ድማ “ምፍራይ መሳርሒታት ጥፍኣትን ሞትን ምባል ይግባእ - ቢሎም -  በዚ መንጽር ህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ‘ኣብነት ብዝሓ ጎናውነት’ ኮይኑ፡ ኣብዛ እናተበታተነት እትኸይድ ዘላ ዓለም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣

ንሰብኣዊ ጉዳያት ኑክልየሳዊ ኣጠቓቕማ

ኣብ መወዳእታ የኔታ ፓቾ፡ ኣብ ሕክምና፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር፡ ሕርሻ፡ ምሕደራ ማይን ጸዓትን ንሰላማዊ ዕላማታት ኒክልየሳዊ እደ ጥበብ ምጥቃም ዝብል ኣመለኻኽታ ብፍሉይ ኣጉሊሖም፣ “ከምዚ ዓይነት ኣጠቓቕማ ኩሉ ግዜ ኣብ ስነ - ምግባራዊ መትከላት ዝተመርኮሰ ናብ ድልዱል ስርዓተ - መምርሒታት ክምራሕ ኣለዎ፡ ማለት ድሕነት፡ ግሉጽነት፡ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ፍትሕን ሓልዮት ፍጥረትን ዘማእከለ እንክብሉ ከም ዘነጸሩ የመላኽት።

20 Sep 2025, 17:54