መዓልቲ ኢዮቤል መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ መዓልቲ ኢዮቤል መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ 

መዓልቲ ኢዮቤል መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ

ኣብቲ ካብ ዕለት 26 – 28 መስከረም ዝበዓል ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. መዓልቲ ኢዮቤል መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ልዕሊ ዕስራ ሺሕ ነጋድያን ተስፋ ንኽሳተፉ ከም እተመዝገቡን ድሮ ኣብ ሮማ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መምሃራን ትምህርተ ርክስቶስ ኣብቲ ካብ ዕለት 26 – 28 መስከረም ኣብ ዝበዓል መዓልቲ ኢዮቤል መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሮማ ከም ዝኣተዉን ካብ 115 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 20 ሺሕ ነጋድያን ተስፋ ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ዝሳተፉ መዓልታዊ ኣብ ኣገልግሎት ትምህርተ ክርስቶስ ዝዋፈሩ፡ ኣብ ኩሉ ዕድመን ጽፍሒ ህይወትን ንዝርከቡ ሰባት ትምህርተ ክርስቶስ ዝምህሩን ኣብ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሃገረ ስብከታት ኣብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ትምህርተ ክርስቶስ ዘገልግሉ ንጉባኤታት መንበረ ጵጵስና ዓዶምን ዝውክሉ እዮም፣
ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ዝተወፍየ ካብ ዕለት 26 – 28 መስከረም ዝካየድ መዓልቲ ኢዮቤል፣ እቶም ካብ መላእ ዓለም ዝተአዋጽኡ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 26 መስከረም ብቅዱስ ኣፍደገ ንምሕላፍ ነጊዶም ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ ዘሰርክን ኣስተንትኖን ከም ዝሓበሩን ኣብ እቲ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ዘዘንትው ካብ ሉቃ 24፡ 13 - 33 መሰረት ኣብ ዝተኻየደ መደብ ኣብ ካልኣይ ክፋል፣ ሰለስተ  ካብ ኢጣልያ፡ ሞዛምቢክን ሜክሲኮን ዝመጹ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰባት ናይ ኣገልግሎት ውልቃዊ ተመክሮታቶም ከም ዘካፈሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ቀዳም ዕለት 27 መስከረም እቶም ልዕሊ 20 ዝግመቱ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣብ ዝልግስዎ ናይ ኢዮቤል ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም እተሳተፉን ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 16፡00 ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ሮማ ብጳጳሳቶም ተመሪሖም ነጊዶምን ኣብቲ ብቋንቋ መሰረት ኣብ እተወደበ ጉጅለ ኣብ ዝቐረበ ትምህርተ ክርስቶስ ከም እተሳተፉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰንበት ዕለት 28 መስከረም ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩን እቶም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝለኣኹ ሕጹያት ወንጌላዊ ልኡካን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ትእምርቲ ጸዋዕታኦም ካብ ቅዱስነቶም መስቀል ክቕበሉ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

27 Sep 2025, 17:47