2025.09.12 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት፡ መጻኢ ኣብ ክብርን ሓቅን እዩ ዝህነጽ! 2025.09.12 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት፡ መጻኢ ኣብ ክብርን ሓቅን እዩ ዝህነጽ! 

ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት፡ መጻኢ ኣብ ክብርን ሓቅን እዩ ዝህነጽ!

ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት 2025፡ ኣብ ከተማ ሮማ ካብ ዕለት 12 – 13 መስክረም ተዓወቲ ሽልማት ኖቤል፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጋዜጠይናታትን ምሁራትን ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ሕውነት ንሰላማዊ መጻኢ ዝኸውን ሓሳባትን ክስዓብ ዘለዎ ተግባርን ከም ዘካፈሉን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ሰብ ምዃን ክበሃል እንከሎ ብሓያላት ክትታለል ምፍቓድ ማለት ዘይኮነስ ክብረት ምሕላው ማለት እዩ። ንሓቂ ንረብሓታት ንምዕምጻጽ ዘይኰነስ ነቲ ሓራ ዜውጽእ ሓቂ ንምንባር፣ ንምድሪ ከም መዐደኒ ንምምዝማዝ ዘይኰነስ ከም ሓባራዊ ቤት ንምሕላው እዩ" ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዓውደ ርክብ ከም እተሰመረሉ የመላኽት።

ሰብኣዊ ሕውነት ዘማእከለ ሲኖዳዊ መስርሕ

እቲ ዕላማ ጽኑዓት ነጥብታት ንምቛም ዘይኮነስ "ኣብ ሰብኣውነት ዝምልከት ሲኖዳዊ መስርሕ" ንምቕጻልን ሕውነት ረቒቕ ሓሳብ ዘይኮነስ ውጅሂ ካልኦት ዝመልስ፡ ንግርጭታት ናብ መሃዛዊ ጸዓት ዝቕይር፡ ሓቀይና ናጽነት ማዕርነትን ፍትሓውን ዝገብር ተመክሮ” ምዃኑ ዝተሰመረሉን፣ ዓለም ትንተናታት ዘይኮነስ ፍወሳታትን፡ ፈውስን፡ ምትእምማን፡ ጭቡጥ ሕውነትን እዩ ዘድልያ . . . “እቲ ዕላማ ኣብ ዓለም ኵላዊ ሕውነት ንኽህሉ ዘኽእል ሓድሽ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን መሰረተ እምኒ ምቕራብ ዝብል እዩ . . .  እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ "መትከል ኵላዊ ሕውነት ታሪኽ ናይዚ ዘመናዊ ለውጢ ንምጽሓፍ ዝሕግዝ ማዕቀፍ ብሃናጺ ኣገባብ፡ ንሰባት ዘቕንዐ፡ ንፍልልያት ዘኽብር፡ ምስ ፍጥረት ዝሰማማዕ፡ ከምኡ'ውን ውሕስነት ናጽነትን ማዕረ ክብርን ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ" ከቕርብ ስለ ዝኽእል እዩ። በዚ መንጽር እዚ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎቶም ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፣ "ከም ሓደ ህዝቢ፡ ከም ኵላትና ኣሕዋት ብሓባር ናብ ኣምላኽ ንኺድ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር" እንክብሉ ምስ ዘቕረብዎ ዕድመ ዝሰማማዕ እዩ” ዝብል ሓሳብ እውን ከም እተቓለሐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ክብሪ ጠረጴዛ ዘተ

ዕለት 12 መስከረም ኣብ መንጎ ሕውነትን ጭቡጥ ስጉምትን ዘሎ ኣድላዪ ሕብረት ዘስተንትን ኣብ 15 ነጥብታት ዝተሰረተ ናይ ክቢ ጥረጴዛ ዘተ ከም እተኻየደን ነፍሲ ወከፍ እቲ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ካብ ሕርሻ ክሳብ ስነ - ጥበብን ስነ- ጽሑፍን፡ ካብ ቁጠባን ክሳብ ምምሕዳር ከባቢ፡ ካብ ትምህርቲ ክሳብ ሓበሬታ፡ ካብ ስራሕ ክሳብ ስፖርት ዘተኮሩ ዓውድታት ዘጥቓለለ ኮይኑ፣ ኣብ በብዓውዲ ህይወትን ዕዮታትን ክትግበሩ ዝኽእሉ ጭቡጥ እማመታት ብምቕራብ ከም እተዛዘመን፣ ኣብዚ ኣኼባታት ካብ ትካላት፣ በርገሳዊ ማሕበራት፣ ምሁራት፣ ከምኡ እውን ካብ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ዝመጹ ወከልቲ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንኹላትና ዝኣስረና ሱር ሰብኣውነት

ኣባ ኦኬታ "ዋጋ ሕውነትን ነቲ ንኹላትና ዝጥርንፍ መሰረታዊ ሰብኣውነትን ንምጉላሕ ዝዓለመ መደብ ምዃኑ ገሊጾም፣ ሎሚ ሰናይ ንምምራጽ ተወፋይነት ናይ ዘለዎ ማሕበረሰብ ኣእምሮን ልብን የድልየና።" እዚ ዝተፈላለየ መደብ ዘተ ኣስዒቡ፣ ምስቶም ኣብ ዙርያ ንዘተ ዝኸውን ቦታታት ዝቖሙን ንማሕበረሰብ ዝቐረጹ ድሮ ገለ ጭቡጥ እማመታት ብሓቂ ፍረ ናይ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ባህላውን መንፈሳውን መስርሕ እዩ፡ ሓቀይና 'ሲኖዳዊ ጉዕዞ' ዘጉልሕ እውን ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብር።

“ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት” ምስ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል

እቲ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 13 መስከረም ከም እተዛዘመን፣ ናይ ከተማ ሮማ ሕንጻ ከንቲባ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፣ "ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት" ብተዓወቲ ሽልማት ኖቤልን ወከልቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ተመሪሑ ከም ኣተኻየደን እቲ ውጽኢት ናይ’ቲ ዘተ ዝተገብረሉ መደባት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣሳታፊ ዝኾነ፡ ሰብ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑን፡ ዝተፈላለየ ባህልታት፡ ታሪኽን ሃይማኖታትን ዘለዎም ሰባትን ህዝብታትን ዘራኽብ ምትእስሳርን ንምልላይ ዝዓለመ እውን ከም ዝነበረን እቲ ጉባኤ ብጀካ ካርዲናል ጋምቤቲ፡ ሞዛምቢካዊት ንጥፍቲ ፖለቲከይና ሚኒስተር ትምህርትን ባህልን ነበርን ሓባራዊት ኣደ መንበር ናይ ማሕበር ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ግራሳ ማቸል ማንዴላ፡ ከምኡ’ውን ፊሊፒናዊት ኣመሪካዊት ጋዜጠይና ተሰላሚት ኖበል 2021 ዓ.ም. ማሪያ ረሳ ዘሳተፈ ኣውን ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ባህላዊ ፍጻመ

ቀዳም ምሸት ተሳተፍቲ ብቅዱስ ኣፍደገ ሓሊፎም፣ "ጸጋ ንዓለም" ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ዓለም ለኻዊ መደብ ምርኢት ከም እተኻየደን እዚ መደብ እዚ ብዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓን ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ኮይኑ፣ መሰኻኽርን ስነጥበባውያንን ኣብ መድረኽ እናተቐያየሩ ቀጥታዊ ሙዚቃዊ ምርኢታትን ቃል ምስክርነትን ከም ዘቕረቡን እዚ መዘምራን ሃገረ ስብከት ሮማን፣ ዓለምለኻዊ መዘምራንን ዘሳተፈን፣ ብተወሳኺ ካብ ሲስቲና ቤተ ጸሎት ብዝመጹ ምስልታትን ዝተሰነየ ብሰብ ኣልቦ ናይ መብራህቲ ምርኢት ከም ዝቐረበን እዚ ኸኣ "ስነ - ጥበባዊ ፍጻመ ጥራይ ዘይኮነ፣ "እዚ ምርኢት እዚ እቲ ዘተ ዝተገብረሉ ነጥብታት መሰረት ዝገበረ እውን ምንባር ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ጋምቤቲ ንማዕከታ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ "ሕውነት እውን ከመይ ጌሩ መልሲ ናይቲ ኣብ ታሪኽ ዝኣተዉ ማእለያ ዘይብሎም ተለዋዋጢ ነገራት ኣብ ሕቶ ዘእትዉናን ዝፈታተኑናን ኣብ ቀረባ እዋን ከም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምትዕራቕ ባህታ ክኸውን ከምዝኽእል ንምጉላሕ ዝሓቀነ ዓውደ ርክብ ምንባሩ ሓቢሮም፣ ስለዚ ብፍላይ "ትርጉም" ናይዚ ተበግሶ "ብልክዕ መጻኢ፡ መጻኢ ንህይወትና፡ ከምኡ'ውን ንህይወት መንእሰያት ወለዶታት ከይተረፈ ምድላይ ዝብልን፡ በዚ ምኽንያት እዚ "እቲ እተፈላለየ መደብ ዘተ ነቲ ኣብ ሕውነታዊ ምትእስሳርን ንጥፈታትን ንምትርጓም ዜኽእል ሓሳባትን ተበግሶታትን ንምቕራብ እውን ዝፈተነ እዩ” ኢሎም።

15 Sep 2025, 16:48