ካርዲናል ፋረል፡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን 'ብዋጋ ዘይሽነን ሃብቲ' እዮም ካርዲናል ፋረል፡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን 'ብዋጋ ዘይሽነን ሃብቲ' እዮም  (Vatican Media)

ካርዲናል ፋረል፡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን 'ብዋጋ ዘይሽነን ሃብቲ' እዮም

ካርዲናል ኬቪን ፋረል ኣብ ናይ ኢየሱሳውያን ቤት ጠቕላሊ ሓለቓ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ጉባኤ ጉስነት ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ መደረ፣ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ‘ንህዝቢ ኣምላኽ ብዋጋ ዘይሽነን ሃብቲ’ ምዃኖም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣረጋውያንን ኣረጋውትን መጻኢ ቤተ ክርስቲያን እምበር ሕሉፍ ታሪኻ ጥራይ ኣይኮኑን: ተመኩሮኦምን ሱር ዝሰደደ እምነቶምን ጥበቦምን ንመላእ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ጉዕዞኦም ብዋጋ ዘይሽነን ሃብቲ እዩ” ብዝብላ ናይ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምዕዳን ብምቅላሕ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ቤት ላዕለዋይ ሓለቓ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ጉስነት ኣረጋውያንን ኣረጋውትን መኽፈቲ ዘስምዕዎ መደረ ኣበጊሶም ንጳጳሳትን ጓሶትን ኣብ ጉስነት መዳይ ዝሰርሑን ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ልኡኻትን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ንዝርከቡ ኣረጋውያን ንምኽባርን ንምድጋፍን ዳግማይ ተወፋይነት ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስጋና ንኹሎም እቶም ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘገልግሉ

“ኣብ ኣገልግሎት ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንእታውፈሩ፡ ልባዊ ምስጋናይ አቕርብ፡ እቲ እትሰርሕዎ ስራሕ ኣገዳሲ እዩ፣ ብሓቂ ንስኻትኩም ኢኹም፣ ብዛዕባ መዓልታዊ ህይወት ኣረጋውያን፣ ምስ ሓጐሶምን ተስፋታቶምን ቃልሶምን ብቐጥታ ተመክሮ ዘለኩም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሪሕነት ጥራይ ዘይኰነስ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ቤተ ክርስቲያናዊ ትውፊት ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፡ ኣረጋውያን ኣብ ጉስነት ቀዳምነት ክወሃቦም ኣለዎም ዝብል ኣፍልጦ እናዐበይ ክኸይድ እውን ይገብር . . . "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣረጋውያን ኣብ ማእከል ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣገልግሎት ከም ዘንበርዎም፣ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ከም ዘቖሙን እውን ብምዝኽካር፣ እዚ ጻዕሪ እዚ ቅድሚ ሕጂ ከምዝነበረ ኣስሚሮም። “እዚ ብርግጽ ፍጹም ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፣” ኣብቲ ነዊሕ ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉዕዞ ዘሎ ምዃኑ ብምምልካት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1982 “ፈጠራዊ ተራ ኣረጋውያን” ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘቕረብዎ ጻውዒትን፣ እዚ ራእይ እዚ ድሒሩ ኣብታ ኣብ 1999 ናብ ኣረጋውያን ዝብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝማዕበለ ምዃኑ እውን ገሊጾም፣ በነዲክቶስ መበል 16፡ ብፍላይ ኣብ 2012 ናብ ሓደ ናይ ሮማውያን መዕለዪ ኣረጋውያን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ በዚ መስመር እዚ ከም ዝቐጸሉ እውን ዘኪሮም፣  ‘ብቕዓት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ንኣረጋውያን ብኸመይ ከም ዝሕዙ እዩ ዝምዘን፣ ንኣረጋውያን ቦታ ዝህብ ንህይወት ቦታ ይህብ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብድመ ምድፋእ ፈጺሙ ጾር ኣይኮነን ኩሉ ግዜ ዕድል እዩ

ካርዲናል ፋረል ነዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ንቕሓት ምስ ትምህርቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብፍላይ ድማ ኣብ ምስጢረ ጥምቀትን ሓባራዊ ሓላፍነትን ኩሎም ምእመናን ዘተኮረ ምዃኑ ኣተሓሒዞሞ።

“ልክዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕድመን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት ህይወትን ናይ ጥምቀት ክብሪ ዳግማይ ምርካብ ብባህርያዊ መንገዲ እዩ፣ ኣረጋውያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክጻወትዎ ዝኽእሉን ክጻወትዎ ዘለዎምን መሪሕ ተራ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝመርሕ።” እዚ ኣፍልጦ እዚ፡ ብሰንኪ ለወጢ ስነ ህዝቢ ለውጢ ህጹጽ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፣ "ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ሰፊሕ ነዊሕ ዕድመ ንዕዘብ ኣለና። ሓቀይና ስነ ህዝባዊ ምስግጋር ይካየድ ኣሎ፡ ኣረጋውያን ድሕሪ ሕጂ ውሑዳት ዘይኮኑስ፡ ዓብይን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ክፋል ሕብረተሰብ እዮም" እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ኣብ ኤውሮጳ ልዕሊ ሓሙሻይ ክፋል ህዝቢ ልዕሊ 65 ዓመት ከምዝኾነ ወሲኾም ብምሕባር፣ ኣብ ከም በዓል ጃፓን፡ ኢጣልያን ጀርመንን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ድሮ ኣረጋውያን ርብዒ ህዝቢ እያቶም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፋረል እዚ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም እዩ ዝብል በዳሂ ኣተሓሳስባ ኣቕሪቦም፣ "ብዙሓት ነቲ ተርእዮ ምውሳኽ ኣረጋውያን ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጾር ከም ዝኾነ ጌሮም ብስክፍታ ክጥምትዎ እንከለዉ፡ ንሕና ከም ቤተ ክርስቲያን ንነዊሕ ዕድመ ከም ህያብ ኣምላኽ ኣፍልጦ ንህቦ" "ንሕና ክመሓደር ዘለዎ ህጹጽ ኩነታት ዘይኮነስ ሓድሽ ዕድል ምዃኑ ኢና እንኣምን። ብብርሃን እምነት" "ብዝሒ ዓመታት ምንባር፡ ንኣዋጅ ወንጌል ብውዕዉዕ ስምዒት ንርእስኻ ክትከፍተሉ እትኽእል ናይ ጸጋ ግዜ፡ ከምኡ'ውን ንመላእ ሕብረተሰብ ከም ሃብቲ ክቑጸር ይግባእ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ህይወት ቍምስናታት ዝያዳ ንጡፋት

ካርዲናል ፋረል፣ ኣረጋውያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕይወት ቁምስና ዝያዳ ንጡፋት ኣባላት ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፣ “ሎሚ ብሓቂ፡ ህይወት ጡረተይና ምስ ዘይምንቅስቓስ ኣይጋጠምን እዩ: ብኣንጻሩ መብዛሕትኡ ግዜ ብተወፋይነትን ኒሕን ሃብታም እዩ - ቢሎም - እቲ ጉባኤ፡ ነዚ ሓድሽ ክውንነት ዝህብዎ ጉስነታዊ ምላሽ ንምልላይ ዝዓለመ ምዃኑን፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝግበር ፍታሕ ብምቕራብ ዘይኮነስ ብሓባራዊ መመያ ምዃኑ ገሊጾም፣ “ድሮ ድሉውን ዕሹግን ዝኾነ ኣሰራርሓ ንምቕራብ ዘይኮነስ - ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽን ፍሉይነትን ኣለዎ – እንተዀነ ግን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ናይ ጒስነት ኣገልግሎት ድራኸ ንምሃብ ብሓቂ ብሲኖዶሳዊ መንፈስ ምሳኻትኩም ክንሓስብን ክንመላለስን ንደሊ - ምስ በሉ - ኣብ መወዳእታ ብጽዕነቶም “ጐይታ ነቶም ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዓለምን በረኸት ዝኾኑ ኣረጋውያን እነቕርቦ ኣገልግሎት ይምራሕ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Oct 2025, 17:48