ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ንግዳያት ምቕባልን ምስማዕን፣ ነቲ ሓቂ ምስትውዓል፣ ግህሰት ምክልኻል፣ ንቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ውሕስቲ ቤት ይገብራ” ነዚ ዝበሉ ናይ ጳጳስዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕትን ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቲቦል ቨርኒ፣ ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩን እቲ ዕለት 30 መስከረም ዝተበገሰ ኣብ ሃገር ፖላንድ ከተም ክራኮቪያ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 3 ጥቅምቲ ዝዛዘም ምዃኑ ዜናቭ ኣቲካን የመላኽት።
ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተቓልዕትን ምሕላው
ሊቀ ጳጳሳት ቨርኒ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሊቀ ጳጳሳት ማሬክ ጄድራሰቭስኪ ንመኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዘዕረገው መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘምዕዎ ቃል፣ "ሎሚ ኣሰር ኣሽሓት ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ብምስዓብ ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝነገረና መገዲ ብምስዓብን ስክፍታታት ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣውነትን ንመሓሪ ክርስቶስ ከነረክቦ ኢና መጺእና - ቢሎም ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዘካየዶ ኣገልግሎት ዘኪሮም - ፈለማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝተፈጸመ መዓት ግህሰት ንምምካት ዝተመስረተን ሕጂ ድማ ብተካኢኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ተመሪሕና “ንህጻናትን ተቓላዕቲ ሰባትን ምሕላውን ከምኡ ብምግባር ድማ ብተግባራትናን ምስኦም ብዘለና ኣገባብን ወንጌል ምእዋጅ ዝብል ዕላማ ነሰጒም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ተወፋይነት እዚ ወሲኾም ይብሉ “ንናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ምስማዕ፡ ምስአን ምዃን፡ ምስአን ምጉዓዝን፡ ምትብባዕን ምድጋፍን ናይ ግድን ዘጠቓልል እዩ” ከም ዝበሉ የመላኽት።
ንከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ምድጋፍ
ሳላ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕትን ዝወሃብ ስልጠናን መሳለጥያን እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓፍሻዊ ምሉዕ ዓውደ ኣኼባኡ ኣብ ክራኮቭያ ንኸካይድ ምምራጹን ድማ ምልክት ናይቲ ምስ ናይቲ ከባቢ ኣመንቲ ማሕበረሰባት ዘሎ ምትሕብባርን ቅርበትን እዩ፣ እዚ ኣብዚ ሲኖዶውነት ማዕቅፍ ዘለዎ ጉዕዞ ሓለዋ ጉዕዞ ምስ ከባብያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓቢርና ክንመላለስ ዘለና ድሌት ብጭቡጥ ዘርኢ እዩ። እቲ ዕዳ ንኹላትና ልዑል እዩ: ግዳያት ምቕባልን ምስማዕን: ንሓቂ ምስማዕን ግህሰት ምክልኻልን: ቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ውሑስ ገዛ ምእንቲ ክትከውን።”እዚ ድማ ግብራዊ ደገፍ ይሓትት፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ሰባት መምርሕታት ምክልኻል ንምትግባርን ንጥርዓናት ምላሽ ንምሃብን ዘሰልጥን፣ ንግዳያት፣ ስድራቤቶምን ማሕበረሰቦምን ክንክን ዝህብ” እንክብሉ ብምዝኽካር፣ “እዚ ኩሉ ጻዕርታት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ጳጳሳዊ ሽማግለ ይምርመርን ይግምገምን ንህዝቢ ይግለጽን” እንክብሉ ሊቀ ጳጳስ ቨርኒ ገሊጾም። “ኣብ ቀረባ እዋን ካልኣይ ዓመታዊ ጸብጻብና ክንዝርግሕ ምዃና ብሓጎስ እሕብር ምስ በሉ፣ ዕለት 12 መስከረም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝተኻየደ ርክብን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ መምርሕታትን ኣገባባትን ምሕላው ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕትን ዝምልከት ጸብጻብ ከም ዝቐረበን የዘኻኽሩ።
ጸሎት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
ሊቀ ጳጳስ ቨርኒ ኣብ መደምደምታ መደረኦም ነቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ መካነድ ንግደት ምሕረት ኣምላኽ ተረኺቦም፣ ዓለም ንምሕረት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ስቓይ ከም "ምንጪ ተስፋ" ገይራ ኽትርእዮ ዝብል ዘዕረግዎ ጸሎት ዘኪሮም፣
“ዘለኣለማዊ ኣምላኽ . . . ኣብ ጽንኩር ህሞታት ተስፋ ብዓቢ ርእሰ ተኣማንነት ንቅዱስ ፍቓድካ ክንግዛእ እምበር ተስፋ ከይንቖርጽን ዓቅልና ከይነጽብብን ብሕያውነትካ ርኣየና፡ ምሕረትካ ኣብዝሓልና” እንክብሉ ከም ዝጽለዩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።