ሕጹጽ ኣገዳስነት "ድሕሪ ሕጂ ኲናት ኣይሃሉ!" ዝብል ሰማዒ ዘይረኸበ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ጻውዒት ሕጹጽ ኣገዳስነት "ድሕሪ ሕጂ ኲናት ኣይሃሉ!" ዝብል ሰማዒ ዘይረኸበ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ጻውዒት  ርእሰ ዓንቀጽ

ሕጹጽ ኣገዳስነት "ድሕሪ ሕጂ ኲናት ኣይሃሉ!" ዝብል ሰማዒ ዘይረኸበ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ጻውዒት

ቅድሚ ስሳ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻውይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ድሕሪ ደጊም ውግእ ኣይሃሉ” ዝብል ሰማዒ ዘይረኸበ ጻውዒቶም ሎሚ ሕጹጽ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) “ደጊም ውግእ ኣይሃሉ፡ ደጊም ውግእ ኣይሃሉ!” ዝብል ጻውዒት ዝተሰመረሉ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ጳጳስ ሮማ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣውያት ሰላም ካብ ዘስምዑ ስሳ ዓመት ከም ዘሕለፈን ብልክዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1965 ኣብ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት እቲ ዘይተኣደነ መዓት ዘስዓበ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዘስምዕዎ መደረ ኮይኑ፣ ዓለም ኣብ ክልተ ቀጽርታት ተገሚዓ ናብ ናይ መጀመርታ ፈተነታት ስምምዓትን ምቁጽጻርን ኒዩክየሳዊ ኣጽዋር ዘበለትሉ እዋን ከም ዝምዝነበረን፡ "እዚ ኻብ ርዝነትን ክብርን ከምልጥ ዘይክእል ቃል ካባና ትጽበዩ ኣለኹም፦ ደጊም ንሓድሕድና ጸላእቲ ንኸይንኸውን . . . ድማ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዕላማ እዚ ተመስሪቱ፣ ንሰላምን ኣንጻር ንውግእን!" . . . ርእሰ ብሔር ኬነዲ "ደቂ ሰብ ንውግእ ደው ኬብልዎ ኣለዎም እንተ ዘይኰይኑ ውግእ ንደቂ ሰብ ከጥፍኦም እዩ" ኢሉ እተዛረቦ ንጹር ቃላት ንስማዕ” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቲ ርእሰ ብሔር ኬነዲ ዝሃቦ ፍርዲ ንዅሉ እቲ ዘሕዝን ክውንነት ዜንጸባርቕ እዩ፣ ብፍላይ ኣብቲ ዓለም እተሕልፎ ዘላ ናይ ጸልማት ሰዓት። ብቅልውላው ዝሓ ጎናውነትን ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ትካላትን ኵሉ ሰብ ዝርእዮ ዘሎ ሓቂ እዩ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኪዅንንዎ ዝጀመሩ እናተፈናጀረ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ሕጂ ብዘሰንብድ መገዲ ቀረባ ዘሎ እዩ ዚመስል። ሰብ ነቲ ናይ ቀረባ ታሪኹ ዝረሰዐ እዩ ዚመስል። ብሚልዮናት ዝቝጸር ሓበሬታ ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ ኣብ እተራቐ መረኸቢ ብዙሃን ፍልጠት ዘለዎ ወለዶ ኮይንና ዝስምዓና እውን እንተኾነ ብናይ ሓሶት ሓበሬታ ነጋሪ ኲናት ከምኡውን ሕቡእ ረብሓታት ኣፍረይቲ ኣጽዋርን ነጋዶ ሞትን ዝተኸበብና ኢና።

እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘውረደቶ መጥቃዕቲ ኣብ ማእከል ክርስትያናዊት ኣውሮጳ እተላዕለ ሕውነታዊ ኲናት ከምኡውን እቲ ኣብ ማእከል ቅድስቲ መሬት ጭካነ ብዝመልኦ ግብረ - ሽበራዊ ዓመጽ ሃማስ እተላዕለ ሕጂ ድማ ብሰራዊት እስራኤል ብዘይ ምኽንያት ዓመጽ ዝተመልኦ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክልተ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ብዙሓት ግጭታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ግጭታት እዩ። መዓት ቓዛ፡ ምእሳርን ምቕታልን ጅሆታት፡ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት - ዓሰርተታት ኣሽሓት ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን - ከምኡ’ውን ብዙሓት ሰላማውያን ግዳያት ኲናት ዩክሬን፡ ንግብረ ገባዊ ሕልና ዓለም ዘሕፍር፡ ጸሊም ጉድጓድ ዝውክል እዩ።

ኣህጉራዊ ሕግን ሰብኣዊ ሕግን ክኽበር ጻውዒት የቕርብ ድሕሪኡ ድማ ከከም ብልጫ ናይቲ ዝሓየለ ይትርጎም። ኣብ ቅድሚ እቶም ብዛዕባ ውግእ ዝዛረቡን ንውግእ ዝዳለዉን ኣብ ኣጽዋር ልዑል ሃብቲ ገንዘብ ዘውፍሩን መንግስታት፡ ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ብሬሽያ ሎሚ እውን መሊሱ ይቃላሕ - ካብቲ ቅድሚ ስሳ ዓመት ዝነበረ ሎሚ እቲ ጻውዒቶም ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚኦም ምስ ስምዒታት ህዝቢ ብዕምቆት ዝሰማምዑ ቃላት ኮይኖም፡ በቲ መዓልታዊ እንዕዘቦ ህልቂት ዝቑጥዑ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ዘተን፡ መሃዝነት ኣብ ዘተ፡ ሓድሽ መገድታት ሰላም ናይ ምስዓብ ክእለት ኣብ መወዳእታ ነቶም ኪስዕብዎም ፍቓደይናታት ዝዀኑ ሰባት ኪረኽብዎ ተስፋ ዚገብሩ ሰባት ኣጸቢቑ ዚሰማማዕ እዩ።

ጳውሎስ ሻድሻይ ዕላማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምእዋጅ፡ “ደም ሚልዮናት፡ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ዘይንገር መከራ፡ እቲ ዘይጠቅም ህልቂትን ዘስካሕክሕ መዓትን፡ ነቲ ንመጻኢ ታሪኽ ዓለም ክቕይር ዘለዎ ማሕላ ዘራኽበኩም ስምምዕ ከም ዘጽደቐ ድማ ኣዘካኺሮም፡ ዕጫ ኣህዛብ ኩሉ ወዲ ሰብ ክመርሕ ዘለዎ ሰላም፡ ሰላም እዩ!" ኣይንረስዓዮ - ብፍላይ ሎሚ።

(Andrea Tornielli)

06 Oct 2025, 17:55