ጴጥሮስ ድኻታት ሕመረት ወንጌል ምዃኖም የዘኻኽረና ጴጥሮስ ድኻታት ሕመረት ወንጌል ምዃኖም የዘኻኽረና  (ANSA) ርእሰ ዓንቀጽ

ጴጥሮስ ድኻታት ሕመረት ወንጌል ምዃኖም የዘኻኽረና

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli)እቲ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ወግዓዊ ዝኾነ ቅዱስነቶም ዕለት 4 ጥቅምቲ ዝኸተምዎ Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኩከ ዘርእስቱ ካብ ዝሕረዩ ዝደረስዎ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥ ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14: መሰረታት ክርስትያናዊ ራእይን ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን የቐምጡ እምንክሉ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኩከ ፡ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ኣርእስታ ጀሚሩ፡ ምስቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዳሕረዋይ Dilexit nos - ውእቱ ኣፍቀረነ  (ጥቅምቲ 2024) ብዝብል ኣርእስቱ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ንመቐጸልታኡ ይውክል። ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን፣ ኣብ ትንተና ፍሉያት ጸገማት እውን ዕምቆት ኣይገብርን። የግዳስ፡ ኣብ መንጎ ፍቕሪ ክርስቶስን ናብ ድኻታት ቀረባ ንኽንከውን ዘቕረበልና ጻውዒትን ዘሎ ጽኑዕ ምትእስሳር ብምጉላሕ፡ መሰረታት ግልጸት የቕርብ። ማእከልነት ፍቕሪ ንድኻታት፡ ብሓቂ ኣብ ሕመረት ወንጌል ስለዘሎ፡ ከም ንእሽቶ ስክፍታ ናይ ዝተወሰኑ ጳጳሳት ወይ ናይ ገለ ቲዮሎጊያዊ ዋሕዚታት ተባሂሉ ክውገድ ኣይክእልን፡ ከምኡ’ውን ካብ ክርስትያናዊ እምነትን መልእኽቱን ወጻኢ ዝኾነ ማሕበራውን ሰብኣውን ሳዕቤን ኮይኑ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ።


" ፍቕሪ ጎይታ ምስ ፍቕሪ ድኻታት ይተሓሓዝ" እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ይገልጹ። ስለዚ ፍቕሪ ጎይታን ፍቕሪ ድኻታት ዘይነጻጸሉ እዮም: "ንሓደ ካብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርካዮ ዘበለ ንዓይ ከም ዝገበርካዮ እዩ" ይብል ኢየሱስ። ስለዚ "ኣብ ውሽጢ ኣድማስ ረዴት ኣይኮናን፡ ኣብ ውሽጢ ራእይ ዮሃንስ ኢና ዘሎና: ምስቶም ሓይልን ዕብየትን ዝጎደሎም ርክብ ምግባር ብመሰረቱ ምስ ጎይታ ታሪኽ ምርኻብ እዩ።"
ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ዜሕዝን ክርስትያን ብዓለማዊ ኣረኣእያን ስነ ህልዩን ዘታልል ፖለቲካውን ቍጠባውን ራእያትን "ኪበከሉ" ይኽእሉ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ንድኻታት ዝቐርብ ተወፋይነት ካብ ፍቕርን ኣምልኾን ኣምላኽ ኣቓልቦ ከም ዝሰርቕ ተገይሩ ይሕሰብ፣ እዚ ዘቖጥዕ ኣገላልጻ እዚ እቲ ሰነድ ክሳዕ ክንደይ እዋናዊ ምዃኑ የርእይ፦ "ልግሲ ከም ናይ ሒደት ሰባት ዝተሰመረ ስምዒት ደኣ እምበር ከም ናይ ቤተ - ክርስትያን ተልእኾ ብዘይምርኣይ ብዙሓት ከናሽውዎ ዝከኣል ይኸውን። ምንቲ እዚ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 - "ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኸይንትክኦ ወትሩ ንወንጌል ከም ብሓድሽ ከነንብቦ" ከም ዘሎና የተሓሳስቡ።
በዚ ኸኣ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቕስታትን ርእይቶታት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያንን ኣቢልና ንድኻታት ፍቕሪ "ኣማራጺ መንገዲ" ዘይኮነስ "መዐቀኒ ሓቀይና ኣምልኾ" ዝውክል ምዃኑ ክንዝክር ንድረኽ። ንኣብነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ቃላት ንእዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ዘብርህ እዩ፦ እቲ ቀዳማይ ንኢየሱስ ኣብ ስጋ ድኻታት ከነኽብሮ ይዕድመና፣ ክርስቶስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቁሩብ ወጻኢ ብጥሜት እናተዳኸመ ከሎ ብወርቂ ጽዋዕ ዝመልአ መሰውኢታት ምህላው እንታይ ትርጉም ኣለዎ፤ እቲ ዳሕረዋይ ድማ ንድኻታት "ምስጢራዊ ህላወ እግዚኣብሄር" እንክብል ይገልጾም፣ ንድኻታት ምሕብሓብ ንቅንዕና እምነት ጭቡጥ መርትዖ የርኢ: "ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ዝብል ንጽጉማት ግን ዘይድንግጽ ንሱ ሓሳዊ እዩ!”
ብመሰረት እዚ ምስ ሕመረት ክርስቲያናዊ መልእኽቲ ምትእስሳር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይ Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኩከ  ሓዋርያዊ ምዕዳን፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ዝተጠመቐ ሰብ፡ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻልን ምድንፋዕን ብጭቡጥ ቃል ክኣቱ ዝብል ጻውዒት ዝሓዘ እዩ፡ "ዘበራብርን ዝኹንንን ዘቃልዕን ድምጺ ክስማዕ ምግባር ናይ ኩሎም ኣባላት ህዝቢ ኣምላኽ ግዴታ እዩ።" ዋላ'ውን "ዓሻ" ናይ ምዃን ሓደጋ ኣብ ዝህልወሉ እዋን። እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያናውን ማሕበራውን ህይወት ዓሚቝ ሳዕቤን ኣለዎ: እዚ ሕጂ ዘሎ ቁጠባዊ - ገንዘባው ስርዓትን "ቅርጻዊ ሓጢኣቱን" ዘይተርፍ ኣይኮነን: ስለዚ ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የድሊ፣ "ብሓገዝ ስነ ፍልጠትን እደ ጥበብን: ብመገዲ ምምዕባለን ውጽኢታዊ ሕግታትን ንለውጢ ሕብረተሰብ" ብሓይሊ ሰናይ ዝተፈለየን ዝያዳ ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምሕሳብን ንምህናጽን ቃል ምእታው ይከኣል እዩ።

እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ መጀመርታ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተዳለወ እዩ ነይሩ። ብተካኢኦም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ተቐባልነት ረኺቡ፣ ንሶም ከም ኣባል ሰብ ውፉይ ህይወትን ድሕሪኡ ልኡከ ወንጌል ጳጳስ መጠንን ዝበዝሐ ሕይወቶም ምስቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዘሕለፉን ዝተኻፈሉን፣ ብኣታቶም ወንጌል ክስበኹን ብምፍቃድ” እንክብል ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

09 Oct 2025, 17:52