2025.10.01  ካርዲናል ባጆ፡ ሓንቲ ስድራቤት ክንከውን ንኻልኦት ምሕብሓብ! 2025.10.01 ካርዲናል ባጆ፡ ሓንቲ ስድራቤት ክንከውን ንኻልኦት ምሕብሓብ!  

ካርዲናል ባጆ፡ ሓንቲ ስድራቤት ክንከውን ንኻልኦት ምሕብሓብ!

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዋዕላ እቲ "ስደተኛታትን ተመዛበልትን ኣብ ናይ ሓባር ገዛና፡ ተራን ሓላፍነትን መናብርተ ጥበብ " ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰነየ ዓውደ ኣኼባ ካብ 1 ክሳብ 3 ጥቅምቲ ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ንስደትን ምዝንባልን ጭቡጥ ምላሽ ዝህቡ ውጥናት ንምምዕባል፡ ብደረጃ ትምህርቲ፡ ዝተፈላለዩ ትካላትን መሻርኽትን ብሓባር ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ናይ ሓባር ገዛና፡ ተራን ሓላፍነትን መናብርተ ጥበብ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተመርስሪቱ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ መበቆሉ ካብ ናይጀርያ ዝመጸ ሞሪስ ኤርያረምሂን ብዝሃቦ ምስክርነት ዝተኸፈተ ኮይኑ፣ እዚ ክሳብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ዝቕጽል ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ኣበው ኣጎስቲኒያኑም ዝተኣንገደ ፊላደልፊያ ምስ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ዋዕላ ሱር ጠንቂ ስደትን ምዝንባልን ንምፍታሕን ነቶም ካብ መበቆል ሃገሮም ክወጹ ዝተገደዱ ንምሕጋዝን ዓለማዊ መደባት ስራሕ ንምምዕባል ዝተዳለወ ከም ዝኾነን፣ ኤርያረምሂየን ከም ስደተይና ታሪኹ ክሳብ ናብ ኢጣሊያ ምእታው ንዘሎ ዘጋጠሞ ጸገማት፡ ዝተጻወሮ ኣድልዎ፡ ከምኡ’ውን ካብ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝረኸቦ ደገፍ ኣዘንትዩ። ነቶም ዝሓሸ መጻኢ እንከናድዩ ዝሞቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፔዱዛ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣብ 2016 ብባይቶ ኢጣልያ ዕለት 3 ጥቅምቲ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ስደት ንምዝካር ተጋባእያን ንሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ክገብሩ ከም ዝዓደመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከምቲ ክርስቶስ ዚምህሮ ንድኹማት ምጥማት

ንልዕሊ ክልተ ሚእቲ ተሳተፍቲ ናይቲ ፍጻመ - ምስ ማእከል መጽናዕትታት ስደትን ምዝብልናን ኵለንተናዊ ምሉስ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ባህልን ትምህርትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ማእከል ኣገልግሎት ስደተይናታት ማሕበር ኢየሱሳውያን ማእከል መርሓ ግብሪ ግንዛበ፣ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ኣብ ዓለም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ሽማግለ ጉዳይ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ስካላብሪኒያን ኣህጉራዊ ፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ(IFCU) ላዕለዋይ ሽማግለ ስደተይናታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምትሕብባር ኣብ እተወደበ መደረ ዘስምዑ ናይ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ዓቢይ ሓለቓ ኣባ ጆሰፍ ፋረል ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ከምቲ ክርስቶስ ዝምህሮ ገይርና ነቶም ድኹማት ክንርእዮም ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣመለኻኽታ ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ብክሱት ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሎም መደረ ዘስምዑ ኣብ ፊላደልፊያ ናይ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ኣቦ መንበር ኣጎስጢኖሳዊ ኣባ ፒተር ዶኖሁ እቲ መንበር ጥበብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተመሃራይ ዝነበረሉ ኣብኡ እውን ኣብ 1977 ብስነ ሕሳብ ቀዳማይ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ዝተመረቑሉን ኣብ 2014 እቲ መንበረ ጥበብ በቲ ንሶም ፐሩ ኣብ ዘገልግሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከም ኣጉስጢኖሳዊ ፈላሲ መጠን ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ዝነበሮም መሪሕነትንን ጉስነትን ይተሓባበሮም ከም ዝነበረን እቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን እውን ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከም ዘሳለጠን የሳልጥ እውን ምህላዉ ሓቢሮም። ኣባ ኣርተር ፑርካሮ እቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ተልእኾ ኣብ ናይ ኣጉስጢኖስ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሓቅን ሓድነትን ልግስን እተመስረተ ምዃኑ ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ተመሃሮ ንስደተይታትን ተመዛበልትን ብድንጋጸን ፍትሕን ክብረትን ንኽድግፉ ዘዳልዎም ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣንቶኒ ሰርኔራ ካብ ማእከል ትምህርቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን "ብሓባር ንኽንሰርህን ጽን ክንበሃሃልን መታን ኣብ መንጎና መርበበባዊ ርክብ ክንፈጥር ኣሎና እንክብ፣ ሓጋዚ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኣጉስጢኖሳውን ዝነበሩ ኣባ ኣንቶኒ ባንክስ እቲ ኣብ ኣጉስቲንያኑም ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ "ብርሃን ከምጽእ" ከምኡውን ጭቡጥ ምትሕብባር ከነቓቕሕ ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። ኣብ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ን25 ዓመታት ናይ ስነ ሕጊ መምህርን መስራቲትንን ኣመሓዳሪትን ተቕዋም ስደተይናታት ካብሪኒ ዝኾነት ሚሸል ፒስቶን ነቲ ዕለት 29 መስከረም 2022 ዓ.ም. ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ዘኪራ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ር.ሊ.ጳ. "ስደተይናታት ክንእገዱን ክስነዩን፣ ኪወሃሃዱን ኣለዎም" ብምባል ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ብፍላይ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምምሃር፣ ንምርምርን፣ ምጉስጓስን ኣገልግሎትን ዝኸውን ጸጋታት ከዕብያ ከም ዘተሓሳሰቡን፣ ኣብዚ እዩ ድማ እቲ ምምስራት ተቕዋም ካብሪኒ ዝብል ሓሳብ ቢላ ንስርዓታዊ ለውጢ ሓይሎም ክጥርነፉን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ጭቡጥ ፍታሕ ክህቡን ከም ዘተባብዑ እውን ከም ዝዘከረት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምህናጽ ዝምድናታት

ላና ኩክ፡ ተሓጋጋዚት ዋና ሓላፊ ማሕበር ኣገባብ ግንዛበ፣ ንተሳተፍቲ ንኻልኦት ንምስማዕን ክፉታት ንምዃን ዝሕግዝ ጭቡጥ ሓባራዊ ዝተ ክህሉ ኣትባቢዓ፣ ተጣባቒት መሰላት ስደተይናታትን ኣብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣማኻሪት ኣብ ጉዳያት ሕጊ ራብያ ናሲሚ፡ ከም ኣፍጋናዊት ስደተይና መጠን ዝነበራ ተመኩሮ ኣካፊላ፣ እቲ እንነብረሉ ዘሎና ሃዋህው ምስ ካልኦት ብምትእስሳር ዳግማይ ክሕሰብ ከም ዘለዎን፡ እዚ ምስ ሰባት ዝምድና ምህናጽ’ውን ምንቅስቓስን ሽርክነትን ምፍጣር ዝሓትት ምዃኑ ከም ዘብረሀት ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ዳብሊን ተቕዋም ሎዮና ናይ ታሪኽን ስነ ዓቕለሲያ መምህር ማሲሞ ፋጅዮሊ፡ ተራ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝያዳ ፍትሓውን ንኹሉ ዝሓቁፍን መጻኢ ኣብ ዝብል ጉዳይ ዘተኮረ ከም ዝኾነን፡ ገሊጾም እቲ ዝተሓሰበ ዋዕላ መሳጥን ኣዝዩ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎን ራእይ ዘንጸባርቕን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዓለምለኻዊ ውጥን ንምምዕባል ዝሕግዝ ዕድል ምዃኑ ኣስሚሩ፣ ቲዮሎጊያ ተስፋ ብተግባር ዘርእይ እዩ እንክብል ከም ዘመላኸተን ድሕሪ እቲ መደረታት፡ ተጋባእያን ብጉጅለ ተመዳዲቦም ናይ ክቢ ጠረጴዛ ናይ ዕዮ ዘተ መደባት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓንቲ ስድራቤት ኢና

ኣብ መወዳእታ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምክትል ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፋቢዮ ባጆ ድምጺ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ድኻታትን ክንሰምዕን ንሓባራዊ ቤትና ጭቡጥ ቃል ኪዳን ክንኣቱ ይሓተና - ቢሎም - ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ካልእ ምእንጋድን ምስማዕን ምስናይን ከምኡ እውን ነቲ ካልእ ንምፍላጥ ምእንጋድ የድሊ - ቢሎም - ነዚ ዘማእከለ ኣገልግሎት ድማ ይቐርብ ኣሎ፣ ምእንቲ እዚ ቅድመ ፍርዲ ንምውጋድን ስደተይናታት ንሓድሕዶም ክተሓላለዩ ሰብኣውነትን ፍጥረትን ንምምላስ ክብረት ሰብ ኣፍልጦ ምሃብ ንዕቤት እቲ ካልእ ኣበርክቶ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ካብ ካልእ ዚበልጽ ባህሊ የልቦን ምስ በሉ ቀጺሎም፣ ኵሉ ባህልታት ውህበት ጐይታ እዩ እዚ ምስትውዓል እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስደተይናን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተመዛባልን ዘሎ ተኽእሎ ኽንርኢ የኽእለና። ብተወሳኺ'ውን ምውህሃድ ማለት ትርጉም ዘለዎ ርክባት ምምስራት ማለት እዩ። ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ስድራቤት ንምዃን ኵላትና ደቂ ኣምላኽ ከም ዝዀንና ጌርና ኽንሓስብ ኣሎና፣ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ክፍሊ ፍጥረት እዩ፣ ምስ ስደተይናታት፣ ጓኖትን ወጻእተናታትን ሓደ ስድራ ቤትን ሓደ ሓባራዊ ቤትን ኢና” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Oct 2025, 17:20