ሩፊኒ፡ ሓቀይና ርክብ ኣብ ዝምድናታት ዝተመርኮሰ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ብዘይ ሓቅታት ሓቂ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ብዘይ ሓቂ ምትእምማን ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ብዘይ እዞም ሰለስተ ባእታታት ናይ ሓባር ክውንነት ዝጎደሎም ንኸውን፣ ጋዜጠይናነት እውን ክህሉ ኣይክእልን እዩ፣ ደሞክራሲ እውን ክልህሉ ኣይክእልን እዩ!” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ሮማ ኣብ “ምትእምማን መጻኢ ሓበሬታ፡ ናጽነት፡ ምህዞ፡ ዕብየት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዓለም ሓቆፍ መርበብ ትካላት ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ መበል 39 ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፣ ካብቲ “መርዛም ሃልኪ ኣታላሊ ሓበሬታ” ምርሓቕ ከም ዘድሊ የተሓሳስቡ፣
ተማራዃስነት ምርካብ
ክውንነታት፡ ሓቅን ምትእምማንን ናይ ጋዜጠይናነት - ብኣንጻሩ ድማ ናይ ደሞክራሲ መሰረት እውን እያቶም” ዝበሉ ሩፊኒ፣ “ነቲ ሓሶት ብሚልዮናት ዝቝጸር ግዜ እንተደጊምካዮ፡ ሓቂ ይኸውን” ዚብል ቅልውላው ዘመንና ጸረ መርዚ ምዃኑ ገሊጾም፣ ሓቀይና ርክብ፡ ኣብ ሓቀይና ዝምድናታት ዝተመርኮሰ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ዝከኣል እንክብሉ ኣብቲ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዘመነ ምትእስሳርን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን: ስርዓተ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ክፉትን ሓቀይናን ዘተ ምምላስ፣ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዘመንና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕማማት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንጹርነትን ቅንዕናን ኣብ ዘመነ ምትላል
ሩፊኒ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ Laudate Deum - ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተደሪኾም ኣብቲ ንህዝባዊ ርእይቶ ንምቍጽጻር ዝዓለመ ሓበሬታን ንግድን ዓለም ክንቀሳቐስ እንከሎና "ግልጽነትን" ከምኡውን "ቅንዕና" ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፣ ብመሰረት ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፡ “ኣብ ስርዓተ ፈነወ ሓበሬታ ጽኑዕ መሰረታት ንምምላስን መትከላት ርክብን ቅኑዕ ጋዜጠይናነትን ዳግማይ ንምህናጽን ማለት ካብ መርዛም ሃልኪ ኣታላሊ ሓበሬታ ሓቀይና ኣማራጺ ንምቕራብን ናብ ሰላማዊ ግን ከኣ ንህጹጽ ቃልሲ ተጸዊዕና ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓበሬታ ከም ናይ ሓባር ረብሓ
ነዚ ንምዕዋት ድማ ምስ ኣንበብትና “ናይ ምትእምማን ዝምድና ምህናጽ” ኣገዳሲ ምዃኑ ሩፊኒ ኣስሚሮም፣
እዚ ማለት ኣብ ባህላዊ ንቕሓት ምስራሕን ኣብ ኩሉ ደረጃታት ፍልጠት ምጽሓፍን ምንባብን ምድንፋዕን ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም ኣብ መደምደምታ ድማ፡ “እቲ ናይ ሓባር መርገጺ ሓሳብ ዳግማይ ምርካብን ምክፋልን ማለት እውን ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ሓበሬታ ናይ ሓባር ረብሓ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ማዕከናት ዜና ዝተፈላለያ 26 ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዘራኽብ ትካል ከም ዝኾነን እቶም ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ማዕከናት ዜና ልኡካን ዕለት 10 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካም ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም እተራኸቡ የዘኻኽር።