2025.10.24 Preghiera iniziale e momento introduttivo dei partecipanti al Giubileo delle Equipe Sinodali 2025.10.24 Preghiera iniziale e momento introduttivo dei partecipanti al Giubileo delle Equipe Sinodali 

ኢዮቤል ጕጅለታት ሲኖዶስ ሲኖዶውነትን ጻውዒት ሓድነትን ኣብ ቤተክርስትያን

ቅድሚ እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ጳጳስ ልዮን ዝተኻየደ ርክብ፣ ንንግደት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ኣባላት ጕጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ሓደ መደብ ዘተ ተኻይዱ፣ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋታት ኣብቶም ዝቕጽሉ ዝለዉ ወጥርታትን ከምኡውን ብዛዕባ ቦታ ሲኖዳውነት ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ተመያይጦም።

ኣባ ተወልደ መብራትሁ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 24 ጥቅምቲ 2025 ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኢዮቤልዩ ናይ ኣባላት ጕጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን ተኻይዱ፣ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያንን ናይ ሊቃውቲ ሥነ መለኮትን ውን ኣብቲ እተኻየደ ዘተ ተሳተፎም፣ ብዛዕባ ትርጕምን መጻእን ሲኖዶሳዊ ጕዕዞ ዓሚቝ ምርምር ንምግባር ድማ ተመያይጦም። እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እተገብረ ኣኼባ ቀቅድሚ ምጅማሩ፣ ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ክርስቶስ ሓቀይና ሓድነት ንኸተንጸባርቕ ዜድሊ ህጹጽ ተስፋታትን ብድሆታትን ንምዝታይ እተኻየደ መደብ ድማ ኢዩ ዝነበረ።

መንፈስ ሲኖዶውነት

ኣብ መኽፈቲ መደብ ናይቲ ዘተ ድማ እቶም ተሳተፍቲ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ቐጻሊ ዝኾነ ውጥርታት ኣፍልጦ ብምሃብ "ብዛዕባ እቲ ክኸውን ዘለዎ ነገራት" ብተስፋ ንቕድሚት ኪጥምቱ ተማሕጸንዎም። እቶም መደረታት ዘቕረቡ ኣካላት ከአ ንሲኖዳውነት  ከም "ማሕበራዊ ትንቢት" ገለጽዎ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ጉጅለታትን ማሕበራትን ዘሎ ምክፍፋል ዝዅንንን ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ሓደ ኩኑ" ብዝብል ዘቕረቦ ጻውዒት ዜቃልሕን ውን ኢዩ ዝንበረ።

ካርዲናላትን ክኢላታትን ኣስተንትኖታት ኣካፈሉ

ካብቲ ዝነበረ ቀንዲ መደረታት ሓደ ብብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች (ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ)፣ ብብፁዕ ካርዲናል ግሬጎርዝ ሪሽ (ሊቀ ጳጳሳት ሎድዝ ፖላንድ)፣ ብሚገል ደ ሳሊስ ኣማራል (ፖርቱጋላዊ ሊቅ ሥነ መለኮት) ከምኡውን ብዶ/ር ማሪያና ኣፓሬሲዳ ቨናንሲዮ (ሃገራዊት ኮሚሽነር ጐስጓስን ሓበሬታትን ብራዚል) እዮም ዝንበሩ። ብፁዕ ኣቡነ ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ድማ ነቲ ዝቐረበ መደረታት ከም ኣወሃሃዲ መደብ ኮይኖም መርሕዎ።

ካርዲናል ግሬች፦ ንተስፋ ኣብ ክርስቶስ ከም መልህቕ ምድርባር

ብፁዕ ካርዲናል ግሬች ነቲ ቻርለስ ፐጉይ ብዛዕባ ሥነ-መለኮታዊ ሓይላት ዘቕረቦ ሓሳባት ብምጥቃስ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ንጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን ከም "መንፈሳዊ ብሶላ" ብምምሳል ኣስተንተኑ። ፍቕሪ ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ቤተ-ክርስትያን "ዚነብረሉ" ኣቃውማ መጠን፣ ኣብ ዘይፍጽምናዊ ኩነታት እውን ከይተረፈ ንሓቂ ኸም ዝምስክር ንምቕባል ብፍላጥ ዚግበር ውሳነ ምዃኑ ኣጕልሑ። እምነት ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ኵሉ ነገራት መለኮታዊ መንገዲ ንኽትርኢ የኽእላ፣ ተስፋ ግን ኣብቲ ኣብ መብጽዓታት ክርስቶስ እተመስረተ ሓባራዊ ራእይ ዝተመስረተ መጻኢ ምዃኑ ውን ገለጹ። ብፁዕነቶም ኣስዒቦም ነቶም ምእመናን ንመጻኢ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኪውከሉ ተማሕጸንዎም፣ "ብዙሕ ተገይሩ እዩ" ድማ በሉ፣ ኰይኑ ግና እቲ ጕዕዞ ብትሕትናን ብትጽቢትን እዩ ዝቕጽል ዘሎ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ካርዲናል ራይስ፦ ንውጥረት ምስጋርን ፍሉይነትና ፍልልያትና ምቕባልን

ብፁዕ ካርዲናል ራይስ ብወገኖም፣ ኣብ ውሽጢ መስርሕ ሲኖዳውነት ሰለስተ ወሰንቲ ውጥረት ይጠቕሱ - ኣብ መንጎ "ኣነ" ከምኡውን "ንሕና" ሓድነትን ምውህሃድን ከምኡውን ምዕቃብን ተልእኾን ከም ዘሎ የመልክቱ። ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓቀይና ርክባት ይቃለስ ከም ዘሎን፣ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ውድድር ከም ክወድቕ ከም ዘይብሉን ኣስተብሃሉ። ካርዲናል ራይስ ኣብ መደረኦም ንሓድነት ምስ ተመሳሳልነት ንምምስሳል ዝግበር ፈተና ኣመልኪቶም ኣጠንቀቑ፣ ነቶም ንቤተ-ክርስትያን ምስ እተፈላለየ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘመሳስልዎ ቅዱሳን ብምጥቃስ ድማ በበይኑ ዝዓይነቱ ስፍራ ኣታኽልቲ ብርታዐ ደኣ እምበር ስግኣት ኣይኰነን ክብሉ ተላበው። ንሲኖዶሳውነት ምስማዕን መንፈሳዊ ምልውዋጥን ዘተባብዕ "መድሃኒት" ክብሉ ውን ጸውዕዎ፣ ቤተ-ክርስትያን "ድኻታት ድኻ ቤተ-ክርስትያን" ንምዃን እተሃንደሰ መዋቕራት ኣውጺኣ ንዅሉ ማዕጾኣ ኽትከፍት ከም ዘለዋ ውን ኣስተንተኑ።

ፕሮፌሰር ደ ሳሊስ ኣማራል፦ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንርክባት ዳግም ንምርካብ

ፕሮፌሰር ደ ሳሊስ ኣማራል ብወገኑ፣ "ርክባት ምልውዋጥ" ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ነዚ ጻውዒት እዚ ናብ ትሕትና ጥራይ ከይንቅይሮ ኣጠንቀቑ። ኣብ ክንዳኡስ ኣብቲ ኻብ ቅዱስ ቁርባን ዝምንጩ ርክባት ሲኖዳውነት ሱር ኪሰድድ ተላበው። ጥምቀት መሰረታዊ ማእሰር ሓላፍነትን ሕውነትን ክኸውን ከሎ ክህነታዊ መዓርጋት ግን ሚስዮናዊ ወደ መዝሙር ንምቕባል ዘተኰረ ምዃኑ ገለጹ። እቲ ፕሮፌሰር ኣብ መግለጺኡ፣ ድሕነት ካብ ወጻኢ በቲ ብእምነት እተቐበለ ቃል ከም ዝመጽእን ናይ ኣገልግሎትን ተራ ክህነታዊ ተሳትፎን ድማ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ንሓድሕዱ ከም ዝምርኰስን ብተለዋዋጢ መገዲ ከም ዝሳተፍን ኣጕልሑ። ንቤተ-ክርስትያን ከም ውድብ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትርእያ ኣብዚ ህያው ርክባት ከም ብሓድሽ ከተተኵር ድማ ተማሕጺኑ።

ዶ/ር ቬናንቺዮ፦ ሲኖዶሳዊነት ከም ማሕበራዊ ትንቢትን ፈውሲ ምክፍፋልን

ዶ/ር ቬናንቺዮ ንሲኖዶሳዊነት ከም መዋቕር ጥራይ ዘይኰነስ ከም መሰረታዊ ኣነባብራ ቤተ-ክርስትያን ገይራ ኣቕረበቶ። ካብ ውልቀ-ሰብ ናብ "ቤተ-ክርስትያንን ንሕናን" ናይ ምቕያር ተኽእሎ ከም ዘለዎ ውን  ኣጕልሐት፣ ብዙሓት ሰባት ኣብ መጀመርታ ደረጃ ሲኖዳውነት ንመጀመርታ ግዜ ቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ኸም ዝሰምዑ ዀይኑ ከም እተሰምዖም ኣብነት ሃገረ ብራዚል ኣካፈለት። ቬናንስዮ ወሲኻ ንሲኖዳውነት ዚግበር ዘተ፣ ንቤተ-ክርስትያንን ንሕብረተሰብን ንዚጸሉ ዘሎ "መቕዘፍቲ ምክፍፋላት" ኣገዳሲ ፈውሲ ከም ምዃኑ ገለጸት። ኣገዳስነት ሓድነት ብዘይ ኣስገዳድ ኣብ ዝግበር ተሳትፎ ከም ምህላው ውን ኣጕልሐት፣ ቤተ-ክርስትያን ድማ ነቲ ዘይማዕርነትን ምክፍፋልን ዘምጽእ መዋቕርን ኣረኣእያን ብንጥፈት ክትዅንኖ ጻውዒት ኣቕረበት። ኣብ መወዳእታ ሲኖዶሳዊነት ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓድነት ዘቕረቦ ጻውዒት ህያው ምላሽ ቤተ-ክርስትያን ክኸውን ከም ዘለዎ ኣስተንተነት።

ቤተክርስትያን ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት

ንግደት ኢዮቤል ኣባላት ጕጅለታት ሲኖዶስን ተሳተፍቲ ኣካላትን፣ ማእከል ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዘመናዊት ዓለም ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። መራሕቲ ቤተ-ክርስትያንን ተሳተፍትን ዘለዎም በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ብምቕባል፣ ሓቀይና ርክባት ብምምዕባል ከምኡውን ኣብ ክርስቶስ ተስፋ ብምግባር ናብ ዝሓቘፈ ትንቢታዊ ሓድነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ብሓባር ንምጕዓዝ ዘለዎም ቈራጽነት ደጊሞም ኣረጋገጹ። እቲ ኣኼባታት ብዙሕ ምምሕያሽ እኳ እንተ ተገብረሉ፣ ናብ ሓቀኛ ሓድነትን ማሕበራዊ ምሕዳስን ዝመርሕ መገዲ ገና ኸም ዚቕጽል ዘሎ ብምግላጽ ተዛዘመ።

28 Oct 2025, 15:02