2025.11.20 ተወፋይነት ቅድስቲ መንበር ኣብ ምሕላው ሰባትን ፍጥረትን - መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቤለም (ብራዚል) 2025.11.20 ተወፋይነት ቅድስቲ መንበር ኣብ ምሕላው ሰባትን ፍጥረትን - መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቤለም (ብራዚል) 

ተወፋይነት ቅድስቲ መንበር ኣብ ምሕላው ሰባትን ፍጥረትን - መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር

ኣብ ጐድኒ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ሊቀ ጳጳሳት ጃምባቲስታ ዲኳትሮ፡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ብራዚልን ምኽትል ሓላፊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣብ ቤለም ዝተረኸበ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽ ስራሕ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቅለ መሕትት ደጊሞም የዘንትዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ቤለም ዋዕላ ተረኺቦም ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቶም ንመበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ኣብ ቤለም ዝተኣከቡ መራሕቲ ዓለም ንፍጥረት ሓልዮት ተባዕን ጭቡጥን ተወፋይነት ክገብሩ ተላብዮም፣ ሰላምን ከባቢያዊ ምሕደራን ዘይነጻጸል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ “ሰላም ከተማዕብሉ እንተደሊኹም ንፍጥረት ሓልዉ፡” ንሓባራዊ ቤትና ምሕብሓብ ግብረ ገባዊ ግዴታን ናብ ነባሪ ሰላም ኣብ ዝወስድ መንገዲ ምጉዓዝን እምነት ምምስካርን ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ሊቀ ጳጳሳት ጃምባቲስታ ዲኳትሮ፡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ብራዚልን ምኽትል ሓላፊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዋዕላ ቤለም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የረጋግጹ።

ሊቀ ጳጳሳት ጃምባቲስታ ዲኳትሮ ቅድስቲ መንበር ኣብ ቤለም ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ብ10 ዝኣባላቱ ጉጅለ ከም እተሳተፈትን፡ ድሮ ህላወ ናይቶም ኣብቲ ዋዕላ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ዘቕረቡን ድሕሪኡ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑን ከይተሓለልና ንብድሆ ለውጢ ከባቢ ኵነታት ኣየር ንምግጣም ቃል ክንኣቱ ይጸውዑ፡  ኣብዚ ዋዕላ ተሳትፎ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ካብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓያል መልእኽቲ ዘስምዑን ድሕሪኡ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑን ከይተሓለልካ ንብድሆ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምግጣም ቃል ክንኣቱ ዝጸውዕ እዩ። ኣብዚ COP30 ተሳትፎ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ከመይ ነይሩ?

ብቐዳምነት ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝምራሕ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፡ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ዝመጹ ኣባላት ዝሓቖፈ ብምንባሩ ሃብታምን ዝተፈላለዩ ክውንነታት ዝውክል ምንባር ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኽውን፡ እዚ ድማ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን፡ ናይ ባህልን ትምህርትን፡ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ፡ ከምኡ እውን ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት፡ ቤት ምሕደራ ሃገራት ቫቲካንን ምስ ናይቲ ከባቢ ክኢላታት ስነ ምህዳር ምስ ካልኦት ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ዘካየዶ ርካባትን ኣኼባታትን ጭቡጥ መልክዕ ዝሓዘ ተሳትፎ ቅድስቲ መንበር የጒልሕ፣ ገለ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ዞባ ዝመጹ ኣብ ቤለም ዓሚቝ ሓድነት ዝምስክሩ 9 ካርዲናላትን 36 ጳጳሳትን ሓዊሱ።

ቅድስቲ መንበር ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ ክትዓት እንታይ ኣበርክቶ ኣቕሪባ?

ቅድስቲ መንበር ነቲ ናይ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ዝምልከት ክትዕ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተመስረተ ስነ - ምግባራዊ ኣበርክቶን ናይ ሰብኣዊ ምትሕግጋዝ መልእኽትን ትህብ፣ ምኽንያቱ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ግብራዊ ጸገም ጥራይ ዘይኮነስ ግብረ ገባዊ ጸገም እዩ። ንሕና ሓለውቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንከውን ተጸዊዕና ኣሎና፣ ኣብ ውሽጢ እዚ ጭቡጥ ኵነት እዚ ድማ ናብ ፍጥረት ዘቕንዓ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ይውለድ።

በዚ ምኽንያት ቅድስቲ መንበር ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበ ሰብኣዊ ክብረት ማእከልነት ብምዝኽኻር ኣብቲ ዋዕላ እጃማ ኣበርኪታ እያ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዲ ዘተ፡ እዚ ኣገባብ እዚ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብቲ ዋዕላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “ሰብኣዊ ወጅሂ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር” ቀዳምነት ንምሃብ ብዝቐርብ በሪኽን ቀጻልን ጽኑዕን ዕድመ ይግለጽ። እቲ መልእኽቲ ብድሕሪ እቲ ግብራዊ ንጥፈታት፡ ሃገራትን ሕቡራት ሃገራትን ብሳዕቤናት ቅልውላው ከባቢ ዝሳቐዩ ደቂ ሰባትን ልዕሊ ኩሉ ድማ ንጹሃት ማሕበረሰባትን ከምዘለዉ የዘኻኽሩ።

ኣብዚ ብዘሕዝን ግጭታት ዝልለይ ዓለም ቅድስቲ መንበር ሓልዮት ፍጥረትን ምድላይ ሰላምን ዘይነጻጸል ምዃኑን፣ ውግእን ጥፍኣት ተፈጥሮን ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እውን ተጉልሕ። መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጠቒሶም “ሰላም ከተማዕብሉ እንተደሊኹም ንፍጥረት ሓልዉ። ኣብ መንጎ ህንጸት ሰላምን መጋብነት ፍጥረትን ንጹር ምትእስሳር ኣሎ፡ ‘ብዅሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰላም ንምድላይ ዝግበር ጻዕሪ ብርግጽ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ደቂ ሰባትን ምሉእ ፍጥረትን ዘሎ ዘይነጻጸል ዝምድና ሓባራዊ ኣፍልጦ ንምሃብ ይድርኽ” ምስ በሉ - በዚ ኣስተንትኖ - ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ “ፍትሓዊ ምስግጋር” ዝግበር ዘተ ብምውካስ - ቅድስቲ መንበር ጣልቃ ብምእታው፡ ኣብ መበል 28 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP28 ዝተረኽበ ምዕባለ፡ ካብ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ርሒቕካ ንምስግጋር ዝድርኽ መሰረታዊ ተወፋይነት ሓዊሱ ክዳኸም ከምዘይብሉ፡ ብፍሉይ ነቶም ብለውጢ ከባቢ ኣየርን በቲ ንዕኡ ዝወሃብ ምላሽ ኣዝዮም ዝተሃስዩን ኣቓልቦ ብምሃብ ክንበር ከም ዘለዎ ደጊማ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ቅድስቲ መንበር እውን ኣገዳስነት ፍትሓዊ ቍጠባዊ ኣገባባት ተጒልሕ፣ ምኽንያቱ እቶም ዝደኸዩ ህዝቢ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ዝያዳ ተቓላዕቲ ስለዝኾኑ፣ ቀዳሞት ግዳያታ ይኾኑ። ሓቀይና ምትሕግጋዝ ነቶም ኣብ ሕውነት ዝተመርኮሱ ኣገባባት ቍጠባ ህያው ክገብሮም ኣለዎ። በዚ ኣረኣእያ’ዚ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል፡ ምስ ስነ ምህዳራዊ ዕዳ ዝተኣሳሰር፡ ልዑላዊ ዕዳ - ምንካይ ጥራይ ዘይኮነ ምስራዝ፡ ነተን ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት ንምድጋፍ ኣድላዪ ስጉምቲ ከም ዝውክል ቅድስቲ መንበር ተዘኻኽር። እዚ ስነ - ምግባራዊ እማመ ጥራይ ዘይኮነስ ሓቀይና “ፍትሓዊ ምስግጋር” ንምዕዋት መተካእታ ዘይብሉ መምርሕታት ብጭቡጥ ምሕያል እዩ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ሓድሽ መደብ ተግባር ጾታ ኣብ ዝካየድ ዘተ እውን ትሳተፍ። እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብፍላይ ኣብ ደቡቡባዊ ንፍቀ ዓለም ብለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ብመጠኑ ኸም እተተንከፉ ከምኡውን ሳዕቤኑ ኣብ ምፍታሕ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለወን ብምፍላጥ እዩ። እዚ ኩሉ ልኡኻት ጻዕርታቶም ከተኵረሉ ዘለዎም ማእከላዊ መዳይ ኣብ መስርሕ ናይ ጾታ ስጕምትታት ናይ ምይይጥ መደብ ፈጺሙ ክርሳዕ የብሉን። ይኹን እምበር ዘይተርፍ ወይ ኣከራኻሪ ዝዀነ ቛንቋን ሓሳባትን ንምጥቃም ዝግበር ፈተነታት ኣሎ፡ እዚ ድማ ነቲ ክተርፍ ዘይብሉ ዕቤት ዘዳኽም ኢዩ። ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ምንጻል ጥንሲ ዘጠቓለለ ጾታዊ መሰላትን ናይ ምፍራይ መሰላትን ኣብ ጽሑፍ ምእታው ዝብል ጉዳይ ክንሓስብ ንኽእል ኢና - ቅድስቲ መንበር ብዝዀነ ይኹን መገዲ ክትቅበሎ ኣይትኽእልን እያ። እዚ ከም ሓቂ ካብቲ ዝመያየጠሉ ዘሎ ጕዳይ ከም ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሳነ ምግባርን ምይይጥን ትምህርቲ (እንተላይ ብመራኸቢ ብዙሓን) ከምኡውን ካብ ዝማዕበላ ሃገራት ናብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝወሃብ ደገፍ ካብ ናይ ጾታ መደብ ስጕምትታት ዝርሓቐ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ማዕቀፍ ውዕል ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኣብ ስምምዕ ፓሪስን ብምጽንባራ ንዝተነበሩ ግዴታታት ምላሽ ንምሃብ ተወፋይነታ ከም ዘረጋገጸት ከዘኻኽር እፈቱ። ክባቢ ኣየር ዝቕይር ልቀት ሃገረ ቫቲካን ብደረጃ ዓለም ክርአ እንከሎ ዳርጋ ዘየለ እዩ፤ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ መንግስቲ ከተማ ቫቲካን ኣብ ልዑል ውጥናት ምንካይ ልቀት ትኪ ወፍሪ ትገብር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ተበግሶታት ትምህርቲ ኣብ ውሁድ ስነ ምህዳር ብቆራጽነት ትዋፈርን ነዚ ተስፍሕን፡ እዚ ድማ ኣብ ርእሲ ምንካይ በካሊ ጋዝ ስነ - ምግባራውን ማሕበራውን ረብሓታት የምጽእ እዩ።

ቅድስቲ መንበር ካብዚ ኣብ ከባቢያዊ ኣየር ዘተኮረ ፍጻመ እንታይ ዕላማታት ክህልዋ ተስፋ ትገብሩ?

ብቐዳምነት፡ እቲ ተስፋ፡ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት - COP30 ንጹርን ዝተሓደሰን ተወፋይነት ንብዝሓ ጎናውነት ምትእስሳር፡ ኣገዳሲ መድረኽን ቀላስን ንዘተ፡ መመያ፡ ከምኡ’ውን ንህሉው ዓለማዊ ብድሆታት - ንለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሓዊሱ - ብክፉትነት፡ ምትእምማንን ምትሕብባርን ንምፍታሕ ክድርኽ እዩ። እዚኦም ዶብ ዘይፈልጡን ዕቱብን ሓላፍነታውን ኣበርክቶ ኩሉ ዝጠልቡን ጉዳያት እዮም: ኣብዚ ተኣኪቦም ናይ ዘለዉ መንግስታትን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ተዋሳእትን - በርገሳዊ ማሕበረሰብ፣ ስነ ፍልጠታዊ ማሕበረሰብ፣ ከባብያዊ ምምሕዳራት፣ ንግዳዊ ዓለም።

ካልእ ተደላዪ ውጽኢት ድማ፡ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ነቲ ድሮ ኣብ 2023 ኣብ ዱባይ ዝተቐበሎ ቃል ኪዳን ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ዕላማ ስምምዕ ፓሪስ ንምዕዋት ዝወስድ መንገዲ ንምቕጻል፡ ማለት ወሰኽ ማእከላይ ሙቐት ዓለም ልዕሊ እቲ ቅድሚ ናይ ኢንዳስትሪ ሰውራ ዝነበረ 1.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ምድራት እዩ። እዚ ማለት ድማ ንውሕስነት ጸዓት ንምምሕያሽ ዝውሰዱ ስጉምትታት ምቅልጣፍ፣ ትሑት ፈሓም ዘለዎም ምንጪታት ጸዓት ምጥቃምን ጻዕርታት ዳግመ ተኸላ ኣግራብን ዝምልከት እዩ። እዞም ተበግሶታት እዚኣቶም ንፍጥረት ኣብ ማእከል ዘንብሩ ክኾኑ ኣለዎ፡ ንህዝብን ከባብን፣ ቁጠባ ጥራይ ዘይኮነ - ብርግጽ ዝያዳ ኣቓልቦ ምትዕጽጻፍን ትምህርትን ዕሽሽ ከይበለ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ውሽጢ ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP ኣብ ትምህርቲ "ውሁድ ስነ ምህዳር" ማለት ንኣከባብን ሕብረተሰብን ቍጠባን ብጥበብ ዘጣምር ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ዝያዳ ኣቓልቦ ክግበር ከምዘለዎ ትገልጽ። ምስ ካልኦት ወገናት ብምትሕብባር እዚ ኣቀራርባ እዚ ኣብ እተፈላለየ መድርኻት፡ ኣብ ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP እንኮላይ ኣብ ሃገራዊ መደባት ከባቢያዊ ኣየር ብዝያዳ ምእንቲ ኺህሉ እዩ። ብውሁድ ኩለንተናዊ ስነ ምህዳር ተደሪኹ ትምህርታዊ መደባትን ውጥናታት ምርምርን ምትግባር ናይ ሓልዮትን ሓላፍነትን ባህሊ የተባብዕ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብን በርገሳዊ ሕብረተሰብን ንምትሕብባር እውን መገዲ ኢዩ ዘመልክት።

ቅድስቲ መንበር ኩሉ ግዜ ንሓለዋ ሰባትን ፍጥረትን ትኵር እያ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተመሳሳሊ ምትእኽኻብ፡ ዝተፈላለየ ባህልን ኣረኣእያን ዘለዎ፡ ነዞም መሰላት ክትከላኸለሎም ኣጸጋሚ ድዩ?

ካብዘን ጽዑቓት መዓልታት ዘተን ምይይጥን ዝወጽእ፡ ንእወንታዊ ምዕባለታት ዕሽሽ ከይበልካ፡ ብመንጽር ጽቡቕ ባህሪ ጥንቃቐ ክግምገም ኣለዎ - ብፍላይ ኣብቲ ኪኖ ግብራዊ - ስነ ፍልጠት ማዕቀፍ ጥራይ ዝኸይድ፡ መሰረታዊ ዝኾነ፡ ግን ከኣ ብለውጢ ረባሕታ ክቕጽል ዘለዎ ዘተ።

ሰብን ፍጥረትን ምክልኻል ብፍላይ ኣብ ከም ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP ዝኣመሰለ ባህልታትን ረብሓታትን ዝተፈላለየ ራእይን ዝቀራረበሉ ኩነታት ብድሆ እዩ። ቅድስቲ መንበር ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊ ምርጫ ኣብ ውሽጢ መደብ ፈጣሪ ንወዲ ሰብ፡ ስለዚ ድማ ንኽብሩን ናጽነቱን ውሁድ ምዕባለኡን ኣተኲይሩ ክፍጸም ከም ዘለዎ ተዘኻኽር። መምርሕታት ከባቢያዊ ኣየር ተግባራዊ ወይ ቁጠባዊ ጉዳያት ጥራይ ኣይኮነን: ንጭቡጥ ህይወት ናይቶም መብዛሕትኡ ግዜ ንቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ ድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝጸልዎ እዩ።

ወንጌል ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” (ማቴ 5፡9) ይብለና፡ እዚ ጻውዒት እዚ ንኣህጉራዊ መድረኽ እውን ዝምልከት እዩ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ መርገጺታት ድልድል ምህናጽ፡ ክግበር ዝኽእል ስምምዓት ምድላይን ሓድሕዳዊ ምክብባር ምዕቃብን ጭቡጥ መገድታት ገበርቲ ሰላም ምዃን ይውክሉ። ቅድስቲ መንበር ናብዞም ቦታታት እዚኣቶም ሓድነት ዘለዎን ንኹሉ ናብ ሓባራዊ ሓላፍነት ዝጽውዕን ድምጺ ንምምጻእ ተወፋይነታ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ከቢድን መሳጥን ዕማም እዩ፡ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ Fratelli Tutti - ሃው ኵልነ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ኣምላኽ ንሓደ እኳ ከየግለለ ወይ ፍሉይ ዕድል ከይሃበ ንምድሪ ንብዘሎ ዘርኢ ሰብ ሂብዋ፣ ንመግቢ ኵሎም ኣባላታ” ዝብል ቃል የቃልሑ፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 Nov 2025, 15:16