2019.10.19 Congregazione per la dottrina della fede 2019.10.19 Congregazione per la dottrina della fede 

ሓድሽ ኣስተምህሮታዊ ሰነድ፦ ድንግል ማርያም ኣደ ምእመናን እምበር “Co-redemptrix” ኣይኮነትን

እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ልዮን መበል 14 ጸዲቑ፣ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኣወጆ ሓድሽ ሰነድ፣ ብዛዕባ እቲ ንቅድስት ድንግል ማርያም እንህቦ መዓርጋዊ ስያሜታት ኣመልኪቱ መብርሂ የቕርብ፣ ነቲ "መንጐይና ናይ ኵሉ ጸጋታት" ዝብል ስያሜ ድማ ፍሉይ ቈላሕታ ክግበረሉ ይሓትት።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 4 ሕዳር 2025 እመ ሕዝብ መሃይምናን ("ኣደ ኣመንቲ ህዝቢ") ዘርእስቱ ሰረተ እምነታዊ መግለጺ ሓዘል ሰነድ "ብዛዕባ ገለ ገለ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስያሜታት ኣመልኪቱ፣ ማርያም ኣብ ዕዮ ድሕነት ብዛዕባ ምስታፋ" ዝብል ሰፊሕ መግለጺ ኣዊጁ። እዚ ብብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ላዕለዋይ ቤጽሕፈትን ከምኡውን ብጸሓፊ ጉዳያት ክፍሊ ሰረተ-እምነት ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ክቡር የኔታ ኣርማንዶ ማቲዮ እተኸተመ ሰነድ፣ ብዕለት 7 ጥቅምቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸደቐ ሰነድ ኢዩ ዝንበረ።

እዛ እመ ሕዝብ መሃይምናን (MPF) እተሰምየት ሰነድ፣ ፍረ ነዊሕን እተሓላለኸን ሓባራዊ ጻዕሪ እተራእየላ ሰነድ ኢያ። ብዛዕባ ማርያማዊ መንፈሳውነታት እትገልጽ ሰረተ-እምነታዊት ሰነድ ከኣ ኢያ፣ ኣብ መንነት ማርያም ዘተኰረት ድማ ኢያ። ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ከአ ምስ ዕዮ ክርስቶስ ከም ኣደ ኣመንቲ እተተሓሓዘት ከም ምዃና ይገልጽ። እዛ ሰነድ እዚኣ ብዛዕባ ማርያማዊ መንፈሰውነት ኣገዳሲ ቅዱስ መጽሓፍዊ መግለጺ መሰረተ እምነት ትህብን ከምኡ'ውን ካብ ኣበው ቤተክርስቲያንን፡ ሊቃውንትን ቤተ-ክርስትያን እተረኽበ እተፈላለየ ኣበርክቶታት ብምግንዛብ፣ ምስ ምብራቓዊ ትውፊትን ከምኡውን ሓሳባት ናይዚ ዘመና ኣርስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ዘጠቓለለት ኮይና ቀሪባ ኣላ።

ኣብዚ ኣወንታዊ ግንዛቤ ናይ’ዛ ሰረተ እምነታዊት ሰነድ፣ ንሓያሎ መዓርጋውያን ስያሜታት ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ይምርምር፣ ንገለ ኻብዚ ስያመታት እዚ ከአ ንኽቅበሎ የተባብዕ፣ ንገለ ካልኦት ድማ ንምጥቃሙ ይኽልክልን ተጠንቕቕን። ከም እኒ "ኣደ ኣመንቲ"፡ "መንፈሳዊት ኣደ"፡ "ኣደ ምእመናን"፡ ዝኣመሰለ ስያሜታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ኣብቲ መዘኻኸሪ ተቐባልነት ረኺቦም ኣለዉ። ብኣንጻሩ ግን እቲ "ካልእቱ ለመድኃኒ / Co-redemptrix" ዝብል ስያሜ ዘይግቡእን ዘጸገምን ሓሳባት ከም ዘለዎ ጌርካ እዩ ዝርአ። እቲ "መንጐይና" ዝብል ስያሜ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ትርጉም ስለ ዝሕዝ ድማ፣ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ እዩ ዝቝጸር። ይኹን እምበር ንሓይሊ ክርስቶስ ብዜኽብርን፣ ንክርስቶስ ብዘማእከለን ተሳታፍነትን ዘለዎ ማእከላይነት ብዝገልጽ መንገዲ ግን ብግቡእ ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ። እቲ "ኣደ ጸጋ" ከምኡ'ውን "ናይ ኵሉ ጸጋ መንጐና" (Mediatrix of All Graces) ዝብል ኣርእስትታት ብልክዕ ሰባት ክጥቀሙሉ ኸለዉ፣ ተቐባልነት ከም ዘለዎም ዝቝጸር እኳ እንተዀነ፣ ኣብዚ ሰነድ እዚ ግን ብፍላይ ብዛዕባ ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ሰፊሕ መግለጺ ክወሃቦ ከም ዝከአል እውን የጠንቅቕ።

ብመሰረቱ እቲ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ነቲ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎ ዅሉ ብሉጽ ነገር፣ ናብ ማእከላይነት ክርስቶስን ብዛዕባ ናይ ምድሓን ዕዮኡን ዘተኰረ ምዃኑ ወትሩ ዘጕልሕ  ከም ምዃኑ ሰረተ-እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ደጊሙ የረጋግጽ። በዚ ምኽንያት እዚ ዋላ እውን ገለ ገሊኡ ስያሜታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብቕኑዕ ትርጓሜ ኣቢልካ፣ ቅኑዕ ዝኾነ ትርጕም  ከም ዘለዎ እንተ ተኣመነ፣ ነቲ እመ ሕዝብ መሃይምናን ንዝብል ዝያሜ ብምጥቃም ካብኡ ምርሓቕ ዝሓሸ ምኳኑ ይምረጽ።

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብዚ ሰነድ እዚ ኣብ ዝለገስዎ መባእታ፣ ንህዝባዊ መንፈሳውነት ዘለዎም ሞሳ ገለጹ፣ እንተዀነ ግን ካብ ገለ ገለ ሰባት ዓነቀጸ-እምነታዊ ምዕባለ ዘቕርቡን፣ ኣብ መንጎ ምእመናን እንተላይ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓንን ጥርጣሬታት ዘለዓዕሉ ጕጅለታትን፣ ገለ ገለ ጽሑፋትን ውን የጠንቅቑ። ነዚ ስያሜታት እዚ ኣብ ምትርጓም ዘሎ ቐንዲ ጸገም ብምምልካት ድማ፣ ነቲ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ዕዮ ድሕነት ክርስቶስ ዘለዋ ምትእስሳር፣ ቤተክርስቲያን ብኸመይ ከም እትርድኦ ይገልጹ። (§ 3)

Co-redemptrix / ካልእቱ ለመድኃኒ

ብዛዕባ እቲ " Co-redemptrix / ካልእቱ ለመድኃኒ" ዝብል መዓርጋዊ ስያሜ ብዝምልከት፣ እዚ ሰነድ እዚ ኣስዒቡ፣ "ገሊኦም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ስያሜ እዚ ተጠቒሞምሉ ኢዮም"፣ እንተ ኾነ ግን ብዛዕባ ትርጕሙ ብዙሕ ከይገለጹ ኸም እተጠቕሙሉ ውን እዚ ሰነድ ይገልጽ። ብሓፈሻ "ነዚ መዓርጋዊ ስምያሜ ብኽልተ እተፈላለየ መገድታት ኣቕሪቦምዎ ይርከቡ፦ ብዛዕባ መለኮታዊ ኣደነት ማርያም (ኣደ ከም ምዃና መጠን፣ ነቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ድሕነት፣ ተኽእሎ ከም ዝሃበቶ)፣ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ምስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ምድሓን መስቀል ዝነበራ ኩነት ብምጥቃስ ኢዩ ዝነበረ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ግን ነዚ ስያሜ እዚ፣ ብዓንቀጸ እምነታውን ጉስነታውን ኢቁመናውን ምኽንያታት ካብ ምጥቃሱ ተቘጢቡ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንድንግል ማርያም እንተ ወሓደ ኣብ ሸውዓተ ኣጋጣሚታት 'Co-redemptrix / ካልኣቱ ለመድሓኒ' ክብሉ ጸውዕዋ፣ ብፍላይ ከኣ ነዚ ስያሜ እዚ፣ ምስቲ ስቓይ ነፍስወከፍና ዘለዎ ድሕነታዊ ዋጋ ብምግንዛብ፣ ምስ ስቓይን መከራን ክርስቶስ ክውፈ እንከሎ ዜድሕን ዋጋ ከም ዘለዎ ኣተሓሒዞምዎ ኣለው፣ በዚ ኸምዚ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብፍላይ ኣብ መስቀል ምስ ክርስቶስ ሓድነት ነበራ"። (§18)

እዚ ሰነድ እዚ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ቅዱስ ማሕበር ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1996 ብዛዕባ ማርያም ሓድሽ ዓንቀጸ-እመነታዊ ድንጋጌ፣ ማለት ብዛዕባ "Co-redemptrix or Mediatrix of all graces / ካልኣቱ መድሓኒ ወይ መንጐይና ናይ ኵሉ ጸጋታት" ዝብል ንምእዋጅ ዝቐረበሉ ሕቶ ተመልኪቱ ተዛትዩ ከም ዝነበረ መጠን፣ ዝነበረ ውሽጣዊ ምይይጣቱ ኣብዚ ሰነድ እዚ ጠቒሱ ይርከብ። ኣብቲ ግዜ እቲ ህየንተ ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ዝንበሩ ብፁዕ ካርዲናል ጆሴፍ ራትዚንገር፣ ነዚ መግለጺ እዚ ይጻረርዎ ነበሩ፣ "ልክዕ ትርጕም እዚ ስያሜታት እዚ ንጹር ኣይኰነን፣ እቲ ኣብኡ ዘሎ ሰረተ-እምነት እውን ገና ኣይ በሰለን ዘሎ። […] እቲ ኣብዚ ኣርእስትታት እዚ ተገሊጹ ዘሎ ዓንቀጸ እምነት ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡ ኣብ ሓዋርያዊ ትውፊታት ብኸመይ ተገሊጹ ከም ዘሎ ውን ንጹር ኣይኰነን" ክብሉ ኣመልከቱ።

ጸኒሑ ኣብ 2002፣ እቶም ጸኒሖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዝኾኑ፣ ብተመሳሳሊ መገዲ ብግህዶ ከምዚ ክብሉ ገሊጾምዎ ይርከቡ፦ "እቲ 'Co-redemptrix' ዚብል መዓርጋዊ ስያሜ፣ ካብ ቋንቋ ቅዱሳት ጽሑፋትን፡ ኣበው ቤተክርስቲያንን ኣጸቢቑ ስለ ዝርሕቕ፣ ግጉይ ምርዳእ ዘምጽእ ኢዩ።... ከምቲ ኣብተን ናብ ሰብ ኤፌሶንን፡ ናብ ሰብ ቈሎሴ እተላእካ መልእኽትታት ተገሊጹ ዘሎ፣ ኵሉ [ጸጋ] ካብ ክርስቶስ እዩ ዚመጽእ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ እቲ ኵሉ ኮይናቶ ዘላ ብኣኡ ክንዲ ዝኾነት ኢዩ። እታ 'Co-redemptrix / ካልኣቱ ለመድሓኒት' እትብል ቃል ነዚ መበቈላዊ መግለጺ እዚ ኽትሽፍኖ ትኽእል እያ።"

እቲ መዘኻኸሪ ከም ዘመልከቶ፣ ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር፣ እዚ ኹሉ ጽቡቕ ሓሳባት እኳ እንተ ኰነ፣ ነቲ ኣብኡ ተንጸባሪቑ ዘሎ ጠቓሚ መዳያት ከም ዘይክሕድዎ ይጠቕሱ፣ የግዳስ "ብግጉይ መገዲ ይግለጽ" ከም ዝነበረ ውን የመላኽቱ። (§19)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብወገኖም እንተ ወሓደ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ነቲ Co-redemptrix / ካልኣቱ ለመድኃኒ ዝብል መዓርጋዊ ስያሜ ብምጥቃም፣ ብንጹር ከም ዝቃወምዎ ገለጹ።

እዛ ትማሊ ሰሉስ ዝወጸት ሰረተ-እምነታዊት ሰነድ ኣስዒባ ከምዚ ብምባል ትምድም፦ "ንተሳትፎ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንምግላጽ 'Co-redemptrix / ካልእቱ ለመድኃኒ' ዚብል ስያሜ ምጥቃም ግቡእ ኣይኰነን። እዚ መዓርጋዊ ስያሜ እዚ ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ፍሉይ ናይ ምድሓን ማእከላይነት ክሽፍኖ ይኽእል ኢዩ፣ ስለዚ ድማ ኣብ ስኒትን ሓቅታትን ክርስትና ሕንፍሽፍሽን ሚዛናዊ ዘይምዃንን ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። […] ሓደ መግለጺ ካብ ቅኑዕ ትርጕም ምእንቲ ኸይርሕቕ ብዙሕ ተደጋጋሚ መግለጺታት ምስ ዚሓትት ንእምነት ህዝቢ ኣምላኽ ኣይጠቅምን ኢዩ"። (§22)

Mediatrix / መንጐይና

እዛ ሓዳስ ሰነድ፣ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከብ፣ ክርስቶስ እቲ እንኮ ማእከላይ ከም ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳባት ደምዳሚ ኣስተምህሮት እዩ። ክርስቶስ ጥራይ እዩ ማእከላይ ወይ መንጐይና"። (§24)

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እዛ ሓዳስ ሰነድ እዚኣ "ነታ 'መንጐና' እትብል ቃል ኣብ ብዙሕ መዳያት መዓልታዊ ህይወት ተገሊጻ ከም እትርከብን፣ ሓገዝ ወይ ኣማላድነት ጥራይ ንዝብል ሓሳባት እትገልጽ ምዃና ኣፍልጦ ይህብ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ፣ እዛ ቓል እዚአ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ትሕቲ ክርስቶስ ብምዃን ክምልከታ ከም ዝኽእል ውን እዩ። በዚ መገዲ እዚ ብምጥቃም፣ ነቲ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ብምዃኑ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ፍሉይ ናይ መንጐይናነት መንነት ማለት ውጽኢቱ ወይ ሓይሉ ካልእ ወሰኽ የድልዮ ማለት ግም ኣይኮነን"። (§25)

ብተወሳኺውን "ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሥጢረ ሥጋዌ ወዲ ኣምላኽ፣ ኣብ ሰብኣውነትና ንምእታውይ ሓቀይና ግደ መንጐይናነት ከም ዘለዋ ንጹር እዩ"። (§26)

ኣደ ምእመናንን መንጐና ናይ ኵሉ ጸጋታትን

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዋ ኣደነታዊ ግደ፣ "ነቲ ፍሉይ ማእከላይነት ክርስቶስ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይሓብኦን ወይ ኣየነክዮን ኢዩ"፣ ኣብ ክንዳኡስ ዘለዎ ልዑል ሓይሉ እዩ ዜርኢ [...]፣ በዚ መገዲ እዚ ንእኖና ድንግል ክንርድኣ ከሎና፣ እቲ ኣደነታዊ መንነታ ነቲ ናብ ክርስቶስ ጥራይ እነዕርጐ ፍሉይ ኣምልኾ እተዳኽሞ ኣይኮነትን፣ ኣብ ክንዳኡስ ዳግም ከተድምቖ ኢያ እትርከብ።"

ስለዚ እዚ ሓድሽ ሰነድ እዚ ከም ዝገልጾ፣ "ሓደ ሰብ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ጐይታ ከም 'ዘንጊ በርቂ' ጌሩ ዝቐርብ መዓርጋትን መግለጺታትን ክርሕቕ ይግብኦ፣ ኣብ ቅድሚ  ምሕረት ኣምላኽ ድማ ድንግል ማርያም ከም ኣድላዪት መተካእታ ወይ ከም ኣማራጺት ከም ዝኾነት ጌርካ ክትውሰድ ኣይግባእን" (§37ለ)።

ስለዚ እቲ "ኣደ ምእመናን" ዚብል መዓርጋዊ ስማ ግን "ብዛዕባ እቲ ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ኣብ ህይወት ጸጋ ዘሎና ርክብ፣ ብዛዕባ ዘለዋ ግደ ንኽንዛረብ የኽእለና ኢዩ።" ይኹን እምበር እዛ ሓዳስ ሰነድ እዚኣ ወሲኻ፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ መግለጺታትን ስያሜታትን "ብዙሕ ተቐባልነት ዘይብሉ ሓሳባት" ከስዕብ ስለዝኽእል ብዓጽንዖት የጠንቅቕ። (§45)

ንኣብነት "ብፁእ ካርዲናል ራትዚንገር፣ ብዛዕባ እቲ 'ማርያም መንጐይና ኩሉ ጸጋታት' ዚብል መዓርጋዊ ስያሜ፣ ኣብ መጽሓፈ ራእይ ዮሓንስ ብንጹር እተመስረተ ኸም ዘይኰነ” ኣረጋጊጾም ነበሩ። ስለዚ እዚ ሰነድ እዚ ቀጺሉ፣ "ምስዚ እምነት እዚ ብምስምማዕ፣ እዚ መዓርጋዊ ስያሜታት እዚ፣ ኣብ ስነ-መለኮታዊ ኣስተንትኖትን መንፈሳውነትን ዘስዕቦ ጸገማት ከነለልዮ ንኽእል ኢና" (§45)። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ "ዝዀነ ይኹን ሰብ፣ ማለት ሓዋርያት ይኹኑ ቅድስቲ ድንግልማርያም ባዕላ እውን ከይተረፈት፣ ንኣድማሳዊ ጸጋ መንጐይና ክኾኑ ዝኽእሉ የለውን የልቦን። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ጸጋ ክህብ ዚኽእል፣ ነዚ ድማ ብምስጢረ ሥጋዌ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እዩ ዝገብሮ" (§53) ።

"ከም 'መንጐይና ኩሉ ጸጋታት' ዝኣመሰሉ ገሊኡ ስያሜታት፣ ብዛዕባ ፍሉይ ቦታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንዘሎ ቅኑዕ ምርዳእ ዘይድግፍ ክንዲ ዝኾነ ድሩትነት ኣለዎም" ብምባል እዚ ሓድሽ ሰነድ እዚ የመላኽት፣ ወሲኹ ድማ "ከም ሓቁ እኳ ደኣስ እታ ቐዳመይቲ ዝደሓነት ንሳ ክንዲ ዝኾነት፣ መንጐይና ናይቲ ንሳ ንባዕላ ዝተቐበለቶ ጸጋ ኽትከውን ኣይትኽእልን እያ" (§67)።

ይኹን እምበር እዚ ሰረተ እምነታዊ ሰነድ ከም ዘመልክቶ፣ "እታ 'ጸጋታት' እትብል ቃል፣ ነቲ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ህይወትና ብዛዕባ ተድኤትን ሕገዛትን እኖና ድንግል ማርያም እተመልክት ኮይና ክትርከብ እንከላ፣ ተቐባልነት ዘለዋ ትርጕም ክህልዋ ይኽእል እዩ። እዚ “ጸጋታት” ብዙሓዊ ስም እዚ፣ ንዅሉ እቲ ጐይታ ንኣማላድነት ወላዲቱ ብምስማዕ ክህና ዚኽእል ነገራት፣ እንተላይ ቍሳዊ ወይ ሥጋዊ ነገራት እውን ከይተረፈ ዝገልጽ ኢዩ"። (§68)

05 Nov 2025, 16:56