ርእሰ ብሔት ሃገረ ፍልስጥኤም ናብ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በጺሑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔት ሃገረ ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ፣ ናብ ከተማ ሮማ ምስ በጽሐ ኣብ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምኻድ ኣኽብሮቱ ንምግላጽ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ በጺሑ።
ሰዓት 4፡30 ድሕሪ ቐትሪ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጥኤም ምስቲ ናይ ቅድስቲ መሬት ነበር ምክትል ኣቦ መንበር ኢብራሂም ፋልታስ ናብ ቤተ ክርስትያን ብምእታው፣ ናይ 15 ደቓይቕ ምብጻሕ ኣካይዱ።
ርእሰ ብሔር ኣባስ ኣብቲ ብእምነ በረድ እተሰርሐ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዕታር እምባባ ኣንበረ።
መግለጺ ንጋዜጠኛታት
ርእሰ ብሔር ኣባስ ነቶም ኣብ ቅርዓት እቲ ባዚሊካ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክበጽሖም ዝመጻእኩሉ ምኽንያት፣ እቲ ንፍልስጥኤምን ንህዝቢ እታ ሃገርን ዝገበርዎ ነገር ክርስዖ ስለ ዘይከኣልኩ፣ ንዋላ ሓደ ሰብ ከይሓተተ ንፍልስጥኤም ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ክርስዖ ኣይክእልን ኢየ" በለ።
ሎሚ ንግሆ ሓሙስ ዕለት 6 ሕዳር ማሕሙድ ኣባስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቡ፣ እዚ ድማ እቲ ተዅሲ ናይ ምቍራስ ውዕል ኣብ ጋዛ ካብ ዝጅምር ዳርጋ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ዝካየድ ዘሎ ርክብ ክኸውን ኢዩ።
ኣብ 2014 እተኻተደ ምትካል ኣግራብ ኣውሊዕ
ዓሰርተው ሓደ ዓመት ይገብር ኣባስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ምስቲ ናይ ሽዑ ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ዝነበረ ሺሞን ፐረዝ፣ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ኣብ እተገብረ ታሪኻዊ ናይ ጸሎት መደብ ተሳቲፉ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኦም ኣውሊዕ ከም ምልክት ሰላም ተኺሎም ድማ ነበሩ። ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተቅርስቲያን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ እውን ኣብኡ ተረኺቦም ነበሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣባስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ከም እተራኸበ ዝዝከር ኢዩ፣ ድሕሪ እቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ሃማስ ዝፈጸሞ መጥቃዕትን፣ እስራኤል ኣብ ቃዛ ዝፈጸመቶ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕትታትን ብተደጋጋሚ ብናይ ስልኪ ጻውዒት ይራኸቡ ነይሮም ኢዮም። እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ፍልስጥኤምን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን እተገብረ ናይ መወዳእታ ርክብ ድማ ብዕለት 12 ታሕሳስ 2024 እዩ ተኻይዱ። ክልቲኦም ነቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ብህጹጽ ንምፍታሕ ኣድላዪ ምዃኑን፣ ደጊሞም ውን እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ስምምዕ ክህቦ ዝኽእል ፍትሓዊ መንገዲ ብዝርርብን ብዲፕሎማሲያዊ ዘተን ክኸውን ዘለዎ ውን ኣጕሊሖም።
ርክብምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14
ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጤም ኣባስ ብዕለት 21 ሓምለ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብናይ ስልኪ ጻውዒት ተዘራሪቦም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ፣ ኣብቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ግጭትን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዘሎ ዓመጽን ኣተኰረ ዝርርብ ኢዩ ድማ ዝንበረ።
ኣብቲ ዘካየድዎ ዝርርብ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተላእከ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ክኽብር ጻውዒት ኣቕሪቦም ምንባሮም፣ ሰላማውያን ሰባትን ቅዱስ ቦታታትን ናይ ምዕቋብ ግዴታ ኸም ዘለዎም ውን ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኢዩ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃምን ሰላማውያን ሰባት ብግዲ ምምዝባል እውን ኰኒኖምዎ ኢዮም።
ኣብቲ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ብ26 ሰነ 2015 እተፈረመ፣ ኣብ 2 ጥሪ 2016 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሓፈሻዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ፍልስጥኤምን ዘሎ መበል ዓስረይ ዓመቱ ውን ዘኪሮም ኢዮም።