2025.01.24 Cardinale Kurt Koch 2025.01.24 Cardinale Kurt Koch 

ካርዲናል ኮኽ፦ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዘሎና እምነት ንምዕማቝ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ

ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ክርስትያን ማሕበረሰብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኢቁመናዊ ፓትርያርክ ኮንስታንቲኖፓል ንጉባኤ ኒቅያ ንምዝካር ኣብ ዝጽበዩሉ ዘለዉ እዋን፣ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ህብረት ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ እዚ ሓባራዊ ዝኽሪ እዚ ክርስትያናዊ ሓድነት ክምስክር ተስፋ ከም ዝተገብረሉ ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሕቶ፦ እቲ ፈላሚ ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ቅድሚ 1700 ዓመት እዩ ተፈጺሙ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብዚ ዘመን እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ስለምንታይ እዩ?

ካርዲናል ኮኽ፦ እዚ  ዚዀነሉ ኽልተ ምኽንያታት ኣሎ ኢለ እየ ዝኣምን። ቀዳማይ እቲ ጉባኤ ብ325 እዩ ተኻይዱ፣ ኣብቲ ክርስትና ብብዙሕ ምክፍፋልን ምፍልላይን ገና ዘይተጐድአሉ እዋን እዩ ኸኣ ዝንበረ።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እቲ ጉባኤ፣ ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ዚምልከትን ብኢቁመናዊ ሕብርን ሓድነት ክፈጥርን ስለ ዝኸኣለ ኢዩ። ካልኣይ እቲ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ክርስትያናዊ እምነት ከም ወዲ ኣምላኽ ገይሩ ገሊጹልናን ሥሪዑልናን ይርከብ።

ነዚ ከም ብሓድሽ ምዝኽኻርን ኣብ ኢቁመናዊ ምሕዝነት ዘሎና እምነት ንምዕማቝን ድማ ዓብዪ ረብሓ ናይዚ ፍጻመ እዩ።

ኣምላኽነት ክርስቶስ ኣብ ኢቁመናዊ ዝምድና ዘለዎ ኣገዳስነት

ሕቶ፦ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ መለኮታዊ ባህርይ ክርስቶስ ክርክር ኢዩ ዝነበረ። ሎሚ’ኸ ኣብ ኢቁመናዊ ዝምድናታት እንታይ ዓበይቲ ሕቶታት ኢዮም ዘለዉ?

ካርዲናል ኮኽ፦ ብርግጽ እዚ ሕቶ እዚ ዝቕጽል ኢዩ፣ ከመይሲ ኵሉ ዓይነት ዲፕሎማሲታት እናሃለወና ኽነሱ፣ ኣብ ሓድነት ክንበጽሕ እንኽእል ብእምነት ጥራይ ኢና። ኣብታ ንነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ኣባል፣ ወይ ኣካል ክርስቶስ ብጥምቀት እተመሓላለፈትን ብሕድሪ ዝተዋህበትን ሃዋርያዊት እምነት ሓድነት ንረክብ ንኽእል ኢና።

ልክዕ እዩ ጉባኤ ኒቅያ እምነት እተመስረተትሉ ዓብዪ መሰረት እዩ። ኣብ ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ንምእማን እተዋህበ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ሎሚ እውን ኣብ ሕቶ ዘኣተወ ክንዲ ዝዀነ፣ ከም ብሓድሽ ከነዕሙቘ ዝከኣል እዩ። ከም ብሓድሽ ምዕማቝ ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።

ሕቶ፦ ነዚ ዓብዪ ዝኽሪ እዚ ካብ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ብዙሕ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ዕላማ ድማ ብእተኻእለ መጠን ሰፊሕ ተሳትፎ ንምሃብ እዩ ነይሩ። ኣብኡ መን ክርከብ ከም ዝኽልን ወይ ውን መን ከም ክሳተፍ ከም ዘይከኣለ ኣቐዲምኩም ክትሕብሩና ዶ ምኸኣልኩም?

ኣብዚ እዋን እዚ መን ከም ዝመጽእን መን ከም ዘይመጽእን ብልክዕ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ናይ ሓሶት ወረ ምእንቲ ኸይዝርግሕ ኣብዚ መዳይ እዚ ዋላ ሓንቲ ኽዛረብ ኣይደልን እየ።

ዕላማኡ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ክርስትያን ከራኽብ ዝዓለመ እዩ። እዚ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሌት ከኣ እዩ፣ ነዚ ድማ ከጕልሖ ደስ ይብለኒ። ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ግና መን ኣብኡ ኸም ዝተረኽበን መን ኪመጽእ ከም ዘይከኣለን ክንመያየጥ ንኽእል ኢና።

“ኣባኡ ኣብቲ ሓደ፣ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ!”፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጭርሖ

ሕቶ፦ ካብዚ ዝኽሪ እቲ ከመይ ዝበለ ምኽሪ ወይ መልእኽቲ ኢኹም ክርከብ እትደልዩ?

እዚ ዝኽሪ እዚ ኣብ ማእከል እምነት ክርስትና ኸም ዘሎና ዜርኢ ምስክርነት እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓዝዎ ዘደንቕ ጭርሖ እውን ዝሰማማዕ እዩ።

እዚ ማለት ብዙሓትን እተፈላለናን ኢና፣ ግን ከኣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢና ማለት እዩ። እዚ ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመረጽዎ ጭርሖ፣ ንኢቁመናዊ ዝምድናታት እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝምልከት ኢዩ።

ሕቶ፦ ንስኹም ብፁዕነትኩም፣ ነቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘሕለፍኩምዎ ነዊሕ ኣገልግሎት ንድሕሪት ምልስ ኢልኩም ክትርእዩ ከሎኹም፣ ኣብዚ ኣገዳሲ ዝኽሪ እዚ ኽትሳተፉ ከሎኹምን ብውልቅኹም እንታይ ይስምዓኩም?

ብቐዳምነት እዚ ድሕሪ ጉባኤ ኒቅያ፣ 1700 ዓመት ጸኒሑ ንመላእ ህዝበ - ክርስትያን ብኸመይ ከም ዘንቀሳቕሶም ዘሎ ምርኣየይ ኣዝዩ የሓጉሰኒ።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ኣኼባታት ተገይሩ እዩ፣ ብጣዕሚ ብዙሕ ዓውደ መጽናዕትታት እውን ተካይዱ ኢዩ፣ በዚ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ፣ ህዝበ-ክርስትያን ነዚ ጉባኤ እዚ ብምስትንታንን ሓባራዊ እምነቶም ብምሕዳስን ድማ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ።

ናይ "ርሕራሐን ሓድነትን" ምብጻሕ

ሕቶ፦ ድሕሪ ናብ ሃገረ ቱርኪ እውን ናብ ሊባኖስ ክትበጽሑ ኢኹም። ካብዚ ፈላሚ ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንታይ ዝበለ ፍረ ክትርእዩ ትደልዩ?

ርግጽ እዩ ነቲ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኣጸጋሚ ዅነታት ድንጋጽን ሓድነትን ዝገልጽ ምብጻሕ ኢዩ። ንክርስትያን ምእመናን ንምትብባዕ ከኣ እዩ – ኣብ ሃገረ ቱርኪ ክርስትያን ምእመናን ውሑዳት እዮም።

ኣብ ሊባኖስ ድማ ብፖለቲካውን ቍጠባውን መዳይ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዝነብሩ ከቢድ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ ማሮናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ክርስቲያን ዘለዎም፣ እተፈላለዩ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰባት ኣለዉ።

ብርግጽ ንቅዱስ ኣቦና ምጽንናዕን ምትብባዕን እቲ ዜተሓሳስቦም ዘሎ ጕዳይ እዩ። ብርግጽ ኢቁመናዊ ዘተን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዚግበር ምይይጥን፣ ኣብ መንጎ ክርስትያንን እስልምናን ዝግበር ምይይጥ እውን ወሲኽካ፣ እዚ ብፍላይ ኣብ ሊባኖስ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ማሮናዊ ክርስቲያን እዩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ሙስሊም እዩ።

25 Nov 2025, 11:09