ር.ሊ.ጳ. ንጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕ.ሃ.፡ 'ሰላም ከተማዕብሉ እንተደሊኹም ንፍጥረት ተኸናኸኑ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቲ ኣብቲ ናይ በለም ዋዕላ ተረኺቦም ነተጋባእያን ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም ዝኾኑን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቶም ንመበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ኣብ ቤለም ዝተኣከቡ መራሕቲ ዓለም ንፍጥረት ሓልዮት ተባዕን ጭቡጥን ቃል ኪዳን ክኣትዉ ኣተሓሳሲቦም፣ ሰላምን ከባቢያዊ ምሕደራን ዘይነጻጸል ምትእስሳር ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም፣ “ሰላም ከተማዕብሉ እንተደሊኹም ንፍጥረት ሓልዉ፡” ንሓባራዊ ቤትና ምሕብሓብ ግብረ ገባዊ ግዴታን ናብ ነባሪ ሰላም ዝወስድ መንገዲን ምዃኑ ዝገልጽ እምነት ዘንጸባርቕ እውን ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰላምን ፍጥረትን ዝተኣሳአረ ኣዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፡ ዓለማዊ ኣቓልቦ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውግኣትን ግጭታትን ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ፡ ሰላም እውን “ንፍጥረት ግቡእ ኣኽብሮት ብዘይምግባር፡ ብዘመተ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ብሰንኪ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር በብቑሩብ ምንቁልቋል ዓይነታዊ ህይወትን” ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ኣስተብሂሎም። “እዚ ብድሆታት እዚ ንህይወት ኩሉ ኣብዛ መሬት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፣ ስለዚ ድማ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ክብሪ ክቡር ህይወትን ኣምላኽ ዝሃቦ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብን ንሓባራዊ ረብሓን ኣብ ማእከሉ ዘቐምጥ ውሁድን ንቕድሚት ዝጥምትን ብዙሕነታዊ ምትሕግጋዝን ይሓትት።
“ኣብ ማእከል’ዛ ኣብ ባርዕ እትርከብ ዓለም፡ ብሰንኪ ክልቲኡ ምውሳኽ ሙቐት ዓለምን ዕጥቃዊ ግጭታትን፡ እዚ ዋዕላ’ዚ ምልክት ተስፋ ክኸውን ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ግብረ ገባዊ ሓላፍነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም ንቃላት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምዝካር፡ ቅልውላው ስነ ምህዳር ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዳግማይ ናይ ምትሕግጋዝ ስምዒት ዝሓትት “ግብረ ገባዊ ጉዳይ ምዃኑ” ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "ሃገራት፡ ሰላማውን ጥዑይን ዝኾነ ተፈጥሮኣውን ማሕበራውን ሃዋህው ንምድንፋዕ፡ ብተመላላኢ መንገዲ ሓላፍነት ክካፈላ ኣለወን።” እቶም ዝደኸዩን ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑን “ቀዳሞት ብለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ምብራስ ኣግራብን ብከላን ዘስዕቦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ከም ዝሳቐዩ” ኣመልኪቶም፣ ስለዚ ንፍጥረት ምሕላይ “መግለጺ ሰብኣውነትን ምትሕግጋዝን” ምዃኑ ኣጒሖም፡
"ቃላትን ሓሳባትን ኣብ ሓላፍነትን ፍትሕን ማዕርነትን ኣብ እተመስረተ ምርጫታትን ተግባራትን ክንቅይሮ ኣሎና!" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ካብ ቃላት ናብ ተግባር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ 2015 ዝተገብረ ስምምዕ ፓሪስ ንድሕሪት ተመሊሶም ክሓስቡ እንከለዉ፡ “እቲ ኣብቲ ስምምዕ ዝተነብረ ዕላማታት ንምዕዋት ዝወስድ መንገዲ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡” ሃገራት “ስምምዕ ፓሪስን ማዕቀፍ ውዕል ሕቡራት ሃገራትን ብዛዕባ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ብትብዓት ከቀላጥፋ” ኣተሓሳሲቦም፡ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ስቡሕ ኣንተ - Laudato Sì ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ኣስሚሮም ፍራንቸስኮ "ከባቢያዊ ኣየር ናይ ኵሉ ሰብ ዝዀነን ንዅሉ ዝጠቅምን ሓባራዊ ረብሓ ኢዩ" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ንተጋባእያን ብምዝኽካር፡ ወሲኾም እዚ ድማ "ኵሎም ተሳተፍቲ እዚ መበል 30 ዓመታዊ ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ነቲ ሰብኣዊ ወጅሂ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ኣብ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ዘሎ ምህዳራዊ ለውጢ ብትብዓት ኪቕበልዎ ይድርኽ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓድሽ ቍጠባዊ ራእይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም ኩሎም ኣህዛብ ብፍላይ ድማ “እቶም ዝደኸዩን ንናይ ከካቢያው ምዝባዕ ሓደጋታ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑን” ተኽእሎታቶም ክኽውኑን ክብሪ ዜጋታቶም ክሕልዉን “ሓድሽ ሰብ ማእከል ዝገበረ ኣህጉራዊ ቍጠባ ክህንድስ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝበለ ኣቃውማ፡ “ኣብ መንጎ ምህዳራዊ ዕዳን ናይ ወጻኢ ዕዳን ዘሎ ምትእስሳር” እውን ኣፍልጦ ክህብ ይግባእ፡ ብተወሳኺ፡ ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን መዓልታዊ ውልቃውን ስድራቤታውን ፖለቲካውን ምርጫታት፡ ንመጻኢ ወዲ ሰብ ብኸመይ ከም ዝቐርጽ ንኽርድኡ ዝሕግዝ " ኣብ ውሁድ ስነ ምህዳር ትምህርቲ" ክወሃብ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንመጻኢ ዝኸውን ተወፋይነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ ተሳተፍቲ “ሰላማዊት ዓለም ንምህናጽ ነቲ ብእግዚኣብሔር ብሓላፍነት ዝተዋህበና ፍጥረት ክንከላኸልን ክንከናኸንን” ኣተሓሳሲቦም።
ንኹሎም ኣብ መበል 30 ዓመታዊ ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ዝተሳተፉ ንሓባራዊ ረብሓን ንመጻኢ ወዲ ሰብን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣብ ዝወስዱሉ ዘለዉ እዋን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፣ “እዚ ምህዳራዊ ምልዋጥ፡ ንፍጥረትን ክብሪ ደቂ ሰባትን ብማዕረ ዝሕሉ ሓድሽ ምትሕግጋዝ ንምምዕባል የነቓቕሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።