2026.02.18 ሓጢኣትናን ጾር እታ ብሓዊ እትነድድ ዘላ ዓለምን 2026.02.18 ሓጢኣትናን ጾር እታ ብሓዊ እትነድድ ዘላ ዓለምን  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ሓጢኣትናን ጾር እታ ብሓዊ እትነድድ ዘላ ዓለምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ረቡዕ ዕለት 18 ለካቲት ንምጅማር ዓቢይ ጾም 2026 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ኣብዛ "ብሓዊ እትነድድ ዘላ ዓለም" ዘሎና ውልቃውን ሓባራውን ሓላፍነትና ከም ዘብርሁ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን የስተብህል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ረቡዕ ዕለት 18 ለካቲት ንምጅማር ዓቢይ ጾም 2026 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፥ "ጌጋ ኸም ዝገበሩ ዚእመኑ ውልቀ - ሰባትን ትካላትን ተቕዋማትን ዝንስሑ ምርካብ ሳሕቲ እዩ!” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ናይ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ክውንነት ዘቃልሓ ከም ዝኾናን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ዝርከቡ ጌጋ ከምዝፈጸሙ ዳርጋ ብዘይኣምኑ ሰባትን ትካላት ንግድን ተቕዋማትን ተኸቢብና ንነብር ከም ዘሎና ዘነጽርን፡ ጌጋ ኸም ዝገበርና ኣፍልጦ ንምሃብ ከምኡውን ጌጋታትና ብምስትውዓል ይቕረታ ንምሕታት ክንተግህ ከም ዘሎና ዝጽውዕ እዩ።

ምጅማር ዓቢይ ጾም ንክርስትያም ንነብስና ከም ሓጥኣን፣ ሓገዝን ይቕሬታን ከም ዘድልየና ንኽንፈልጣ ዓቢ ዕድል ዝህብ ኮይኑ፣ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ናይ ዓቢይ ጾም ናይ ሓባር ሸነኻቱ ከጉልሕ ምድላዮም ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ “ቤተክርስቲያን ሓጢኣቶም ዘለልዩ ማሕበረሰባት መሰኻኽር እያ።”
ኩሉ ግዜ ግዳማዊ ጸላኢ እናደለናን ንገዛእ ርእስና ወትሩ ኣብ ቅኑዕን ኣብ የማንን ከም ዘሎና ጌርና እናሓሰብና ንዓለምና ኣክንዲ ንጥምት፡ ነዚ ልምዲ እዚ ብዝጻረር ኣረኣእያ ኣቢልና፡ “ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ትብዓት ክህልወና" ተጸዊዕና ኢና እዚ ድማ ውልቃውን ሓባራውን ጉዳይ ዝምልከት እዩ።

ልክዕ እዩ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘጕልሕዎ፡ ሓጢኣት "ብሕታዊ እዩ" ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ Sollicitudo rei socialis - ስክፍታ ንማሕበራዊ ጉዳያት  ብዝብል እርእስቱ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ "ኣብ ናይ ሓቅን ምናባዊ ሃዋሁ ህይወትን ኣብቲ ንሓድሕድና እንነብረሉ ኣረኣእያ ንነፍሲ ወከፍና ዝትንክፍ ኣረኣእያ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓቂ ቍጠባውን ባህላውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን 'መዋቕር ሓጢኣት' እዩ ዝቐርጽ" እንክብሉ ብሕታዊ ሓጢኣት ነፍሲ ወከፍ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ዘለዎ ጽልዋ ድማ የዘኻኽሩ።

ገለ መዳያት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሃዋርያዊ ማዕዳኖም "ዚቐትል ቍጠባ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ዓብዪ ዘይሚዛናውን ዘይፍትሓውነትን ዘምጽእ እዚ ሕጂ ዘሎ ቝጠባውን ገንዘባዊ ምሕደራን ስርዓት እውን ከም ኣብነት ዝጠቅስ ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ብነባሪ ግጭታት ዝድልድል ሰፊሕ ዕዳጋ ኣጽዋር ዝመርሖ ዝጭፍልቕ ቍጠባዊ ረብሓታት እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝበልዎ ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብን ማሕበረሰብን ብሓፈሻ "ክብደት እታ ብውግእ እትጠፍን ኩለን ከተማታታ ዝነደላ ዘላ ዓለም" ክንስምዐ ይዕድመና።

እቲ ሓሙኹሽቲ ዝውክሎ ጉዳይ ኣብ ኣህጉራዊ ሕግን ፍትሕን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ብምሉኡ ኣብ ስነ ምህዳራዊ ስርዓትን ኣብ መንጎ ህዝብታት ስኒትን ኣብ ሓናጺ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ጥንታዊ ከባብያዊ ጥበብን ኣብ ኵሉ ፍጡር ዝነብር ቅዱስ ስምዒት እውን ዝንጸባረቕ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዘብርሁ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽር።

ናይ ጾም ጕዕዞ ክንፍጽም እንከሎና ሓባራዊ ሱታፌ ኣገዳሲ ይኸውን፣ ከመይሲ ብሕታዊ ሓጢኣት ከም ዝዓብይን ናብ "መዋቕራዊ ሓጢኣት" ከም ዝተቐየረን ስለ እንግንዘብ እዚ ንሓባራዊ ተሳትፎና ኣገዳሲ ይገብሮ።

ኣብ ርእስና ሓሙኽሽቲ ክንስነስ እንከሎ፡ ብዛዕባ ብሕታውን ሓባራውን ጌጋታት ናይ ሕልና መርመራ ክንገብር ንጽዋዕ። ስለዚ ጾር ናይታ እትነድድ ዘላ ዓለም ክንስምዖ እንኮለና ከም ማሕበረሰብ ከም ሃገር ከም ኤውሮጳ ከም ኣህጉራውያን ውድባት ነቲ ኣብ 2022 ብምሉ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝጀመረ ኣብ ዘሕዝን ውግእ ደው ንምባል ዝከኣለና ዅሉ ጌርና ዲና? ብስምምዕ መፍትሒ ንምድላይ ዚከኣል ዅሉ ተገይሩ ድዩ ወይስ ሎሚ ዝስዓብ ዘሎ እንኮ ሓቀይና ዕላማ ዳግማይ ንምዕጣቕ ዝግበር ዕቡድ ውድድር ኣጽዋር ጥራይ እዩ?

ድሕሪ እቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 70,000 ዝቑጸሩ ሰባት ዝሞቱላ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ እንኮላ ዝርእዩ ዘለዎ መሰካኽር ጥራሕ ኮንካ ምትራፍ ዝከል ድዩ? ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ ኣብ ባሕሪ መዲተራነያን ዘጋጥም ዘሎ ጃምላዊ ቕትለት ኪቕጽል ከሎ ስደተይናታት ኣብኡ ኺጥሕሉ ኸለዉ ንርጉእ መነባብሮን ፖለቲካዊ ረብሓታትን ብዘቐድም ኣመለኻኽታ ተደሪኽና ከመይ ገይራን ኢና ከም ቅቡል ንርእዮ ዘሎና?

"ንሓጢኣትና ኣፍልጦ ንሃብ" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዕለት 18 ለካቲት ንምጅማር ዓቢይ ጾም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዓተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ይዛዝሙ፣ እዚ ማለት ከኣ ሓሙኽሽቲ ኮይንና ንተርፍ ማለት ዘይኮነስ ክንትንስእን ዳግም ክንህነጽን ኢና ማለት እዩ" እንክብል ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

20 Feb 2026, 14:15