ዝኽሪ ደብዳብ ቦምባታት ናይ 1944 ኣብ ቍሸት ስቡሕ አንተ ዝኽሪ ደብዳብ ቦምባታት ናይ 1944 ኣብ ቍሸት ስቡሕ አንተ 

ስቡሕ አንተ ዝተሰምየት ቍሸት፦ ንግዳያት ደብዳብ ስሙር ሓይልታት ካልኣይ ውግእ ዓለም ትዝክር

ተመሃሮን፡ ነበርቲ ዓድን፡ ኣመሓደርቲ ከተማን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ነቲ ብዕለት 10 ለካቲት 1944፡ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተዓቝቡ፡ ልዕሊ 500 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኣየር ስሙር ሓይልታት ዘኪሮም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ብ1944 ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ፡ ጽልኢ ምስ ሰፈነ እንታይ ከም ዜጋጥም እዩ ዜዘኻኽረና" ክብሉ፡ ዋና ሓላፊ ምምሕዳር ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ አንተ፡ ኣባ ማኑወል ዶራንተስ ገሊጾም።

"ሎሚ ምዝካር ኪበሃል ከሎ ውግእ ፈጺሙ መፍትሒ ከም ዘይኰነ ብንጹር ምዝራብ ማለት እዩ" ክብሉውን ኣስሚሮምሉ።

ኣባ ማኑወል ዶራንተስ ኣብቲ ኣብ ቍሾት ስቡሕ አንተ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጳጳሳዊ መንበሪ ገዛ ናይ ካስቴል ጋንዶልፎ፡ ኣብ እተወደበ ናይ ሰላም እግሪ ጉዕዞ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኢዩ ነዚ መብርሂ ሂቦም። እዚ ድማ ነቲ ብዕለት 10 ለካቲት 1944 ካብ 500 ክሳዕ 700 ዝዀኑ ሰባት ዝቐተለ ናይ ስሙር ሓይልታት ደብዳብ ቦምባታት ንምዝካር ዝተገብረ ኢዩ።

ኣባ ዶራንተስ መግለጺ እና ሃቡ
ኣባ ዶራንተስ መግለጺ እና ሃቡ

ኣብ ግዜ ኲናት ማዕጾ ገዛኻ ክፉት ምግባር

ኣባ ዶራንተስ ነቶም ካብ ካስተል ጋንዶልፎን፡ ኣብ ከባቢኡ ካብ ዝርከባ ከተማታትን ንዝመጹ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ተመሃሮን፡ ዜጋታትን፡ ሰበ-ስልጣንን መግለጺ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን፡ ቅድሚ 82 ዓመታት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ቦምባታት ስርሙ ሓይልታት፡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ዝርከቡሉ መዕቈቢ ምስ ወቕዔ ንዘጋጠመ ፍጻሜታት ዘኪሮም።

ኣባ ድራንተስ፡ "እዞም ሰባት እዚኣቶም ውሕስነት ዘለዎ ቦታ ጥራይ እዮም ዚደልዩ ነይሮም፣ ዑቝባ ይደልዩ ነይሮም።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ተቐቢሎምዎም እኳ እንተ ነበሩ፡ ንብዙሓት ግን "ኣብቲ ዑቝባ ዝረኸቡሉ ቦታ ሞት ረኸበቶም" ክብሉ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ኣዘኻኪሮም።

ኣባ ዶራንተስ፡  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ እዋን እቲ "መግለጺ ኣይኮነን ሂቦም"፡ ኣብ ክንዳኡስ "ማዕጾ ናይ ገዝኦም ከፈቱ፣ ቦታ ኣሰናደዉ፣ ሕይወት ኣድሓኑ፣” እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ፡ ንስነ-ምግባራዊ ክብርታት፡ ናብ ጭቡጥ ተግባር ምቕያሮም ኢዩ፡ ክብሉ ኣብሪሆም።

ተሳተፍቲ ናይ ሰላም እግሪ ጕዕዞ
ተሳተፍቲ ናይ ሰላም እግሪ ጕዕዞ

ንመጻኢ ዝኸውን ትምህርቲ

ሎሚ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ቍሸት ስቡሕ አንተ ቅርጺ ሒዙ ይረክብ ኣሎ፣ ዝበሉ፡ እቶም ኣብ ቺካጎ እተወልዱ ኣባ ዱራንተስ "መዕቈቢ ሓንሳብ ካብ ተዋህበ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ መጻኢ፡ ማለት እምነት፡ ትምህርቲ፡ ቀጻልነት፡ ማሕበራዊ ምትሕቍቋፍ" ይህነጽ ኣሎ። እዚ ከኣ ቀጻልነት ናይቲ ቦታ ንምውሓስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቀጻልነት ናይቲ ትርጕም ንምውሓስ እውን እዩ። ትማሊ ሕይወት ሰብ ካብ ቦምባታት ድሒኑ፣ ሎሚ ከኣ ሕይወት ሰብ፡ ካብ ዘይምግዳስን፡ ምጕዳል ፍትሕን፡ ካብ ምዝመዛ ሃብቲ ምድርን ሰባትን ዕቝባ ይረክብ ኣሎ" ክብሉ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት መግለጺ ሂቦም።

ኣባ ዶራንቴስ ቀጺሎም፡ ዓመተ 2026 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ መበል 800 ዓመት ሞት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ ንምዝካር ዓመት ኢዮቤል ተኣዊጁ ከም ዘሎ ኣዘኻኺሮም።  "ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከም መብዛሕትኹም መንእሰይ እዩ ነይሩ፦ ሕልምታትን ድልየታትን ነበሮ፡ ጐሊሑ ኺርአ ድማ ደለየ።” "ናብ ውግእ ከደ፣ ዓመጽ እንታይ ምዃኑ ድማ ባዕሉ መስከረ። ዓመጽ ንናይ መጻኢ ሕይወት ከም ዝድምስሶ እምበር ከም ዘይሓንጾ ዚገልጽ መሰረታዊ ሓቂ እውን ተረድአ" ክብሉ መገጺኦም ዛዘሙ።

 

21 Feb 2026, 14:13