ካርዲናል ግረች፡ ኣባ ኣርዬታ ኣቦ መንበርን ዋና ኣወሃሃድን ምስራቃዊ ቀኖናዊ ሽማግለ ምስ ካልኦት ኣባላትን ካርዲናል ግረች፡ ኣባ ኣርዬታ ኣቦ መንበርን ዋና ኣወሃሃድን ምስራቃዊ ቀኖናዊ ሽማግለ ምስ ካልኦት ኣባላትን 

ሲኖዶስ፡ ንምስራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን እተወፈየ ሓድሽ ሽማግለ ኣቚሙ

ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ "ብመንፈስ ጕዕዞ ናይ ሲኖዶስ" ንሕገ ቆኖና ምስራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ንምምሕያሽ ሓሳባት ናይ ምምዕባል ሓላፍነት ዘለዎ ሓድሽ ሽማግለ ኣቚሙ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብመንፈስ ጕዕዞ ናይ ሲኖዶስ ንሕገ ቀኖና ምስራቃውያን ኣብያተ-ክርስትያን (CCEO) ንምምሕያሽ  ሓሳባት ንምድላው እተወፈየ ሓድሽ ኣካል ኣቚሙ። እቲ ዝቆመ ኣካል፡ ምስራቃዊ ቀኖናዊ ሽማግለ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ንመጀመርታ ግዜ ብዕለት 20 ለካቲት፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ሲኖዶስ ተጋቢኡ።

ብተወፋይነት ዝሰርሕ ሓይሊ ዕማም

እዚ ሓድሽ ሽማግለ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 እተመስረተ ቀኖናዊ ሽማግለ እተመስረተ እዩ። እቲ ሽማግለ ድሮ ንሕገ ቀኖና ምስራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ንምሕዳስ ገለ ሓሳባት ኣቕሪቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ቀንዲ ኣተኵሮኡ ግን ኣብ ሕገ ቆኖና ላቲናዊት ቤተ-ክርስትያን ኢዩ ነይሩ።

ናይ 2026 ምብራቓዊ ቀኖናዊ ሽማግለ፡ ንመራሕቲ እተን ርእሰ ምሕድርቲ ዝኾና አብያተ ክርስትያን ንዘቕረብዎ ሓያሎ ሕቶታት እውን ምላሽ ይህብ ኣሎ። እዘን አብያተ ክርስትያን፡ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሉእ ሕብረት ዘለወን፡ ግን ከኣ ናይ ገዛእ ርእሰን ፍሉይ ልምድታትን፡ ሥርዓተ ሊጡርግያን፡ ሕግታትን፡ ምምሕዳርን ዘለወን፡ 24 ርእሰ ምሕድርቲ ዝኾና አብያተ ክርስትያን እየን።

እቲ ሓድሽ ሽማግለ ነተን ኣብያተ-ክርስትያን ንምግልጋል፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ቤት ጽሕፈታት ቅድስቲ ምንበር ምትሕብባር ንምድንፋዕ ዝዓለመ ዀይኑ፡ በቶም ካብ ኣማኸርቲ ሕጋዊ ሰነዳት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፡ ንምስራቃውያን አብያተ ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን እተመርጹ ክኢላታት ምስራቃዊ ሕገ ቀኖና ዝቘመ እዩ።

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች "ምስ ጕጅለ መጽናዕቲ ቍ. 1፡ ፍሉይነት ምስራቃዊ ሕገ ቀኖና ኣብ ግምት ብምግባር፡ ብዛዕባ ገለ መዳያት ርክባት ኣብ መንጎ ምስራቃዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን፡ ላቲናዊት ቤተ-ክርስትያንን ብምትሕሓዝ ክዓዪ ዝኽእል፡ ውፉይ ሽማግለ ምቛም ግቡእ ኰይኑ ተረኺቡ" ብምባል ገሊጾም።

እዚ ጉጅለ መጽናዕቲ እዚ ሓደ ካብቶም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2024 ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝቆሙ ዓሰርተ ጕጅለታት እዩ። ኣብቲ ጉባኤ ምስ ኵነታት ሲኖዶስ ዝዛመድ፡ ብዛዕባ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ዝርኢ ብዙሕ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ተላዒሉ ነይሩ።

ካርዲናል ግሬች፡  "ነዚ ናይ ኣፈጻጽማ ደረጃ ብዝገልጽ" ብመንፈስ ሲኖዶሳዊነት፡ "ርእሰ-ምሕድርቲ ዝኾና ንኣብያተ ክርስትያን፡ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳትን፡ ካቶሊካውያን መንበረ ጥበባትን፡ ተቕዋማትን፡  ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን ክሳዕ ዕለት 15 ሚያዝያ 2026 ኣበክቶኦም ናብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ከቕርቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም።"

መዝነት

ኣብ ሓጺር እዋን፡ እዚ ሓድሽ ሽማግለ "ነቲ ካብ 2021-2024 ኣብ ጕዕዞ ሲኖዶስ ዝቐረበ ሕጋዊ ውጥን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ (2023) ዝርዝራዊ ጸብጻብን፡ ከምኡውን ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይ (2024) ተዘርዚሩ ዘሎ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንድፊ መዐቀኒታት ናይ ምድላው ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ።"

ንዕዮ እቲ ሽማግለን፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ምስራቃዊ ስርዓተ ሕግን ንምሕዳስ ከኣ፡ እቲ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ናይ ኩርያ ዝኾነ፡ ዋና ጸሓፊ ሕጋዊ ሰነዳት ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ኬወሃህዶ ኢዩ።

 

21 Feb 2026, 14:23