ኵላዊ ክንክን ጥዕናን ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ወጻኢታትን ብድሆ ፍትሕን ኵላዊ ክንክን ጥዕናን ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ወጻኢታትን ብድሆ ፍትሕን 

ኵላዊ ክንክን ጥዕናን ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ወጻኢታትን ብድሆ ፍትሕን

ብዛዕባ እቲ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ግዳማዊ ግዝኣት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝኾነ ኣጎስጢኒያኑም ተቕዋም ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ዝተኻየደ ዕለት 17 ለካቲት እተዛዘመ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ህይወት ዘዳለዎ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይቲ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል "ሓልዮት ጥዕና ንኹሉ፡ ዘላቕነትን ፍትሓውነትን" ዝብል ምንባሩ ናይቲ ጳጳሳዊ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ኣባ ረንዞ ፔጎራሮ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዘተን ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ዓለም ኣብ ድሌት ዝተመርኮሰ ኵላዊ ሽፋን ንምርግጋጽ ዝኽእል ስሉጥ ስርዓታት ክንክን ጥዕና፡ ብድሆ ዘላቕነትን ፍትሓውነትን ኣገልግሎታት፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘርአ ዘሎ ወስኽ ወጻኢታትን እርጋን ሕብረተሰብን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣብቲ ዕለት 17 ለካቲት እተዛዘመ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ህይወት ተቕዋም ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ገለ ካብ ዝተመያየጠሎም ኣርእስታት፡ ናይቲ ተቕዋም ኣቦ መንበር ሓኪም ናይ ስነ መጥባሕቲ ሊቕ ከምኡ እውን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ የኔታ ረንዞ ፔጎራሮ ምዃኖም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

የኔታ ፔጎራሮ ንገለ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 ለካቲት ነቶም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ ተቐቢሎም ዘስምዕዎ መደረ፡ ንጥዕና ዝጸልዉ ከባብያውን ማሕበራውን ረቛሒታት፡ ተራ ምክልኻል፡ "ጸጋታት ክዋፈረሉ ዘለዎም ጉዳያት” ከምኡ'ውን ኣገዳስነት ርክብን፡ ቤተክርስትያን "ንኹሉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃን ዕድመን ሓቀይና ክንክን ጥዕና ኣብ ምድንፋዕ" ዘለዋ ተራ ማእከል ዝገበረ ምንባሩ የዘኻኽሩ።

ሓሙሽተ ዕላማታት ንስሉጥ ስርዓተ ክንክን ጥዕና

ኤዚኪየኤል ኤማኑኤል ምኽትል ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ተበግሶታት - ተሓባባሪ ዋና ሓላፊ ተቕዋም ኣብ መንበረ ጥበብ ፔንስልቨንያ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ፐረልማን ዝርከብ ትካል ለውጢ ክንክን ጥዕና፡ ቀጺሉ ነቲ ዚዓዪ ስርዓት ጥዕና ዚልለየሉ ሓሙሽተ ሸቶታት፦ ማለት ኵላዊ ሽፋንን ተበጻሕነትን፣ ርትዓዊ ወጻኢታት፣ ልዑል ደረጃ ክንክን ጥዕና፣ ምንካይ ፍልልያትን ዘዕግብ ኣገልግሎትን ዝብሉ ዘርዚሩ፡ ብዛዕባ ምምሕዳር ወጻኢታት ብዝምልከት እቲ ቀጥታዊ ትሑት ወጻኢታት ካብ 2 ሚእታዊት ገምጋም ኣታዊ ስድራቤት ክበዝሕ ከም ዘይክእልን ብዝዀነ ይኹን መገዲ ድማ "ናይ ጥዕና ጉዳይ ዝምልከት ዕዳ" ክብ ዘብል ክኸውን የብሉን፡ ከም ብሓድሽ ልዑል ደረጃ ክንክ ጥዕናን ንምርግጋጽ ኣብ ኣባይትን ማሕበረሰብን ዝቐርብ ኣገልግሎት ዘመሓይሽ መዐቀኒታት ምዝርጋሕ ከምኡውን ሕሙማት ናብ ቀዳማይ ደረጃ ክንክን ንኽኣትዉ ምቅልጣፍን ብቑዕ ክንክን ጥዕናን ምርግጋጽን ሰብ ሰረሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕና ምጥቃም ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሩ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንድኻታትን ኣብ ሓውሲ ከተማታት ዝነብሩ ሰባትን ዘይማዕርነት ንውጋድ ዝግበር ሓገዝ ክሰፍሕን ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣልኮላዊ መስተን ሽኮር ዘለዎ መስተን ቀረጽ ክብ ክብልን ንምሉእ ጥዕና ኣገዳስነት ዘለዎ መግቢ ናይ ምንካይ ሓደጋታት ንምብዳህን ትምህርቲ ንምምሕያሽን ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣፍሪቃ ትኹረት ምግባር

ብድሆታት ኵላዊ ሽፋን ክንክን ጥዕናን ምዕዋት ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለን ኣብ ትሕቲ ሃገራት ሰሃራ ኣፍሪቃ ንዝረኣዩ ዓይነት ሕማማት ዘድሊ ክንክን ጥዕና ምቕራብ ዘለዎ ኣገዳስነት ሺላ ተሉ ኣባል ቃል ኪዳን መራሕቲ ሃገራታ ኣፍሪቃ ንምውጋድ ሕማም ዓሶ” ኣብሪሃ፡ "ብምርምርን ትምህርትን መምርሒ ሕግታት ብምቕያር ዓለምለኻዊ ማዕርነት ጥዕና ውሑስ ምግባር" ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ናይ ውልቃ ተመክሮ ኣካፊላ፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ ኣፍሪቃ ካብ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ዝረሓቐት ምዃና ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዘረጋግጾ ሓቢራ፡ ብዛዕባ ኤች ኣይ ቪ ክሳዕ ሕጂ ኣዝዩ ልዑል መጠን ሞት ናጽላታት፡ ከምኡውን ሞት ኣዴታት ልዑል ምዃኑን፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ማይን ናይ ሕርሻ መሬትን ዘስዕቦ ሓደጋታትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ለበዳ ኤች ኣይ ቪን ኢቦላን ብሰንኪ ምንካይ ህዝባዊ ረድኤትን ሕጽረት ወፍርን ቍጠባዊ ሕጽረት ኣመልኪታ፡ ነዚ ንምብዳህ “ተበጻሒ፡ ቅቡል፡ ብተመጣጣኒ ዋጋን ኵላውን” መባእታዊ ክንክ ጥዕናን ምርግጋጽ ወሳኒ ምዃኑ ከም ዘስመረትሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንስደተይናታት ክንክን ጥዕና ምርግጋጽ

የኔታ ሮበርት ቪቲሎ ኣብ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣማካሪ ብወገኖም ኣብ ክንክን ጥዕና ንስደተይናታት ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ስደት ክመሓደር ዘለዎ ጸገም ኣይኮነን ክፍሊ ሰብኣዊ ክውንነት ኢዩ፡ ወትሩ ድማ ዝህልው ክስተት እዩ ቢሎም - ካቶሊካዊ ኣህጉራዊ ሽማግለ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን" ዘቕረቦ ሓበሬታ ተወኪሶም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ሓደ ቢልዮን ስደተይናታት ከም ዘለዉን ልዕሊ 117 ሚልዮን ሰባት ድማ ብሰንኪ ውግእን ባህርያዊ ሓደጋታትን ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ዝተገዱ ምዃኖም ገሊጾም፡ ስደተይናታት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰሎም ውሑስ ምግባር ሰብኣውን ግብረ ገባውን ግዴታ እዩ። ስለዚ ኣብ ስርዓት ክንክን ጥዕና ከም ኩሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክጽምበሩ ይግባእ፡ ብሕግን ስርዓትን እውን ውሑስ ክኸውን ናይ መንግስታትን ሃገራትን ሓላፍነት እዩ እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ  ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኲናት፡ ክታበትን ስነ-ምግባርን

የኔታ ፔጎራሮ ኣስዒቦም፡ ብኲናት ዝተሃስየ ክንክን ጥዕና ብዝምልከት፡ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ሕክምናን ሓኻይምን ዝውርድ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ተመክሮ ዘለዎም ኩናት ካብ ዝካየደሉ ዞባታት ዓለም ዝመጹ ወከልቲ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝሃብዎ ምስክርነት ጠቒሶም፣ ኣብ ጉዳያት ህይወት ስነ - ምግባራዊ ኣቀራርባ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ "እቲ ብድሆ ዓቢ'ዩ፡ ነዚ ንምብዳህ ኣብ ሕጋዊ ሸነኽ ምትኳር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ስነ - ምግባራውን ማሕበራውን መዳያት ከነተኲር ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመልክት።

18 Feb 2026, 15:53