ሃገረ ቫቲካን መበል 400 ዓመት ዝኽሪ ቡራኬ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምዝካር ትብገስ ኣላ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ኻህናት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣቦ መንበር ኣገልግሎታት ቅዱስ ጴጥሮስን ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ጋምበቲ፣ መበል 400 ዓመት ዝኽሪ ቡራኬ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምጽንባል እተፈላለየ ተበግሶታት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 16 ለካቲት ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብዛ ዓመት ብዕለት 20 ለካቲት ብምረቓ ሓድሽ ፍኖተ መስቀል ከም እትጅምርን፣ ብዕለት 18 ሕዳር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዱስ ቅዳሴ ከም እትዛዘምን ገሊጾም።
ብብዙሕ ቋንቋታት ዝቐርብ ሊጡርጊያዊ ገጻት
ብፁዕ ካርዲናል ጋምበቲ ብዛዕባ እዛ ዓመተ መንፈሳውን ባህላውን ተክኖሎጅያውን ምዕባለታት እንክገልጹ፣ ንነጋድያንን መፈሳውያን በጻሕትን ዝኸውን ሓደሽቲ መደባት ገለጹ። ንኣብነት ምስቲ ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እተመስረተ ናይ ቋንቋ ተበግሶታት ዓለምለኻዊ ቅድምና ዝረኸበ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሓሊ ዘሰናደዎን ዝተርጐሞን ብዙሕ ቋንቋታት እተሰናደወ ናይ ሥርዓተ ሊጡርጊያ መድረኻት እውን ቀሪቡ ይርከብ።
እዚ ድማ ኣብ ናይ ኢድ ቴሌፎናት ክርከብ ዝከኣል ኣብ ህልዉ ግዜ ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እተተርጐመ ምደባት ከቕርብ ኢዩ፣ እዚ ድማ ምእመናን ነቲ ቐንዲ መደባት እቲ ጽንብል በቲ ዝመረጽዎ ቛንቋ ንኽከታተልዎ ዘኽእል ክኸውን ኢዩ።
ኣብ መእተዊ ዀነ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ነዚ መተግበሪ እዚ ካብ ኢንተርነት ከውርድ ወይ ፍሉይ መሳርሒ ኸይተጠቐምካ ብምውራድ ብጽሑፍን ብድምጽን ንምክትታል እተወፈየ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ንምእታው ዘኽእል ኮድ (QR) ብምስዓል ክግበር ይከኣል።
እዚ መተግበሪ እዚ በቲ ላራ ዝተሰምየ ናይ ቋንቋታት ገጻት እተዳለወ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ናይ ትርጕም መድረኽ ኣብ ህልው ግዜ ናይ ምትርጓም ክእለት ብዘለዎ መተግበሪ እተሰናደወ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ክፉታት ዘይነበሩ ቦታታት ምብጻሕ
ኣብ ርእሲ እዚውን ገለ ገለ ቅድሚ ሕጂ ክብጽሑ ዘይከኣሉ ዝነበረ ቦታታት እቲ ባዚሊካ ንበጻሕቲ ኸም ዝኽፈቱ ገሊጾም፣ እዚ ኸኣ ንብምሉኡ እቲ ሰለስተ ሰገነታት ባዚሊካ ዘራኽብ ከም ገለርያ ዝመስል ክፋላት ዘለዎን ከምኡውን ቅርጻ እቲ ባዚሊካ ዘርኢ ሸሞንተ ገጻት ዘለዎ ስርሓት ናይ ኣንቶንዮ ዳ ሳንጋሎን ከምኡውን ናይ ሚክኤል ኣንጀሎ ዶምን፣ ካብ መዛግብቲ ቤተ-መዘክር እቲ ባዚሊካ እተረኽበ ስርሓት ዘለዎ ኣዳራሻት ዜጠቓልል እዩ።
ስማርት ፓስ ዝተሰምየ ሓድሽ ግዚዊ ናይ ቆጸራ መትሓዚ ኣገባብን፣ ንቅዱስ ባህርያት እቲ ቦታ ብምሕላው ንበጻሕቲ ንምቍጽጻር ክሕግዝ እተሰናደወ ምዃኑ እውን ገለጹ።
ዝሰፍሐ ኤለክትሮኒካዊ ኢኮሲስተም ነጋድያን ድማ ንሓሳባት ጸሎትን ምስክርነትን ንክፋል ከም ዘኽእሎም እውን ገለጹ።
ብፁዕ ካርዲናል ጋምበቲ ወሲኾም፣ እዚ ዝኽሪ ሚእቲ ዓመት ምጽንባል ንሓደ ዕለት ምዝካር ጥራይ ዘይኰነስ ህይወትን ተስፋን ዚህብ "ናብ ልቢ ምምላስ" ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።
መንፈሳዊ አገልግሎትን ተሓድሶን
ካርዲናል ጋምቤቲ ኣስዒቦም፣ ሰሙናዊ "መንፈሳዊ መደባት" ጸሎትን ቅዱሳት መዛሙርን ከም ዝካየድ፣ ከምኡውን ብዛዕባ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቐርብ ኣስተምህሮታትን ቅዱስ መጽሓፋዊ ኣስተንትኖታትን ከም ዝካየድ እውን ኣዊጆም።
ብተወሳኺ ኣሰር ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ሮማ ዝገልጽ ፍሉይ ናይ ነጋድያን መስመር ከምኡውን ብዕለት 29 ሰነ ምስ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ብምትሕሓስ ምደባት ደራማዊ ምርኢታት ከም ዝቐርብ እውን ገሊጾም።
ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ጋምቤቲ፣ "ብድሕሪ እቲ ዝርአ" ሓባራዊ ውጥናት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ማሕበር ኣገልግሎታትን፣ ናይቲ ኤኒ (Eni) ዝተሰምየ ናይ ኢጣልያ ኩባንያ ጸዓትን ምህላዎም መስከሩ፣ እዚ መደባት እዚ ድማ ንመዋቕር ባዚሊካ ቅድስ ጴጥሮስ ብእተወሃሃደ ቀዋሚ ስምረት ምቍጽጻርን ንምዕቃብን ዝዓለመ እዩ ክብሉ መስከሩ።
ሓደስቲ ናይ ጽሑፍ ቅርጽታት
ብተወሳኺውን ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ "ሚክኤል ኣንጀሎ" እተሰምየ ትካላዊ ምንጭታት ከተቕርብ ምዃና ገለጹ፣ እዚ ድማ ብናይ ኢድ ጽሑፍ ቡናሮቲ እተሰናደወ “ናይ ጽሑፍ ቅርጽታት” ብስቱዲዮ ጉስቶ እተዳለወ ኣብ ናይ ማይክሮሶፍት መተግበሪታት ክጠቓለል ኢዩ።
ካርዲናል ጋምበቲ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጁልየስ ኣብዚ ዘመን እዚ ዳግማይ ከምቲ ቀደም ዘይነበር ንምሕዳስ ዳግም ምህናጽ እንተ ዝደልዩ ነይሮም፣ ሎሚ ሳላ ምዕቡል ተክኖሎጂ ብዘይ ምፍራስ ክገብርዎ ከም ዝኽእል ኣረጋገጹ።