"ናይ ሰብ ድምጽን ገጽን ምዕቃብ" ኣህጕራዊ ዋዕላ "ናይ ሰብ ድምጽን ገጽን ምዕቃብ" ኣህጕራዊ ዋዕላ 

ኣህጉራዊ ዋዕላ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባንያኑም ክካየድ ኢዩ

ብምትሕብባር ብዛዕባ ማኅበራዊ መራኸቢታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፡ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፡ ብተቕዋም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23፡ ዝተወደበ ኣብ መንበረ ጥበብ ኡርባንያና፡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ብዕለት 21 ግንቦት ክካየድ ኢዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ማኅበራዊ መራኸቢታት ንምዝካር፡ ብዛዕባ ማኅበራዊ መራኸቢታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝመጽእ ኃሙስ ዕለት 21 ግንቦት፡ ኣብ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያና ኣህጉራዊ ዋዕላ ከአንግድ ኢዩ።

እቲ "ድምጽን ገጽን ደቂ ሰብ ምዕቃብ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ጉባኤ፡ ነቲ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመዓልቲ ዓለም ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ዘቃልሕ ኰይኑ፡ ኣዳለውቲ እቲ መደብ፡ ምሁራት፡ ተወከልቲ ትካላት፡ ክኢላታት ልዑል ተክኖሎጂ፡ ከምኡውን ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ብልሒ፡ ኣብ ሕይወት ውልቀ-ሰባትን፡ ማሕበረሰባትን፡ ሃገራትን ዘለዎ ጽልዋ ንክዝትዩ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዓዲሞም ይርከቡ።

ናይ ኣስተንትኖን ዘተን ጊዜ

እቲ ዋዕላ፡ ምስ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስት መንበርን፡ ምስ ተቕዋም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ብምትሕብባር ዝግበር ኰይኑ፡ ብዕለት 21 ግንቦት፡ ንምሉእ መዓልቲ፡ ኣብ ቀንዲ ኣደራሽ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባንያና ኪካየድ ኢዩ።

ዕላማኡ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ንውህበት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ከም ዓሚቝ ሓቂ ደቂ ሰብ ኣኽቢርካ ርኣዮ፣ ኵሉ ተክኖሎጅያዊ ምህዞታት እውን ናብኡ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ምላሽ ንምሃብ ናይ ኣስተንትኖን፡ ዘተን ህሞት ክኸውን ኢዩ።

እቲ ኣኼባ ብፓውሎ ሩፊኒ ህየንተ ናይ ብዛዕባ ማኅበራዊ መራኸቢታት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፡ ብካርዲናል ሆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንካ ህየንተ ናይ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ክኽፈት ኢዩ።

16 May 2026, 11:57