ብዛዕባ ጉዳያት ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መነር ዘሓለፎ 'ጽዑቕ ሰሙን'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንብር ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፣ ካብ ዕለት 23 ክሳዕ ዕለት 30 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ፓላዞ ሳን ካሊስቶ ዝስመ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ንምፍላምን ንምቕራብን "ጽዑቕ ሰሙን" ዓውደ መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ።
ንዅሎም ኣባላቱ እንተላይ ነቶም ካብ ሮማ ወጻኢ ንዝሰርሑ መሻርኽቱን፣ "ዲያስፖራ" ተባሂሎም ዝፍለጡ መሳርሕቱን፣ እተፈላለየ ንጥፈታት ቀዲቡ ይርከብ። እዚ ድማ ናብ ቤተ-መዘክር ቫቲካን፣ ቦርጎ ስቡሕ ኣንተን ምብጻሕ ከምኡውን ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ኦ ንግሥተ ሰማይ ምስታፍ ዘጠቓልል ክኸውን እዩ።
ኣብ ክንዲ ኣርእስትታት ጥራይ ምጽዓን ጽን ኢልካ ምስማዕ
እዚ ልሙድ "ጽዑቕ ሰሙን" ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብ፣ ካብ 2023 ዓ.ም. ተጀሚሩ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት እውን ብቐጻሊ ክግበር ዝጸንሐ ኢዩ። ህየንተ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፣ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ሰለስተ ቐንዲ ሸቶታት ናይዚ ዓውደ መጽናዕቲ ገሊጾም፦ ኣብዚ እዋን እዚ ንተልእኾ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዳግም ምንባብ፤ ስሉጥ ኣሰራርሓ ንምምዕባል ውሽጣዊ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ምድልዳል፤ ከምኡውን ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዘገልግሉን ኣብ ዲያስፖራ ዘለው ልኡኻትን ርክብ ንምድልዳል ዝዓለመ ኾይኑ፣ ንኣገልግሎት እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዘበልጽግ ኢዩ ይብሉ።
ብዛዕባ እቲ እተዛተዩሉ ኣርእስትታት ኣመልኪቶም ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ እንክገልጹ፣ ነቲ "ዶግማ" ክብሉ ዝጸውዕዎ ብምጥቃስ፦ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ካብ ላዕሊ ኹሉ ቀዳምነት ዝወሃቦም ነገራት ኣይወጽእን ኢዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ነተን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ይሰምዕን፣ ኣብ ፍሉይ ከባቢታት ንሰብኣዊ ምዕባለ ዝዕንቅፍ ነገራት ንምፍታሕ፣ ኣብ ተልእኾአን ዘሰንየን ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱ።
ምስ እዚ ሓሳባት እዚ ብምስምማዕ ድማ ዋና ጸሓፊት ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንብር ዝኾና ክብሪቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ፣ ነዛ ሰሙን እዚኣ፣ መዓልታዊ ንጥፈታትና እትቋርጽን "ጻዕዚ ዝመልኣ" እዋን ከም ዝዀነት ገሊሊጻ ትርከብ። እታ ኸም መምርሒ ብሶላ ገይረን ዘቅረብኣ ቐንዲ ቓል ድማ "ፍልጠት" እያ ዝንበረት።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025 ንክቡር የኔታ ኣንቶኒ ኦንየሙቸ ኤክፖ ዝተክኡ ምክትል ጸሓፊ ክቡር የኔታ ዮዜፍ ባርላሽ ብወገኖም፣ ዲያስፖራ ናይ ሎጅስቲክስ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምስሊ ናይታ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዘላ ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ ኣጕልሑ።
'ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ንጳጳሳትን ምሕጋዝ'
እቲ ኣብ ኣዳራሽ ቫን ቱን እተገብረ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ፣ እተፈላለየ መበቈልን ዕድመን ቋንቋታትን ግደን ብዘለዎ ምዉቕን ህያውን ሥርዓት እዩ ተኻይዱ።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ንዅሉ ኽፋላትን ዓውድታትን እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስጋናኦም ብምግላጽ ድማ ነቲ ናይ መኽፈቲ ሥነ-ስርዓት ዘዘምዎ።
ካብ መንጎ እቲ ናይ ሥነ ህንጸት ኣኼባታት፣ ብብፁዕ ካርዲናል ፋቢዮ ባጆ ምክትል ጸሓፊ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፍት ዝምራሕ ብቀጻሊ ሓደ ምስ ሓደ ዝግበር መስርሕ ናይ ኣሰንዮ እውን ተኻየደ። እቲ በዞም ካርዲናል ዳግም እተጠቅሰ መምርሒታትን መሰረታዊ ስርዓታትን ንጹር መርኣያ እዩ ዝነብረ፦ እዚ ድማ ዕላማ ፍጻመታት ንምውዳብ ዘይኰነስ፣ ነቲ መስርሕ ምድጋፍ ከምኡውን ተበግሶታት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ መገድታት እዚ ጭቡጥ ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት ውጽኢት ንምርካብ ዝዓለመን ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ነባሪ ኣሰር ክገድፍ ዝኽእል መገድታት ምንዳይ ኢዩ።
ካብ መንጎ እቶም ወጻእተኛታት ኣብቲ መደብ እተሳተፉ፣ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ኣብ ፍሎረንስ ዝርከብ ተቕዋም መነበረ ጥበብ ኣውሮጳ ዝኾነ ዶክተር ፓስኳሌ ፌራራ ድማ ይርከብዎም ነበሩ።
ንውሽጣዊ ዝርርባት ምምርማር
ኣብዚ ምሉእ ሰሙን እዚ፣ ብምሉኦም ሰራሕተኛታት ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ነቲ ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝጀመረ ውጥን ብምቕጻል ብውሽጣዊ መራኸቢ መስመራት ንምምሕያሽ፣ ብዛዕባ ሓድስቲ መደባት ንምምይያጥ ኣጋጣሚ ረኸቡ።
ኣብ መእተዊ እቲ ጉባኤ፣ ክብርቲ እናቴ ስመሪሊ ኣብ መዓልታዊ ዕዮ ውጽኢታዊ ርክባት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሓ።
ማእከል ናይቲ ጉባኤ ድማ ተግማራዊ ልምምድ እዩ ዝንበረ። ተሳተፍቲ ኣብ ሸውዓተ ጕጅለታት ተኸፋፊሎም፣ ኣብ እዋን እቲ መስርሕ ኣብ እተላዕሉ ጕዳያት ጉጅላዊ ዕማም ፈጺሞም እዮም፣ እዚ ኸኣ ካብ ውጽኢታዊ ኣኼባታት፣ ክሳዕ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ኣብያተ-ጽሕፈትን፣ ምምሕዳራዊ ሓበሬታ ምክፋልን ዝብል እዩ ዝንበረ። ብድሕርዚ ስዒቡ ድማ ትዕዝብትን ኣገባባትን ተወሳኺ ሓሳባትን ኣቕረቡ።
ውዕሎ ኣብ ቦርጎ ስቡሕ ኣንተ
ንጥፈታት ናይ ዕለት 28 ሚያዝያ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ እውን ብጽቡቅ ኣግባባት ተኻይዱ። እታ መዓልቲ በቲ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ቪቶሪዮ ፍራንቸስኮ ቪዮላ ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሥርዓተ ኣምልኾ ምስጢራትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ጥቓ ሓወልቲ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዚርከብ መሠውኢ ተጀርሚሩ።
ቀጺሎም ድማ ብፁዕ ካርዲናል ባጂዮ ብዛዕባ ምዕባለ ናይቲ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡሕ ኣንተ እዋናዊ ሓበሬታ ኣቕረቡሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ብወገኖም ኣብቲ "ኣውያት ድኻታትን ምድርን ንምስማዕ" ዘርእስቱ ሰነድ ናይ ሲኖዶስ ጕጅለ መጽናዕቲ ቍጽሪ 2 ተመርኲሶም ሓደ ኣስተንትኖ ኣካፈልዎም። ንድኻታት ከም ንጡፋት በዓል ቤት፣ ከም ተዓዘብቲ ዘይኰነስ ከም ተዋሳእቲ ጌርና ምርኣይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገልጽ ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ብድሕሪዚ ቐትሪ ብኽኢላ ዝተመርሐ ናይ ጕጅለታት መጽናዕቲ ኣኼባ ተኻየደ።
ናይ መወዳእታ ምሕጽንታ
ኣብቲ ናይ መደምደምታ እተኻየደ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ፣ ነቶም ተሳተፍቲ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣቓልቦን ደገፍን ክገብሩ እውን ተማሕጸንዎም።
ብተወሳኺውን ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፣ ናብ ሃገረ ካሜሩን ዘካየድዎ ሃዋርያዊ ምብጻሕ ናብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣፍሪቃ በጺሖም ኣብ ዝለገስዎ መደረ "ዝዀነ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ቅኑዕ ሕልና እንተ ዘይተመስሪቱ ክዕምብብ ኣይክእልን ኢዩ" ከም ዝበሉ እውን ዘኪሮም።
ካብዚ ብቅዱስ ኣቦና ዝቐረብዎ ሓሳባት ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ከም ዝገለጽዎ መዓልታዊ ዕዮ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ጉስነታዎ ኣገልግሎትን ኣሰንዮትን ከም ምትብባዕን ብድሆን ምኹኑ ኣስተንቲኖም።
ኣብዛ ኵሉ ነገር ኪዝረበሉን ክሕዘበሉን ዝከኣል ዲጂታል ዓለም፣ "ቅኑዕ ሕልና" ከምኡውን "ቅዱስ ሃረርታ" ነቲ ናብ ምሉእ ምዕባለ ደቂ ሰብ ዝመርሕ ሓባራዊ ጕዕዞ ድልዱል መሰረት እዩ ዜመልክት። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ሸቶ ከምቲ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተመባጽዖ "ህይወት ምስ ተረፉ" ንምድንፋዕ እዩ።