ቅድስቲ መንበር ኣብ ዓበይቲ ዲጂታላዊ ፈነወታት መዓልታዊ መደባት ፈነወ ትጅምር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዛሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ በቲ ብኢጣልያዊ ዲጂታል ፕላትፎርም Selfiestreet ተባሂሉ ዝፈለት መስመር ዝምራሕ ናይ ዲታትላዊ ሓበሬታ መንርበብ ኣቢሉ ምስ ቅድስቲ መንበር እተተሓሓዘ ወግዓዊ ትሕዝቶ ንምዝርጋሕ ሓድሽ ተበግሶታት ኣፋሊጡ።
ካብ ዕለት 17 ግንቦት ጀሚሩ እዚ ውጥን እዚ ኣብ ከተማታት ሮማን ሚላንን ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ብዙሕ ተዓዘብቲ ዘለዎ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝርከብ ስክሪናት፣ መዓልታዊ ስእልታትን ቪድዮታትን ፍሉይ ፈነወታትን ከቕርብ ተወሲኑ ኣሎ።
እዚ ተበግሶ እዚ ድምጽን ንጥፈታትን ቅድስቲ መንበር፣ ብዘመናዊ ዓይነት ዲጂታላዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ናብ ዝሰፍሐ ሰማዕቲ ንምብጻሕ ዝዓለመ መደብ እዩ።
ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ እዚ ውጥን በብቝሩብ ናብ ካልኦት ከተማታት ሃገረ ኢጣልያ ተወሳኺ ስክሪናት ክሰፍሕ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንሓበሬታዊ ትሕዝቶ ቅድስቲ መንበር ካብቲ ልሙድ መስመራት መራኸቢ ብዙሓን ንላዕሊ ከስፍሖ ትጽቢት ይግበረሉ።
እዚ ምትሕብባር እዚ፣ ኣብቲ ኣብ 2025 ኣብ ዘመነ በዓለ ልደት እተላዕለ ስእልታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን፣ ኣብ በዓለ ልደት እተቃልሐ መልእኽትታትን፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ገፍቲ ኤለክርቶኒካዊ ስክሪናትን ምስ ተዘርግሐ፣ ኣቐዲሙ ብግሉጽ መንገዲ ኣብ ዝርአ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ወፈራ መሰረት ብምግባር እተወደበ እዩ።