ቅድስቲ መንበር ኣብ ግጭት ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ንምሕላው ግብረ ገባዊ ተወፋይነት ክህሉ ትጽውዕ ቅድስቲ መንበር ኣብ ግጭት ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ንምሕላው ግብረ ገባዊ ተወፋይነት ክህሉ ትጽውዕ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ኣብ ግጭት ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ንምሕላው ግብረ ገባዊ ተወፋይነት ክህሉ ትጽውዕ

ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ቦታታትን ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕናን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ብምምጽኡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባርን ንሰላማውያን ሰባት ምሕላውን ህጹጽ ኣድላይነት ምዃኑ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣጒሊሖም ብእደ ጥበብ ዝስነይን ዘሎ እዋናዊ ኲናት ስነ-ምግባራዊ ስክፍታታት ዘቕርብ ምዃኑ ኣመልኪቶም ኣብ ዘተ ዝተሃንጸ ሰላም ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ "ዕቝባ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዕጥቃዊ ግጭታት" ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ ዝመኸረ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ፡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዘመናዊ ግጭታት እቲ ዝኸበደ ጾር ስለ ዝጾሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝ ዓመጽ ጥሜት ከምኡውን ምዕናው ወሳኒ ኣገልግሎታት ምኽንያት ስለ ዝሳቐዩ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሕዝን ጭቡጥ ኩነታት ዘርዚሮም፡ ሰላማውያን ሰባት ምዕቋብ ፖለቲካዊ ወይ መስርሕ ብድሆ ጥራይ ዘይኰነስ ዓሚቝ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡  "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ  'ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተጻሕፈን ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ተፈላጥነት ዝረኸበን መሰረታዊ ስርዓት ሰብኣውነት ንህዝቢ ካብ ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ኲናት ንምዕቋብ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ኣለዎ' ብምባል ነቲ ዋዕላ ኣዘኻኸሮ። ሕጋዊ ቅርጻታት ዝሰግር ዓሚቝ ስነ - ምግባራዊ ሓላፍነት ብምጉላሕ፡ ሰለስተ ቐንዲ ዘተሓሳስብ መዳያት ከም ዝጒልሑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ምክልኻል

ኣብ ሃይማኖታዊ ቦታታትን ማሕበረሰባትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ “ከቢድ ስክፍታ” ምዃኑ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣጠንቂቖም። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንመንፈሳውን ማሕበራውን ኣካላቲ ሕብረተሰባት ዘቑስል እዩ። ኣብ እዋን ግጭት፡ እዞም ቦታታት መብዛሕትኡ ግዜ ከም መዕቆቢ ኮይኖም፡ ሓገዝ ከም ዝህቡን ምትሕግጋዝ ከም ዘዕብዩን እውን ብምምልካት፡ ክብሪ ደቂ ሰባት ንምሕላውን ዘርኢ ዕርቂ ንምዝራእን ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምሕላው ሰራሕተይናታት ሕክምናን መሳለጥያታትን

ውሳነ ውድብ ሕቡራት ፍቕዲ 2286 ካብ ዝጸድቕ ዓሰርተ ዓመት እኳ እንተሓለፈ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕናን ትካላትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብዘይምቁራጽ ይቕጽል ምህላዉ ዘመልከቱ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር "እቶም ዝቖሰሉ ወይ ዝሓመሙ ፈጺሞም ክንክን ጥዕና ክኽልከሉ የብሎምን፡ እቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡ ድማ ፈጺሞም ዒላማ ክኾኑ የብሎምን" እንክብሉ ደጊሞም ከም ዘተሓሳስቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስነ - ምግባራዊ ስክፍታታትን ኣብ ውግእ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ምጥቓምን

ቅድስቲ መንበር ዘመናዊ ግርጭታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እቲ ዝብጻሕ ዘሎ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብምትኳር፡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር “ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እንከሎ ዝድለ ግብረ ገባዊ ዝሓቲ ፍርዲ ክትክኦ ዝኽእል መሳለጢ የለን - ቢሎም -

ትርጕም ዘለዎ ሰብኣዊ ቍጽጽር ዘይብሉ እደ ጥበብ ነቶም ውሳነ ዝገብሩ ሰባት ካብቲ ውግእ ዘምጽኦ ሰብኣዊ ወጻኢታት ንምርሓቕን ንሰላማዊ ህዝቢ ዕቝባ ተሓታትነት ከም ዘዳኽምን የጠንቅቑ።

ጻውዒት

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበርን ኣብ ምክልኻልን ብዘተን ብሰላማዊ መገዲ ኣፈታትሓ ግጭታት ዳግማይ ትኹረት ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ሓቀይና ሰላም ብፍርሒ ወይ ብምዕናው ዘይኮነስ ብርክብን ምትእምማንን ሓላፍነትን እዩ ዝህነጽ” እንብሉ ብምርግጋጽ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 May 2026, 16:31