ጳጳሳት ፓኪስታን ምስ ር. ሊ. ጳ. ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ተስፋን ሻቕሎትን ቤተክርስትያኖም ገሊጾም

ጳጳሳት ሃገረ ፓኪስታን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምርኻብ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ተስፋን ጸገማትን ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣካፊሎም። ብፁዕ ጳጳስ ሳምሶን ሹካርዲን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ኣድልዎን፡ ምጽራፍን፡ ክስታትን፡ ብግዲ እምነት ምቕያር ዘጠቓልል ብድሆታት ከም ዘሎ፡ ግን ከኣ ኣብ ሃገረ ፓኪስታን ዝርከቡ ክርስትያን ማዕርነት መሰላትን ድልዱል መጻእን ክህልዎም ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ሃገረ ፓኪስታን፡ ኣብ ሃገሮም ኣንጻር ክርስትያን፡ ኣድልዎን፡ ጸርፍን፡ ክስታትን፡ እምነትካ ብግዲ ምቕያርን ዝኣመሰለ ከቢድ ብድሆታት እኳ እንተሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ቤተ-ክርስትያን ሃገሮም ግን ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ፓኪስታንን፡ ጳጳስ ሰበኻ ሃይደራባድን ብፁዕ ኣቡነ ሳምሶን ሹካርዲን፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክራኸቡ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት፡ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ርክብ ንኵሎም እቶም ጳጳሳት ምንጪ ምትብባዕን ምሕዳስን ከም ዝዀኖም ገሊጾም።

ሓዋርያዊ ዑደት ካቶሊካውያን ጳጳሳት መዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ብዛዕባ ኵነታት ሰበኻኦም ጸብጻብ ንምሃብ፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ሰበ-ስልጣን ናይ ኩሪያ ሮማናን ንምርኻብን፡ ኣብ መቓብር ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምጽላይን፡ በብእዋኑ ናብ ቅድስቲ መንበር ዚገብርዎ ምብጻሕ ኢዩ።

ብዛዕባ መጻኢ ሓድሽ ተስፋን ምስትውዓልን

ብፁዕ ኣቡነ ሹካርዲን "እዚ ምብጻሕ እዚ ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ብመንፈሳውን ብኣካላውን መዳይ ሓድሽ ራኢን፡ ሓድሽ ተስፋን ሂቡና " ድሕሪ ምባል፡ እቶም ልኡኻት ናብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቫቲካን ጸብጻባት ከም ዘቕረቡን፡ ካብ ሰበ-ስልጣን ቤተ-ክርስትያን ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዝረኸቡን ገሊጾም።

"ጸብጻባትና ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዎት አብያተ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣካፊልና፡ ካብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት አብያተ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከኣ ኣወንታዊ ምላሽ ረኺብና፣ እዚ ኸኣ ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ" ይብሉ።

ቀንዲ ብድሆታት

ብፁዕ ኣቡነ ሹካርዲን ብዛዕባ ሕይወት ቤተ-ክርስትያን ሃገረ ፓኪስታን ክገልጹ ከለዉ፡ ወንጌል ምስባኽ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ናይታ ቤተክርስትያን ምዃኑ ጠቒሶም። ከምኡ ውን፡ ኣብ ፓኪስታን ዝነበሩ ካቶሊካውያን ምእመናን ቍጠባዊ ጸገማትን፡ ድሩት ናይ ትምህርቲ ዕድላትን እኳ እንተለዎም ብሓቂ ውፉያት ምዃኖም ገሊጾም።

"ህዝብና ገና መሃይምነት ኣየጥፈአን፡ እንተ ዀነ ግን ድልዱል እምነት ኣለዎም፣ ድኻታት ግን ከኣ ኣዝዮም ጻዕራማትን፡ ወትሩ ኣበርቲዖም ዝሰርሑን እውን ኢዮም” ይብሉ።

ኣብ ርእሲ እዚውን "ብዙሓት ሕዝብና ማዕረ መሰላት ኣይረኽቡን ኢዮም" ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ፓኪስታን ዚርከቡ ብዙሓት ክርስትያን ዜጋጥም ዘሎ ጸገማት ጓሂኦም ገሊጾም።

ጕዳይ ጸርፊ

ብፁዕ ኣቡነ ሹካርዲን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ብቍጽሪ ውሑዳት ኣመንቲ ዘለወን ሃይማኖታት ብተደጋጋሚ ዝጸለወ ናይ ጸርፊ ክስታትን፡ እምነትካ ብግዲ ከም እትቕይር ምግባርን ንዘለዎም ሻቕሎት እውን ኣጕሊሖም።

"ብዛዕባ ጕዳያት ጸርፊ ዓብዪ ጸገም ኣሎና፣ እምነትካ ብግዲ ምቕያር ውን ኣሎ” ብምባል፡ ክርስትያን ሓድሓደ ጊዜ ብምኽንያት እምነቶምን ምስክርነቶምን ከም ዚንጸጉን፡ ስደት ከም ዜጋጥሞምን ሓቢሮም።

"ሓድሓደ ጊዜ ናብቲ ንሶም ዝደልይዎ ስለ ዘይከድና፡ ቤተ-ክርስትያንና ትንጸግን፡ ትስደድን ኢያ” ምስ በሉ፡ ምስ እዚ ኵሉ ጸገማት ግን ቤተ-ክርስትያን ፓኪስታን ንመጻኢ ብተስፋ ትጥምት ከም ዘላ ኣጕሊሖም።

"ቤተ-ክርስትያንና ከቢድ ጸገማት ተሕልፍ እኳ እንተላ፡ ንሕና ግን ዓቢይ ተስፋ አለና፣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ፓኪስታን ምስ ካልኦት ማዕረ መሰላትና ክንረክብ ተስፋ ንገብር።"

16 May 2026, 12:07